እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወለንታዊ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ክልተ እንግሊዛውያን ኣብ ዩክረይን ጠፊኦም
ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶኔትስክ ዩክረይን ክልተ ዜጋታት ብሪጣንያ ከም ዝጠፍኡ ፖሊስ ዩክሬን ኣፍሊጡ።
ወዲ 48 ዓመት ኣንድሪው ባግሻውን ወዲ 28 ዓመት ክሪስቶፈር ፓሪን ወለንታዊ ስራሕ ይሰርሑ ከም ዝነበሩን ንመወዳእታ ግዜ ብዓርቢ ናብታ ጽዑቕ ውግእ ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ሶለዳር ክኸዱ ከም ዝተራእዩን ፖሊስ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ "ነቶም ስድራቤታት ይድግፎም" ምህላው'ውን ሓቢሩ።
ወለዲ ሚስተር ባግሻው ኣዝዮም ከም ዘፍቅርዎን "ብኹሉ ክሰርሖ ዝጸንሐ ስራሕ ብዘይ መጠን ንሕበንን" ክብሉ ገሊጾምዎ።
ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ደሃይ እቶም ክልተ ሰባት ኣይተሰምዐን።
ፓሪ፡ ሰብኣዊ ስራሕ ንምስራሕ ናብ ዩክረይን ዝተጓዕዘ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሰባት ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ እትርከብ ባክሙት ንኽወጹ ክሕግዝ ጸኒሑ’ዩ።
"እቶም ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ኣዝዮም ፍቑራት ስለዝኾኑ፡ ንምሕጋዝ ተለዓዒለ" ክብል ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በዓል ልደት ንቢቢሲ ኮርንዎል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ቸልተንሃም ዝነብር ፓሪ፡ ንጽገና ተሽከርከርቲ፡ ነዳድን መሳርሕታትን ንሲቪላውያን ንምውጻእ ዝሕግዝ ገንዘብን ንምትእኽኻብ ኣብ ኢንተርኔት ብምጽሓፍ፡ ህጻናትን ስድራቤታትን ካብ ቅድመ ግንባር ንኽሃድሙ ዝሕግዝ ኣብነታት ኣቕሪቡ ነይሩ።
ወለዲ ባግሻው ኣብ ኒውዚላንድ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ቀረብ መግብን መድሃኒትን ከምኡ’ውን ኣረጋውያን ካብ ጥቓ ግንባር ክወጹ ምሕጋዝን" ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ሓቢሮም።
ብቀዳም ጸብጻብ ዝጠፍአ ሰብ ዝበጽሖ ክፍሊ ፖሊስ ከተማ ባክሙት፡ ነቶም ክልተ ሰባት ንምድላይ ክሕግዝ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ክወሃቦ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ክራማቶርስክ ነይሮም፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣድማታት ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ይቐርብ ነይሩ።
ንመወዳእታ ግዜ ናብታ ንእሽቶ ምብራቓዊት ከተማ ሶለዳር ክኸዱ ተራእዮም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ምስ ሓይልታት ዩክረይን ንኣዋርሕ ድሕሪ ዘካየደቶ ውግእ፡ ንመብዛሕትኡ ከባቢ ሶለዳር ክትቆጻጸሮ "ተኽእሎ" ኣሎ ክብል ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ ኩሉ ናብ ዩክሬን ዝግበር መገሻታት የጠንቅቕ ኣሎ።
"ንህይወት ናይ ብሓቂ ሓደጋ ከምዘሎ" ብምግላጽ፡ ገና ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ዜጋታት ብሪጣንያ ብቕልጡፍ ክወጹ ከም ዘለዎም ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዩክረይን ዝጠፍኡ ወይ ዝተማረኹ ብርክት ዝበሉ ብሪጣንያውያን ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይን ናይ 10 እሱራት ምልውዋጥ ከም ዘካየደት ድሕሪ ምግላጻ፡ ብሩስያ ብዝድገፉ ሓይልታት ተታሒዞም ዝነበሩ ሓሙሽተ ዜጋታት እንግሊዝ ተፈቲሖም እዮም።