ኣብ ካናዳ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ክተክኽ ሰማያት ኣሜሪካ ሸፊኑ

ምንጪ ስእሊ, NOAA
ኣብ ካናዳ ክፍለ ግዝኣት ኣልበርታ ዘጋጠመ ሰፊሕ ባርዕ ጫካ ዝፈጠሮ ትኪ፡ ንዝበዝሐ ክፋል ካናዳን ንገለ ክፋል ኣሜሪካን ሸፊኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ትማሊ ሓሙስ ዝወጽአ መግለጺ ካብቲ ኣብ 75 ቦታታት ኣልበርታ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ እቲ 23 ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ዓመታዊ ኣብ ምጅማር ወርሒ ግንቦት ኣብቲ ከባቢ ባርዕ ጫካ ከጋጥም ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ስፍሓት ዘለዎ ባርዕ ጫካ ከጋጥም ግን እዚ ናይ መጀመርታ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ብሰንኪ እቲ ባርዕ ጫካ፡ ኣብቲ ካባቢ መጠን ሙቐት ክውስኽ ከምዝኽእልን ብሰንኩ ኣብ ካልእ ቦታታት’ውን ተወሳኺ ባርዕ ጫካ ከጋጥም ከምዝኽእል’ውን ተሓቢሩ።
ብክፍሊ ሃገራዊ ምምሕዳር ውቅያኖስን ህዋን (NOAA) ኣሜሪካ ዝወጽእ ኣሳእል ከምዘርእዮ፡ እቲ ካብ ኣልበርታ ዝተበገሰ ትኪ ንዝበዝሐ ክፋል ምብራቕ ካናዳ ብምሽፋን ንከተማታት ኵቤክን ኦንታርዮን ሓሊፉ ናብ ኣሜሪካ ከምዝበጽሐ የርኢ።
NOAA ብሓሙስ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኣብ ካናዳ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ጫካ ዘይንቡር ኣጀማምራ’ዩ ኣርእዩ ዘሎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, NOAA
ክፍሊ ሃገራዊ ምምሕዳር ውቅያኖስን ህዋን ኣሜሪካ ኣስዒቡ፡ ስእሊ ናይቲ ካብቲ ባርዕ ዝወጽእ ዘሎ ትኪ ንዝበዝሐ ክፋል ካናዳ ክሽፍን እንከሎ፡ ትማሊ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣሜሪካን ናብ ዞባ ኣትላንቲክን በጺሑ ኣሎ ብምባል ሸፈነ ናይቲ ትኪ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ዋሺንግተን ዲሲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን እቲ ካበቢ ብሰንኪ እቲ ካብ ካናዳ ዝመጽአ ትኪ ሰማያቱ ኣሮናሻዊ ሕብሪ ሒዚ ከምዝውዓለ ሓቢሩ።
ካናዳ፡ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ኣብ ምርብራብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ዝሕግዙ ልዕሊ 300 ወተሃደራት ኣዋፊራ’ላ።
ኣብቲ ባርዕ ኣጋጢምሉ ዘሎ ከባቢ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ብድምር ልዕሊ 6000 ተመሃሮ ዝነበርወን 28 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ከምዘለዋ ሰብ መዚ ካናዳ ሓቢሮም።
ሚኒስተር ምክልኻል ሓደጋ ክፍለ ግዝኣት ኣልበርታ ማይክ ኢሉስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “እዚ ዘሎ ኵነታት ንነበርቲ ኣልበርታ ኣብ ጭንቀት ሸሚሙ ኣሎ” ኢሉ።
ምዕራብ ካናዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንልዕሊ 410 ሽሕ ሄክታር ዘባደመ ልዕሊ 427 ባርዕ ጫካ ኣጋጢምዎ፡ እዚ ኸኣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብዕጽፊ ዝዓቢ’ዩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

