ሃገራዊ ሓይሊ ንምፍጣር ዝተኻየደ ዋዕላ ኤርትራውያን

ተኣምራት ስዩምን ሓላፊ ክፍሊ ጽምዶ፤ ኣብርሃም ኣላይ መደብ ዋዕላ ምምኽኻር
Published

ክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንዅሎም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነበሩ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ስቪካዊ ማሕበራትን ትካላት ሜድያን ብምዕዳም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ንምፍጣር ዝዓለመ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ኣካይዱ።

ኣብቲ ብማንዛ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ልዕሊ 50 ውድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ልዕሊ 25 ትካላት ሜድያን ዘሳተፈ ዋዕላ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ከም ምኒስተር ምክልኻል ኤርትራ ነበር ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ነበር ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ዓደቦ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ኣብ ፈለማ 90ታት ብደረጃ ምኒስተር ዘገልገለ ኣሕመድ ኣልቀይስን ካልኦት ኣዝዩ ነዊሕ ተመኵሮ ቃልሲ ዘለዎም ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዝነጥፉ ገዳይም ተቓለስቲ ተሳቲፎም ነይሮም።

ምክትል ኣቦ መንበር ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ገዛኢ ሓጐስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ጌርና ክንሓስብ፡ ብብቕዓትን ራእይን ዝምራሕ ሃገራዊ ሓይሊ ፈጢርና ስቓይ ህዝብና እነሕጽረሉ መንገዲ ክንፈጥር ይግባእ” ክብል ተጋባእቲ ምእንቲ ሓባራዊ ራእይን ዕላማን ኣብ ብዙሕ ነገራት ሕድገት ብምግባር ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዑ።

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንሓድሕዶም ስኒት ዘይብሎም፡ ንዝገበርዎ ሓድነት ከፍርሱ ዝጸንሑን ተባሂሎም'ዮም ዝንቀፉ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝገብርዎ ቃልሲ፡ ኣድማዕቲ ከምዘይኰኑ ይንገረሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ዝዀኑ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ኣየፍቅድን'ዩ።

ኣካያዲ ክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ተኣምራት ስዩም ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ንሱ ዝነጥፈሉ ክፍሊ “ሃገራዊ ሓይሊ ደምበ ፍትሒ” ንምቛም ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ስቪካውን ውዳበታት፡ ብሓደ ንምስራሕን ንምቅርራብን ዘኽእል መገድን ምርድዳእን ክድህስስ ከምዝጸንሐ ገሊጹ።

ኤርትራዊ ደምበ ፍትሒ፡ ኣብ መሰረታዊ ዕላማታት ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ቀዳምነቱ ኣለልዩ ብሓባር ክንዲ ዝሰርሕ፡ ብሕሉፍ ታሪኽ ንሓድሕዱ ከምዝነጻጸግ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልተ ጫፋት ከምእተገዝዐ ኣረዲኡ።

“ብጉዳይ ውክልናን ዝተፈላለየ ምኽንያት ንሓድሕዱ ዘይቀራረብ ደምበ ተቓውሞ ናብ ሓደ ከተምጽኦ ቀሊል ኣይኮነን፡” ዝበለ ኣቶ ተኣምራት፡ ስቓይን ወጽዓን ህዝቢ ንምሕጻር ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትን ብድሆታትን ምጽብጻብ ዘይኰነ፡ ንቕድሚት ብምጥማት ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ  ምርጫ ከምዘየልቦ ሓቢሩ።

እቲ ዋዕላ እንታይ መደባት ሓንጺጹ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ክልተ መድረኻት ዘለዎ ናይ ጽምዶ መስርሕ፡ እቲ ቐዳማይ መደቡ፡ ኣብ ትሕቲ፡ ሓደ ብኣቦ መንበራት ኵሎም ተላፈንቲ ዝቐውም፡ ሃገራዊ ሽማግለ ኰይነን ዝሰርሓ ኣድለይቲ ትካላት ከቕውም እዩ ዕላማኡ።

እተን ትካላት ንስራሕ ዝዓለመ መደባት ኣውጺአን ኣብ ስራሕ ንኽዋፈራ ከኣ ንዐአን ዘመሓድሩ፡ ምሁራትን ሰብ ሞያን ዝሓዘ፡ ሓደ ናይ ምትሕብባር ሃገራዊ ኮሚተ ከምዝህሉ፡ በቲ ግብራዊ ስራሕ ዝመጽእ ጥምረትን ምትእምማንን ምስ ተፈጥረ ከኣ ናብ ፍጹም ውህደት ዝመጽኣሉ መንገዲ  ክፍጥር ምዃኑ እቲ ሓሳብ ኣነጺሩ።

ኣብቲ ካልኣይ መድረኽ ከኣ ብዓለም ዝተወደበ፡ ብሓደ መሪሕነት ወይ ባይቶ ዝምራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ቻርተር፡ መርሓ ጐደናን ውሽጣዊ ሕግታት ዝሰኣለ፡ ንዅሉ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ድምጺ ዝኸውን ናብ ፍጹም ውህደት ዝበቐዐ ሃገራዊ ሓይልን ትካልን ምፍጣር ምዃኑ ኣቶ ተኣምራት ኣረዲኡ።

ኣብ መንጐ እቲ ክልቲኡ መድረኻት ከኣ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልኦት ነዚ ተበግሶ ዝወሰዱን ብሕጂ ዝወስዱን ናብ ፍጹም ውህደት ቅድሚ ምብጽሖም ብኻልኦት ኤርትራውያን ዝቐርቡ ዝተፈላላዩ እማመታት ክካታዓሎምን ሓባራዊ ዘተ ከካይደሎምን ከምዝዀነ ኣብቲ ማንዛዊ ምምኽኻር ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ልፍንቲ፡ ነቲ መስርሕን ውጽኢቱን ክግምግምን ክቈጻጸርን ከምኡ'ውን ንሓደ ሓደ ዘይተፈትሑ ፈተንቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ንኣብነት፣ ብዕቤትን ምንኣስን ብምብዛሕን ምውሓድን ኣባላት ፖለቲካውን ስቪካውን ውዳበታትን ዝለዓል ከም “ጉዳይ ውክልና ኣብቲ ዝቐውም ልፍንቲ” ዝኣመሰሉ ዛዕባታት፡ ክመያየጥን ምስ ካልኦት ክመኻኸርን ምዃኑ እቲ ዝቐረበ ሓሳብ የነጽር።

ኣብ መወዳእታ እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዋዕላ ተጋባእቲ ኣብቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ርእይቶን ዘለዎ ሃናጺ ሓሳባትን ካብ ሕሉፍ ተመኵሮ ዝነቅል ስክፍታን ሻቕሎት ብምቕራብ ብሰፊሑ ዘትዮም። እቲ ተበግሶ ዝነኣድ ንግብራውነቱ ኵሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክጽዕረሉን ከሀብትሞን ብምልባው ከኣ ኣብ መንእሰያት ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበር ተማሕጺኖም።

እቶም ዋዕለኛታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ምፍጣር ቀሊል ብድሆ ከምዘይኰነን እቶም ቅድሚ ሽዑ ዝተሓልፉ መሰናኽላት ከይድገሙን ኣስተብህሎ ከምዘድሊ ሓቢሮም።