ስደተኛታት ካሌ፡ ዛንታ እታ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ሓገዝ ብዘይምርካባ ዝጠሓለት ጃልባ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ መትረብ ብሪጣንያ ናይ ማዕበል ጸገም ኣጋጢሙዋ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ናይ ርድኡና ሓገዝ ሓቲታ ግቡእ ምላሽ ብዘይምርካባ 33 ስደተኛታት ጽዒና ዝጠሓለት ጃልባ እኹል መርትዖታት ከምዘሎ ተሓቢሩ። ካብቲ ሓደጋ ክልተ ሰባት ጥራሕ እዮም ድሒኖም።
እቲ ብቢቢሲ ዝተራእየ፡ ናብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝቐረበ ናይ ህጹጽ እዋን ጻውዒት ሓገዝ ናይ መልእኽቲ ዝርርብ ቅዳሕ ከምዘመልክቶ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ማያት ፈረንሳ ኮይኖም ካብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ሓገዝ እኳ እንተሓተቱ፡ ብቐጻሊ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ህጹጽ ረድኤት ክሓቱ ብተደጋጋሚ ከምዝተነግሮም ይሕብር።
እቲ ናብ ጋዜጣ ለ-ሞንደ ዝለሓዅ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ዘካየዱዎ መርመራ ከምዘመልክቶ ከኣ፡ ዋላ’ኳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ፍሉይ ናይ ሓገዝ ሕቶ እንተቐረበ፡ እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝርከብ ሓለዋ ባሕሪ ግን ናብቲ ቦታ ምንም ሓገዝ ከም ዘይለኣኸ ዘመልክት እዩ ዝመስል ።
ቢ.ቢ.ሲ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት፡ ሓንቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ኣብ መንጎ ማእከላት ድሕነት ናይ ክልቲአን ሃገራት፡ ናብዝን ናብትን ትመላለስ ከምዝነበረት ዝሕብር መርትዖ እውን ሰሚዑ እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብቲ ኣከራኻሪ ባሕሪ መትረብ ኢንግሊዝ ብዙሕ ምስጢራት ክህሉ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ትሕቲ ኣኻውሕ ካፕ ግሪስ-ነዝ ዝርከብ ኣጻድፍ ብጸፍዒ ማዕበል ይግጨብ ኣሎ። እቲ ብማዕበል ዝሰራሰር ማይ ባሕሪ ከኣ እናተገላበጠ ምስቲ ኣኻውሕ ተጋጭዩ ንድሕሪት ይምለስ። ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ድማ ካብ ገማግም እቲ ኣጻድፍ ኮይኖም ኣብ ጸገም ንዝርከባ ጀላቡ እናማዕደዉ ሓገዝ ዝህባ መራኽብ ይልእኹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 24 ሕዳር 2021 ልክዕ ሰዓት 01: 48 ኣብ ካፕ ግሪስ-ነዝ ኣብ ዝርከብ መቆጻጸሪ ክፍሊ ዝነበሩ ኦፕሬተራት፡ ካብታ ብሓደጋ ማዕበል ትጭነቕ ዝነበረት ጃልባ ናይ መጀመርታ ጻውዒት ቀሪቡሎም።
እቶም ተጓዓዝቲ ብልክዕ ኣበይ ቦታ ከምዘለው ብሞባይሎም መልእኽቲ ክሰዱ ተሓቲቶም ነይሮም፤ እንተኾነ፡ እቲ መልእኽቲ ምስ በጽሐ ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣቢሉ፡ እታ ጃልባ ካብቲ ዝነበረቶ ቦታ ኣስታት ፍርቂ ማይል ኣቢላ ናብ ውሽጢ ማያት ፈረንሳ ኣትያ ነይራ።
ብመሰረት እቲ ሰነዳት፡ እቶም ፈረንሳውያን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዶቨር ንዝርከብ ሓለዋ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ነጊሮም እዮም። ድሕሪ ዕስራ ደቒቕ ኣቢሉ ከኣ ካብታ ጃልባ፡ ብልክዕ ዝነበረቶ ቦታ ምስተሓበረ እቶም ኣብ ዶቨር ዝነበሩ ሓለዋ ባሕሪ ሓገዝ ልኢኾም።
ሽዑ እታ ጃልባ ድሮ ኣብ ማያት ብሪጣንያ ኣትያ ነይራ። ይኹን እምበር ኣብታ ጃልባ ዝነበራ ቴሌፎናት ናይ ፈረንሳ ሲግናል እየን ዘርእያ ነይረን።
እቲ ሰነዳት ከምዘመልክቶ ኦፕሬተራት ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝኣክል ነቶም ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንከይድውሉ ከምዘጠንቀቑዎም እዩ ዘርኢ። ድሕሪ 20 ደቓይቕ ሓለዋ ባሕሪ ብሪጣንያ ፍልይ ዝበለ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ ካብ ዶቨር ሓገዝ ልኢኾም።
እታ ለ ሞንድ እተባህለት ጋዜጣ ንሓደ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ ብምጥቃስ: ሰበ-ስልጣን ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ናይ ድሕነት ጃልባ ናብቲ ቦታ ከም ዝለኣኹን ንፈረንሳ እውን ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ክትልእኽ ከምዝሓተቱዋን የረድእ። ለ ፍላማንት [ዝተባህለት ጋዜጣ] ግን እታ ናይ ሓገዝ ጃልባ ከምዘይተላእከት እያ ትገልጽ።
ቢቢሲ ንሓለዋ ባሕሪ ክልቲአን ሃገራት እኳ እንተሓተተ፡ እቲ ጉዳይ ገና ኣብ መርመራ ስለዘሎ ካብ ክልቲኦም ወገናት ምላሽ ኣይረኸበን።
ሓደ ናይ መንግስቲ እንግሊዝ በዓል ስልጣን ኣብ እዋን መርመራ "ተወሳኺ ሓሳብ ምሃብ ዘይግቡእ" እዩ ድሕሪ ምባል ፡ እታ ሃገር "ነቶም ብድሕሪ’ዚ ሓደገኛ መስቀላዊ መገዲ ዝንቀሳቐሱ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽትና ደኺምና ኸይበልና ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ ።
‘'ኣይክትድሕኑን ኢኹም "
ቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ሓደ ፈረንሳዊ ኦፐሬተር፡ ኣብ ጸገም ንዝነበረት ካልእ ጃልባ ይሕግዝ ከም ዝነበረ እዩ ን ለ-ፍላማንት ሓቢሩ። ለ ሞንዴ ግን እቲ ናይ ፖሊስ ጸብጻብ ነቲ ዝተባህለ ኣብ ምልክት ሕቶ ከምዘእትዎ እዩ ዝገልጽ ።
ነቲ ኣብቲ ምሸት ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ዝከታተሉ ዝነበሩ ፈረንሳውያን ክኢላታት፡ ምስ ድምጺ እቶም ሓገዝ ዝሓቱ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ድምጺ ናይታ እትሰባበር ዝነበረት ጃልባን ጫውጫውታ እቶም ተጓዓዝትን ይስማዕ ከምዝነበረ፡ እቶም ሓለዋ ድሕነት ከኣ “ኣጆኹም ንመጽኣኩም ኣሎና” ይብሉዎም ከምዝነበሩ የረጋግጽ።
ሓደ ኦፕሬተር ነቲ ደዋሊ፡ እቲ መስመር ምስ ተቛረጸ ከላግጸሉ እንከሎ፡ " ክትሰምዓኒ ኣይከኣልካን ምሽ፡ ኣይክትድሕንን ኢኻ። 'እጥሕል ኣለኹ' - ክትወጽእ እውን ኣይሓተትኩኻን "ይብል ።

ብቢ.ቢ.ሲ. እተረኽበ ጽሑፍ ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ እዋን በቲ ቦታ እትሓልፍ ዝነበረት ካልእ ጃልባ ጣልቃ ክትኣቱ ሓቲታ እኳ እንተነበረት ኦፕሬተራት ፈረንሳ ከምዝኸልከሉዋ እዩ ዝሕበር።
ንጽባሒቱ እቶም ክልተ ስደተኛታት ብገፋፊት ዓሳ መርከብ እዮም ድሒኖም።
ምኒስተር ባሕሪ ፈረንሳ ሄርቢቪል፡ "እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ማያት ፈረንሳ እንተ ነይሮም፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ከኣ ሸለልትነት እንተ ተራእዩ፡ እገዳ ከስዕብ እዩ" ክብል ንፓርላማ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሚስተር በርቪል ቃለ-መሕትት ክገብር ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ ቤት ጽሕፈቱ ግን ኣብ ክንዲ ሕቶ ቃለ መሕትት ምቕባልን ርእይቶ ምሃብን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ቀጻሊ መርመራ ስለዝርከብ፡ ቢቢሲ፡ እቲ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ንዝሃቦ ሓሳብ ክርኢ ሓቢሩ።
ድሕሪኡ ቢቢሲ፡ ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ፈረንሳ ገራልድ ዳርማኒን ቃለ መጠይቕ ክገብር ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ ግን ምላሽ ኣይረኸበን። እንተኾነ ኣብ ናይ ፈረንሳ ፍርዳዊ ኣካል ዝርከቡ ምንጭታት፡ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ መርመራ፡ ኣብቲ ፈረንሳውያን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝጥቀሙሉ ኣገልግሎት ዝያዳ ከተኵር ዝግባእ እንተ ኰይኑ ይሓስቡ ከምዘለው ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ማሪያ ቶማስ እትበሃል ንሓደ ካብቶም ዝደሓኑን ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ ስድራ ግዳያትን እትውክል ጠበቓ: ብወገን ብሪጣንያ እውን ህጹጽ መልሲ ከም ዘየለ እያ ትገልጽ። "እተን ስድራ ቤታት ግዳያት ፡ ግሉጽን ምሉእን ህዝባዊ ሕቶ ክግበር እየን ዝጠልባ ዘለዋ” ትብል።
"እቲ ናይ [ዩከይ] ሓይሊ ባሕሪ ንድሕነት ኣብ ዝተዋፈረሉ እዋን እተገብረ መስርሕ ምድላይን ምድሓንን፡ ምስቲ እታ ጃልባ እትጥቀመሉ ዝነበረት ኣገባብ ምንዳይን ርክብን ዝተሓሓዝ እዩ ።" ከኣ ትብል።
“ንሳቶም ይስሕቁና ኣለዉ "
“ኣብቲ ቻነል ኣብ ዝካየድ ናይ ምድሓን ስርሒታት መን ክመርሖ ኣለዎ?” ንዝብል ሕቶ ብእተወሰነ ደረጃ እቲ ፍጻመ ኣበይ ነይሩ? እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ጭንቂ ጻውዒት ከ ካበይ እዩ መጺኡ? ኣየኖትከ እዮም ብዝበለጸ ኽሕግዙ ዝኽእሉ? ዝብል ሕቶታት የልዕል እዩ።
ብዝሒ ናይ ንኣሽቱ ጃልባታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብኡ መጠን ከኣ እቲ ናይ ምድሓን ጸጋታት እናተጸንቀቐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ለይቲ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ንምድሓን ብኽልቲኡ ሸነኽ ናይ ባሕሪ ዘለው ናይ ህይወት ኣድሕን ጕጅለታት ክጽውዑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ፈረንሳውያን እውን ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዘጋጥም ናይ ሓላፍነት ሕቶ በዚ ዘሕዝን ፍጻመ ጥራይ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ቢቢሲ ተረዲኡ ኣሎ። ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይቲ ዘሕዝን ሓደጋ ምግጣሙ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑ ምልእቲ ጃልባ ሰባት ተመሳሳሊ ጸገም ኣጓኒፉ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/Courtesy of Zana Mamand Mohammad
ብ20 ሕዳር ኣብ ደንኪርክ ናብ ዝርከብ ሓገዝቲ ስደተኛታት ጸገም ዘጋጠሞም ሓገዝ ዝጽበዩ ገያሾ ከምዘለው ናይ ድምጺ መልእኽትታት ተላኢኹ ነይሩ።
እቲ ደዋሊ፡ "ናብ ኩሉ ቁጽርታት ናይ ህይወት ኣድሕን ኢና ደዊልና” ይብል። "999 ምስ ደወልኩ፡ ናብ ፈረንሳ ደውል እዮም ዝብሉኻ። ናብ ፈረንሳውያን ምስ ደወልካ ከኣ ንኢንግሊዝ ደውል ይብሉኻ። ክልቲኦም ከኣ የስሕቑና ነይሮም። "
ጸኒሕና ከኣ፡ "ጐይታይ፡ ገና ንጽበ ኢና ዘለና ክረድኣና ዝመጽአ የልቦን። ሓገዝ ብዘይምርካብና ሰጊእና ኣሎና። በጃኹም ሰብ ለኣኹልና" ኢሉዎምዎም።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ብዝምልከት ንሰብ መዚ ገማግም ባሕሪ ዓዲ-እንግሊዝን ፈረንሳን ሕቶታት እኳ እንተቕረበ ምላሽ ኣይረኸበን።
ራፋኤል ኩዚን ኣብታ ዕለት፡ ኣብታ ብኡቶብያ-56 እትፍለጥ ትካል ግብረ-ሰናይ ዝካየድ ናይ ሓገዝ መደብር፡ ተሓጋጋዚ ተረኛ ስራሕ እዩ ነይሩ ።
"እታ ጃልባ እትርከበሉ ቦታ ብሓቂ ናብ ማያት ዓባይ ብሪጣንያ ዝቐረበ እዩ ነይሩ" ይብል። "ንሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ሓቢረዮም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ ነታ ጃልባ ናብ ማያት ፈረንሳ ንክትኣቱ ፈቒዱላ እዩ "ኢሎም።
ብድሕሪኡ፡ ንከድሕኖም ሓደ ናይ ፈረንሳ ጃልባ ተላእከ። ራፋኤል፡ "[ከምኡ እንተዘይግበር] እቲ ኩነታት ብሕማቕ መገዲ ምተወድአ ነይሩ"ይብል ። "እቲ ኵነታት እቲ፡ ነቲ ብ24 ዘጋጠመ ነገር ብሓቂ ኣቃሊሕዎ እዩ ።"
ዛና ማማንድ መሓመድ፡ ካብቶም ካብ መትረብ ኢንግሊዝ ዘይተመልሱ: ሓው ትዋና: ካብ ዒራቕ-ኩርዲስታን ናብ ፈረንሳ ዝገበሮ ጕዕዞ ንኽምስክር ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ምስክርነት ብምሃብ ተሳቲፉ።
"ህይወትካ ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ኣገዳሲ’ዩ ኢለ ሚእቲ ግዜ ነጊረዮ ነይረ" ኢሉ።
"እዞም ሰባት እዚኦም ግን ከም ሰባት ኣይተራእዩን " ይብል።
ሬሳ ትዋና ኣይተረኽበን፤ ካልእ ዝሕዝን ክፋል ናይቲ ኣብኢ መትረብ ኢንግሊዝ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጠፊኡ ዘሎ ህይወትን ዛንታን እዩ።
ኣብዚ ዓመት እዚ፡ እቲ ዘሕዝን ሓደጋ ካብ ዘጋጠም ንደሓር፡ ኣስታት 40,000 ሰባት ብንኣሽቱ ጃላቡ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም። ገና ኣብ ትሕቲ ካፕ ግሪስ-ነዝ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝርከብ ማያት፡ ንኣሽቱ ጃላቡ ሰባት ከሰጋግራ ካብ ገምገም ናብ ገምገም ብሕሹኽታ ይንቀሳቐሳ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
