ብሰንኪ ባርዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ዝተገደደት ግዝኣት

ሰባት ዘፈናቕል ዘሎ ሓደጋ ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ካናዳ እትርከብ ግዝኣት ምዕራባዊ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ሓያል ባርዕ ሓዊ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ከየዕኑ ስግኣት ስለዘሎ ህጹጽ ኣዋጅ ግዜ ኣዊጃ።

ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ዴቪድ ኤቢ እቲ ባርዕ ኣዝዩ ቅልጡፍ ብምዃኑ ዝተልዓለ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልትታት በዳሂ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።

እቲ ኣብ ማክዱጋል ክሪክ ዝተኸሰተ ባርዕ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብ 64 ሄክታር ናብ 6 ሽሕ 8 ሚኢትን ሄክታር ከምዝሰፍሐ ተፈሊጡ።

ኣስታት 4800 ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካናዳ ዝቕመጡ ኣስታት 22 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ባርዕ ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣለው።

ነበርቲ እታ ከተማ ብነፋሪትን መኻይንን ተጠቒሞም ክወጽኡ ክወጽኡ ተራእዮም።

እቲ ኣብ ካናዳ ዘጋጥም ዘሎ ባርዕ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ዝተኸሰቱ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ይግለጽ።

“ኣብዚ ዓመት እቲ ዝሓየለ ሓደጋ ባርዕ’ዩ ገጢሙና ዘሎ” ዝበለ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት፡ “ናህሪ ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጅና ኣሎና” ኢሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ ብተወሳኺ “ሕብረተሰብ ንምርዳእ ዘለና ሜላታት ንጥቀም ኣለና” ኢሉ።

ብዙሓት ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ከምዝተገበረ ዝሓበረ ኤቢ፡ “ነበርቲ ኣገዳሲ ዘይኮነ ምንቅስቓስ ደው ንከብሉ ዘቕረብናዮ መጸዋዕታ ዘየኽብሩ እንተድኣኾይኖም ግን ኣብቲ ኣዋጅ ናይ መገሻ ገደባት ክግበር ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

ሓደ ንቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝሃበ ነባሪ ኬሎዉና፡ እቲ ባርዕ ብጎቦታት ከምዝመጽአን ልክዕ ከምዚ ደበና ተመሲሉ ምምጽኡ ገሊጹ።

ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ምዕራብ ኬሎዉና ጃሶን ብሮሉንድ ነቲ ኩነታት ኣዕናዊ ክብል ገሊጽዎ። ክሳብ ሕጂ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ የለን።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዓለም ለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ብጀካ ንምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ዘገልግላ ነፈርቲ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ደው ከምዘበለ ተፈሊጡ።