ሮበርት ሂዩዝ: ኣውስትራልያዊ ተዋሳእን ፆታዊ በደል ዘብፀሐን ናብ ብሪጣንያ ክስጐጕ እዩ

Published

ኣውስትራልያዊ ተዋሳኢ ሲትኮም ሮበርት ሂዩዝ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ብዘብፀሖ ፀታዊ ማህሰይቲ ተፈሪድዎ ድሕሪ ምፅንሑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ናብ ብሪጣንያ ክስጐግ እዩ።

ህዩዝ ኣብቲ ኣብ ቲቪ ኣውስትራልያ 'ሄይ ዳድ' ኣብ ዝብል ልዕሊ 20 ሃገራት እተራእየ ናይ መደብ ቴሌቪዥን ብዝነበሮ መሪሕ ግደ እዩ ዝና ዝረኸበ። ብ2014 ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ብዝፈፀሞ ፀታዊ ገበን ቈልዑ ገበነኛ ዀይኑ ተፈሪድዎ። እቲ ወዲ 73 ዓመት ዝኾነ ህዩዝ፡ ሓሙስ ብሰበ ስልጣን ኣውስትራልያ ናጻ ኾይኑ እዩ። ናይ ኣውስትራልያ ዜግነት ስለ ዝተሓደገ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ምስ ሰበይቱ ናብ ዝነብረሉ ብሪጣንያ ኪስጐጕ እዩ። ህዩዝ ናፃ ንኽኸውን ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ብቑዕ እንተነበረውን ስግኣት ማሕበረሰብ ክኸውን ስለዝኽእል ኽልተ ሳዕ ናፃ ከይከውን ተኸልኪሉ ኢዩ።

ንሱን ስድራ ቤቱን ነቲ ዝፈፀሞ ገበን እንተነፀግዎ እውን ካብ'ቲ ናፃ ንኽወፅእ ዘቕረቦ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣትሒዙ ምስ ተፈትሐ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና ክግበረሉ ከም ዝፅዕርን ምስ ቈልዑ ብዘይ ቍፅፅር ከምዘይራኸብን ቃል እትዮም እዮም። እቶም ናፃ ከምዝወፅእን ከምዝስጐግን ዝተነግሮም ሰበ ስልጣን ብሪጣንያ ክትትል ከምዝግበረሉ ኣረጋጊፆም ኣለዉ። እዚ ዀነ እቲ ህዩዝ ካብ ናይ ምጕዳእ ኣጋጣሚ ዝተሓተ ምዃኑ ዝገልጽ ስነ ኣእምሮኣዊ ገምጋም ነቶም ሰበ ስልጣን ንምዕጋብ እኹል እዩ ነይሩ ።

እስካብ ሰነ 14 ከምዝፍታሕ ድማ ትፅቢት ይግበር። 'ሃዳናይ ጠባይ'

ቤት ፍርዲ ብ2014 ህዩዝ ን20 ዓመት ዝፀንሐ ፆታዊ ርኽሰት ከምዝፈፀመ ዝሕብር መርትዖ ምስሰምዐ ኣብ ልዕሊ እተን ካብ ሸውዓተ ኽሳዕ 15 ዝዕድመአን 10 ኣዋልድ ብፆታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ገበነኛ ዀይኑ ተፈሪድዎ። ፒተር ዛህራ ዝበሃል ዳኛ ንቲ ብይን ክፈርድ ከሎ ነቲ ዝነበሮ መትከል ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ገርህነትን መንእሰይነትን ቈልዑ ይምዝምዞ ኸም ዝነበረ ገሊፁ ነይሩ፤ 'ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ንኣሽቱ ኣዋልድ ብመይላ ፆታዊ ማህሰይቲ ይፍፅም ነይሩ።' ''ባህሪኡ ሃዳናይ ጠባይ እዩ ዘርእይ ነይሩ'' ይብል።

ዴቪድ ፍሪርሰን ዝተባህለ ዳኛ ናፃ ምዃኑ እቶም ግዳያት ንምቕባል ከምዝኸብዶም ይገልፅ።

"እቲ ኣብቶም ግዳያት ዝወርድ ዓሚቝን ጐዳኢን ሳዕቤን ንፁር ኢዩ።... ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝቕፅል ምናልባት እውን ኣብ መላእ ህይወቶም ሳዕቤን ዝህልዎ እዩ̃" ይብል።

ኣስዕብ ኣቢሉ እውን "ብዙሓት መሰኻኽር ዘእምንን ማእለያ ዘይብሉን መርትዖ እናሃለወ፡ እቲ በዳሊ ብቐፃልን ብድርቅና ክኽሕዶ ኸሎ ምርኣይ ብፍላይ ነቶም ግዳያት ኣዝዩ ዘጕሂ እዩ።" ‘ሄይ ዳድ!’ ኣብ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ህቡብ ዝነበረን ክሳዕ 1994 ድማ ንሸሞንተ ወቕቲ ዝተራእየን እዩ።