ኣብ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ፓስፖርት ናይ መን እዩ? ናይ ኤርትራ'ኸ?

ፓስፖርት ኤርትራ
Published

ፓስፖርት ጃፓን ኣብ ዓለምና እቲ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎ ፓስፖርት ምዃኑ ተገሊጹ።

ትካል ሄንሊ፡ ኣሃዛት ዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ኣየር ተጠቒሙ ብዘውጽኦ ደረጃ መሰረት፡ ፓስፖርት ጃፓን እቲ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ ኢሉ።

እዚ ማለት፡ እዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ብዘይ ቪዛ ናብ 193 ሃገራትን ግዝኣታትን ክጓዓዙ ይኽእሉ፤ ወይ'ውን ኣብ ዝኸድሉ ሃገር ቪዛ ይረኽቡ።

ፓስፖርት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎም 10 ቀዳሞት ፓስፖርታት

ሄንሊ፡ ገያሾ ብመሰረት'ቲ ዝሓዝዎ ፓስፖርት፡ 'ብዘይ ኣቐዲሙ ዝሕተት ቪዛ ናብ ክንደይ ሃገራት ክጓዓዙ ይኽእሉ?' ብዝብል መጽናዕቲ እዩ፡ ደረጃ'ቲ ፓስፖርት ዝልክዕ።

እዚ ማለት፡ 'ሓደ ተጓዓዚ ቪዛ ከየድለዮ ናብ ዝደለዮ ሃገር ይንቀሳቐስ ወይ ኣብ ዝኣተወሉ ሃገር ቪዛ ክረክብ መሰል ኣለዎ' ማለት እዩ።

ሄንሊ፡ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2022 ንደረጃታት ፓስፖርት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ ሓበሬታኡ፡ 199 ፓስፖርታትን 227 መዕርፎታትን ከም ዝመርመረ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት፡ ፓስፖርታት ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን ብማዕረ ነጥቢ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ናይቲ ደረጃ ተቐባልነት ፓስፖርት ዘስፈረ ዝርዝር ተቐሚጦም ኣለው።

ዜጋታት እዘን ሃገራት ቀዲሞም ቪዛ ክረኽቡ ከይተገደዱ ናብ 192 ሃገራት ክገሹ ይኽእሉ።

ፓስፖርታት ጀርመንን ስጳኛን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክስርዑ እንከለው፣ ናይ ፊንላንድ፡ ኢጣልያ ላክዘምበርግን ከኣ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተቐሚጦም ኣለው።

ኦስትሪያ፡ ዴንማርክ፡ ኔዘርላንድስን ስዊድንን፡ ብዘይ ቪዛ ናብ 188 ሃገራት ከግሹ ዝኽእል ተባሂሎም ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለው።

ፓስፖርታት ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ከኣ ብተርታ፡ ብዘይ ቪዛ ናብ 187፡ 186፡ 185 ሃገራት ዘግሹ ተባሂሎም ካብ ሻድሻይ ክሳብ ሻምናይ ዘሎ ደረጃ ክሕዙ እንከለው፡ ናይ ሃንጋሪን ሉትዌኒያን ድማ ኣብ ታሽዓይን ዓስራይን ተደሪጆም ኣለው።

ኤርትራ

ሄንሊ ብዝወጽኦ ሓበሬታ መሰረት፡ ፓስፖርት ኤርትራ ዝሓዙ ገያሾ ብዘይ ቪዛ፡ ወይ’ውን ምስ ኣተው ቪዛ ክረኽቡለን ናብ ዝኽእሉ 44 ሃገራት ክጓዓዙ ይኽእሉ።

 በዚ መሰረት፡ እዚ ፓስፖርት ካብ ናይ 18 ሃገራት ዝሓሸ ኰይኑ፡ ካብ 112 ኣብ መበል 101 ደረጃ ተሰሪዑ’ሎ።

ፓስፖርት ኤርትራ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንናይ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ዲሞክራሲያዊት ኮንጐል ናይጀርያን ደቡብ ሱዳንን በሊጹ እዩ እዚ ደረጃ’ዚ ሒዙ ዘሎ።

 ፓስፖርታት ሊቢያ፡ ሰሜን ኮሪያ፡ ኔፓል፡ ፍልስጤም፡ ሶማሊያ፡ የመን፡ ፓኪስታን፡ ሶሪያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ መወዳእታ ዝተሰርዐ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኢትዮጵያ

ብመሰረት ሓበሬታ ሄንሊ፡ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ዝሓዙ ገያሾ፡ ቪዛ እንከየድለዮም ወይ ድማ ኣብ ዝኣተውሉ ቪዛ ክረኽቡለን ዝኽእሉ 46 ሃገራት ክጓዓዙ ይኽእሉ።

እዚ ፖስፖርት፡ ካብ 112 ፓስፖርትታት፡ ኣብ መበል 100 ዝተሰርዐ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሸውዓተ ፖስፖርት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሐሸ ከምዝዀነ እቲ ጸብጻብ ትካል ሄንሊ የመልክት።

ፓስፖርት ኢትዮጵያ፡ ንናይ ሃገራት ሶማልያ፡ ሊቢያ፡ ሱዳን፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ናይጄሪያ፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን በሊጹ እዩ ኣብ መበል 100 ክድረጅ ክኢሉ ዘሎ።

ፓስፖርታት ሊቢያ፡ ሰሜን ኮሪያ፡ ኔፓል፡ ፍልስጤም፡ ሶማሊያ፡ የመን፡ ፓኪስታን፡ ሶሪያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ መወዳእታ ዝተሰርዐ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ተቐባልነት ፓስፖርት ብምንታይ ይልካዕ?

ባንክ ዓለም፡ ተቐባልነት ፓስፖርት ሓንቲ ሃገር ዝልክዓሉ ሓደ ቐንዲ ረቛሒ፡ ዜጋታት ዝረኽብዎ መጠን እቶት ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር።

ልዑል ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ድኻታት ሃገራት ብዝሐሸ ብዘይ ቪዛ ናብ ብዙሓት ሃገራት ክጓዓዛ ይኽእላ።

ተማራማሪ ሄንሊ ኦመር ዛረፕሊ (ዶ/ር)፡ “እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሃገራት ዝያዳ ንሃብታማት ሃገራት ዶባተን ዝኸፍታ እዩ” ይብል።

ዛረፕሊ፡ ልዑል ኣታዊ ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመጽኡ በጻሕቲ፡ ኣብ ዝኸዱለን ሃገራት ኣብ ቱሪዝም፡ ንግዲን ወፍርን ብዙሕ ገንዘብ ብምፍሳስ፡ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየት እታ ትቕበሎም ሃገር እወታዊ ግደ ስለዘበርክቱ እዩ፡ ይብል።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ካብ ሃብታማት ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ፡ ኣብታ ዝኸድዋ ሃገር ዝፈጥርዎ ማሕበራዊ ቍጠባውን ሰኸም ስለዘየለ ጉዕዞኦም ከምዝቃለል ኦመር ዛረፕሊ ይገልጽ።

ሰላምን ተቐባልነት ፓስፖርትን

ትካል ሄንሊ፡ ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ኵለመዳያዊ ሰላም ንተቐባልነት ፓስፖርታ ብቐጥታ ከም ዝጸልዎ ይገልጽ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ዓሌታዊ ግጭት፡ ውዱብ ገበናት ዝኣመሰለሉ ተርእዮታት ዝውቱራት እንተዀይኖም፡ ዜጋታት እታ ሃገር ጕዕዘኦም ድሩት እዩ።

ሓያል ማእከላይ መንግስቲ ዘይብለንን፡ ብዙሓት ተመዛበልቲ ዘለዉወንን ሃገራት፡ ዜጋታተትን ናብ ዝገሽዎ ሃገር ቪዛ ክሕተቱ ግድን እዩ።

ቍጠባአን ዝለመሰ፡ ድኹም ማእከላይ መንግስቲን ውሽታውያን ተመዛበልቲ ዘለዉወን ከም የመን፡ ሶሪያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ዜጋታተን ኣብ ዝኸዱለን ሃገራት ቪዛ ይሕተቱ።