‘ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብርቱዕ ጽልኢ ኣለኒ’ ጥርጡር ቅትለት ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ፓሪስ ኣብ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ኩርዳውያን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሰባት ዝቐተለ ጠርጡር፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብርቱዕ ጽልኢ ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ።
እቲ ወዲ 69 ዓመት ሰብኣይ ብዓርቢ ነቲ መጥቃዕቲ ክኸፍት ከሎ፡ ኤውሮጳውያን ንዘይኮኑ ወጻእተኛታት ክቐትል መደብ ከምዝነበሮ ንመርመርቲ ምዝራቡ ዓቀብቲ ሕጊ ፈረንሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ብፖሊስ ምርመራ ምስተገበረሉ ድማ ናብ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ክኣትው ተገይሩ’ሎ።
ኣብ ሓደ ማእከል ባህሊ ኩርዳውያን ተኹሲ ብምኽፋት ሰለስተ ሰባት ብምቕታልን ካልኦት ሰለስተ ብምቑሳልን ከምዝተኸሰሰ ድማ ተፈሊጡ።
ዊልያም ኤም ዝተባህለ ጥርጡር፡ ጡረተኛ መራሒ ባቡር ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2016 ኣብ ገዝኡ ስርቂ ካብ ዝፍፀም ንደሓር ንጭንቀት ከምዝተቓልዐን ነብሰ ቅትለት ናይ ምፍፃም ሓሳባት ከምዝመላለሶን እቶም ዓቐብቲ ሕጊ ተዛሪቦም።
ካብ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘለዎ ጽልኢ ሱር ከምዝሰደደ ከምዝተኣመነ’ውን ወሲኾም ገሊፆም።
ዊልያም ኤውሮጳውያን ዘይኮኑ ሰባት ንምቕታል ብዓርቢ ናብቲ ብዙሓት ስደተኛታት ዝርከቡሉ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ዘሎ ሴንት-ደኒስ እተብሃለ ቦታ ኣምሪሑ። ኣብኡ ድማ ውሑዳት ሰባት ረኺቡ።
ብድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ፓሪስ '10ይ ዲስትሪክት' ዝርከብ ኣሕመት ካያ ብዝብል ዝፍለጥ ማእከል ኩርዳውያን ብምኻድ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝበልዎ፡ ዊልያም ነቶም ኣባላት ማሕበረሰብ ኩርድ ዒላማ ዝገበረሉ ምኽንያት ኣብ ግጭት ሶርያ ዝተሳተፉ ኩርዳውያን ዕጡቓት ኣብቲ ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ (ኢስላሚክ ስቴት) ዝገብርዎ ቃልሲ ንእሱራት ኣብ ክንዲ ምቕታል ሒዞም የፅንሕዎም ስለዝነበሩ እዩ።
እቲ ውልቀሰብ ብቕትለት፣ ፈተነ ቅትለትን ዓሌታዊነት ዘንቀሎ ገበን ብምፍፃምን ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።
ቅድም ክብል’ውን ካልእ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ምንባሩ ዝተረጋገፀ ኮይኑ ቅድሚ እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዋሕስ ከምዝተፈትሐ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብጎዞሞ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ተኸሲሱ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
