ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እንተተናውሐ'ውን ኣብ ካርቱም ደብዳብ ኣየር ቀጺሉ

Published

ኣብታ ብውግእ ትሕቆን ዘላ ሱዳን፡ ሰላማውያን ሰባት ንኽወጹ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል’ኳ እንተተገበረ፡ ዋና ከተማ ካርቱም ግና ብመጥቃዕትታት ኣየር ትድብደብ ኣላ።

ሰራዊት እታ ሃገር፡ እቲ መጥቃዕቲ ነታ ከተማ ካብ መነሓናንሕቱ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ሓራ ንምውፃእ ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጽ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት ነቲ ዝገበርዎ ምቍራጽ ተጻብኦ ንተወሳኺ ሰለስተ መዓልታት ከምዘናውሕዎ’ኳ እንተገለፁ፡ ውግእ ግና ይቕጽል ኣሎ።

ዛጊት ልዕሊ 500 ሰባት ከም ዝሞቱ’ኳ እንተተገለፀ፡ እቲ ኣሃዝ ካብዚ ክዛይድ ከም ዝኽእል እዩ ዝእመን። ብሚልየናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ኣብ ካርቱም ጅሆ ኰይኖም ኣለዉ።

ሕመረት እዚ ርሱን ውግእ ዝዀኑ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ- ሕሜቲን፡ ንስልጣን እዮም ዝነሓንሑ ዘለዉ። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ 'ቲ ሓይልታት ሕሜቲ ናብቲ ምዱብ ሰራዊት እታ ሃገር ንምጽንባር ኣብ ዝምልከት ትልምታት ኣይተሰማምዑን።

ክልቲኦም ጀነራላት፡ ብጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ሕቡራት ሃገራትን ብዝተገበረ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት እዮም፡ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም። እዚ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ግን፡ ኣብ ባይታ ተግባራዊ ኣይኰነን።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ብሽምግልና ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ዝቕፅል ምዕባለ እንታይ ከምዝገብሩ ንጹር ከምዘይኰነ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።

እዚ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝተናውሐ ብሰንበት ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ማእከል እታ ከተማ ንኣንፈት ሰሜን ኣንፃር ወተሃደራት ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ወፍሪ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

ሓሚድ ካህላፋላህ፡ ካብ 'ትካል ታሕሪር ንፖሊሲ ማእከላይ ምብራቕ'፡ ካብ መንጐ እቶም ክሃድሙ ዘይከኣሉ እዩ።

“ኣዝዩ ከቢድ ነትጕ ምስ ዘጋጥምን እናቐረበ ምስ ዝመጽእን፡ ኣብ ገዛ ኢና ንዕቆብ። ኵልና፡ ካብ መሳኹትን መንደቕን ብምርሓቕ፡ ናብቲ ኣብ ማእከል እቲ ገዛ ዘሎ ክፍሊ ክንመጽእ ንጽዕር። ክሳብ ዝሓልፍ ድማ ኣብ መሬት በጥ ንብል።

ቅሩብ ርሕቕ ክብል እንከሎ፡ እተን ንረኽበን ሒደት ሰዓታት ወጺእና ቀልጢፍና ሓደ ሓደ እንደልዮ ነገር ንምርካብ ንጥቀመለን። ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፡ እዚ ክንገብር ግን ግድን እዩ” ይብል።

ናውቲ ሕክምና ዝፀዓነት ፈላመይቲ ነፋሪት ረድኤት ናብታ ሃገር በጺሓ ኣላ።

ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ እታ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝዓለበት ነፋሪት፡ ሸሞንተ ቶን ረድኤትን ንሆስፒታላት ዝኸውን ናውቲ ሕክምናን ከም ዝሓዘት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ተጻብኦታት ይቕጽል ብምህላዉ፡ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ጽዑቕ ውግእ ይካየደሎም ኣብ ዘለዉ ከም ካርቱም ኣብ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዘለዉ ማእከላት ጥዕና ሓገዝ ንምብጻሕ፡ ካብ ተጻባእቲ ወገናት ውሕስና ከም ዘድልዮም” ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 15 ሚያዝያ ዝተወልዐ ውግእ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ማእከላት ጥዕና ካርቱም ክዕጸዋ ተገዲደን እየን።

ኣብ ኬንያ ኰይኑ ነቲ ኵነታት ዝከተተሎ ዘሎ ናይ ዲፕሎማሲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፖል ኣዳምስ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ካብ ካርቱም ከርሕቕ ክጽገም እዩ ኢሉ።

ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ (RSF)፡ ኣብ ከተማ ዝካየድ ቅዲ ኵናት ዝምችኦ ከም ዝዀነ ድማ ፖል ኣዳምስ ገሊጹ።

ሃገራት ወጻኢ፡ ኣብ መንጐ እዚ ዕግርግር ዜጋታተን ካብ ሱዳን የውጽኣ ኣለዋ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዜጋታቱ ንምግዓዝ፡ ናይ መወዳእታ በረራ ንሎሚ ሰኑይ ከምዘዋድድ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ግና ዜጋታቱ ናይ ምውጻእ ስርሒት ከምዝዛዘመ ሓቢሩ ኔሩ።

ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር (FCDO) እቶም ክወፅኡ ዝደልዩ ብሪጣናውያን፡ ቅድሚ ሰዓት 12፡00 ኣብ ፖርት ሱዳን ክርከቡ ሓቢሩ ኣሎ።

ዛጊት 2,122 ዜግነት ብሪጣንያ ዘለዎም ሰባት ካብ ሱዳን ከም ዘውፅአ ከኣ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ።

ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ስዑድ ዓረብ ብመርከብ ንምግዓዝ ብኣሜሪካ ዝተዳለወ ቃፍላይ'ውን፡ ኣብ ፖርት ሱዳን በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሱዳን ካብ ዝወፅኡ ዲፕሎማሰኛታት ብተወሳኺ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣሜሪካውያን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ግዒዞም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ካብቲ ኣብ ሶርያን ሊቢያን ዝተወልዐ ኲናት ዝሓሰመ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ብቐዳም ከም ዘጠንቀቐ ይፍለጥ።

እዞም ኣብ ሶርያን ሊብያን ዝተወልዑ ኵናት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱን ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ከይህሉን ጠንቂ ኰይኖም እዮም።

“ንዓለም ዘባህርር ዝኸውን እመስለኒ። እዚ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ንእሽተይ ዕጡቕን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣይኰነን። ዳርጋ ኣብ መንጐ ክልተ ሰራዊት ዝካየድ ዘሎ እዩ” ይብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር።