ዳያኑ ኣብ ጉዳይ ጸለመ፡ ምስ ዴፕ ወጊኖም

Published

ዳያኑ ኣመሪካ፡ ኣምበር ሀርድ ንበዓል ቤታ ዝነበረ ጆኒ ዴፕ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ በጺሑኒ’ዩ ኣብ ዝብል ጽሑፍ ሽም ኣጥፊኣ’ያ ክብሉ ፈሪዶም።

እቶም ዳያኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሀርድ ግህሰት ኣይፈጸምኩን ንዝብል ዴፕ፡ 15 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃቦ ወሲኖም።

ጓል 36 ዓመት ኣምበር ሀርድ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ወዲ 58 ዓመት ዴፕ ዘቕረበቶም ሰለስተ ክስታት በቲ ሓደ ክትረትዕ እንከላ፡ በርድ ብጠበቓ ዴፕ ሽማ ብምጥፍኡ ካሕሳ ክልተ ሚሊዮን ዶላር ተወሲኑላ።

እዞም ከዋኽብቲ ሆሊውድ ብ2017 ዝተፋትሑ ኰይኖም፡ ኣብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝነበሩ ክትዓት ብዛዕባ ርክቦም ኣዝዮም ዝጋራጨው ሓበሬታታት’ዮም ክህቡ ጸኒሖም።

ኣብ ቨርጂንያ ግዝኣት ፌየርፋክስ ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙናት ክትዕ ክልቲኦም ውልቀሰባትን ዝርዝር እቲ ኣዝዩ ዘፍርሕን መወዳእትኡ ዘይጸበቐን ሓዳር ሀርድ ክሰምዕ ቀንዩ።

ብዙሓት ኣመሪካውያን ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኲናት ዬክረይን ወይ እቲ ኣብታ ሃገር ሓያል ክትዕ ዘልዓለ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ውሳነ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበር ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ፡ ናብዚ ናይ ሕጊ ድራማ ትኹረት ገይሮም ከም ዝቐነዩ ይግለጽ።

መጋብኣያ ናይዞም ውልቀሰባት ብቴሌቪዥን ብቐጥታ ክመሓላለፍ እንከሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቢሊዮናት ተኸታቲሎምዎ።

ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ምይይጥ፡ ዳያኑ ትማሊ፡ ኣምበር ሀርድ ንሓዳራ ዝምልከት ዘቕረበቶም ጉዳያት “ሓሶት” ከምኡ’ውን “ተንኰል” ዝተመልኦም’ዮም ብምባል ፈሪዶም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 2020 ጠበቕኣ ንማዕከን ዜና ዴይሊ ሜይል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊኣ ግህሰት ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ርእይቶታት ብምሃቡ ሽም ዴፕ ኣጥፊኣ’ያ ኢሎም።

እዚ ሸውዓተ ዳያኑ ዝተሰየምሉ መጋብኣያ ውሳነ ከስምዕ እንከሎ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ፍርዲ “ጆኒ . . . ጆኒ . . . ጆኒ . . .” ዝብሉ ድምጽታት ደገፍ ይስምዑ ነይሮም።

ወሃቢ ቃል ዴፕ፡ “ብምኽንያት ኣቐዲሙ መደብ ዝሓዘሉ ስራሕ” ዴፕ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝወሃበሉ መዓልቲ ክርከብ ከም ዘይክኣለ ገሊጹ።

ዴፕ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “እቲ ፍርዲ ህይወተይ ዳግም መሊሱ ሂቡኒ። ብሓቂ ክብሪ ተሰሚዑኒ” ክብል እንከሎ ወሲኹ ብቋንቋ ላቲን “ሓቂ ፈጺማ ኣይትጠፍእን” ኢሉ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ “እቲ ሓቂ ንክወጽእ ዝገበርኩዎ ጻዕሪ ካልኦት፡ ንርእሶም ኣብ ከም ናተይ ዝበለ ኩነታት ዝረኸብዎ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቂ ኣንስትዮን ብእኦም ተስፋ ዘይቘረጹ ደገፍቶምን ክሕግዝ’ዩ ኢለ ተስፋ ይገብር” ይብል።

ዳኛ ቤት ፍርዲ ፈየርፋክስ ፔኒ ኣዝካራቴ፡ እቲ ንዲፕ ዝወሃብ ናይ መቕጻዕቲ ካሕሳ ናብ 350 ሽሕ ዶላር ክወርድ ገይራ፤ ብጠቕላላ 10.4 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ተፈሪዱሉ ኣሎ።

ሀርድ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንዘቕረበቶም መርትዖታት ከም ዘይዘተቐበለ ብምግላጽ “ልበይ ተሰይሩ’ዩ” ክትብል ጠቒሳ።

“በዚ ጉዳይ ሓዚነ’የ፤ ግን ከም ኣመሪካዊት ብናጻነትን ግልጽን ንክዛረብ መሰለይ ምስኣነይ’ዩ ዚያዳ ዘሕዝነኒ። እዚ ውሳነ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብዝህልዎ ትርጉም’ውን ዚያዳ ሓሪቐ። እዚ፡ እትዛረብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኣደባባይ ናብ እትሓንከሉን እትዋረደሉን ግዜ ዝመለሰ’ዩ” ኢላ።

ወሃቢት ቃል ሀርድ፡ ይግባይ ክትብል መደብ ከም ዘለዋ ሓቢራ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ጋዜጣ ዘ-ሰን ጆኒ ዴፕ “ንበዓልቲ ቤቱ ዝሃርም’ዩ” ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ይኹን’ምበር፡ ጆኒ ነታ በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ሽመይ ኣናኢሳ ክብል ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ከሲሱዋ።

ዴፕ ብምጥፋእ ስም ድማ 50 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ሓሲቱ ከሲሱዋ።

አምበር፡ ዋላ’ውን “ዘቤታዊ ዓመጽ እትውክል ህብብቲ ጓል ኣንስተይቲ” ኣብ ዝብል መጽሓፋ ሽም ጆኒ ዴፕ እንተዘይጠቐሰት’ውን ዴፕ ግን እቲ ጽሑፍ ንስርሐይ ማሕለኻ ኰይኑ’ዩ ይብል።

አምበር ሀርድ እቲ ክሲ ምስ በጽሓ ብግድኣ ካሕሳ 100 ሚሊዮን ዶላር ሓቲታ።

ክልቲኦም፡ ‘ዘ ታም ዳየሪ’ ኣብ ዝብል ፊልም ክሰርሑ እንከለው’ዮም ተራኺቦም። ብ2011 ፍቕራዊ ርክብ ጀሚሮም ብ2015 ድማ ሓዳር መስሪቶም ነይሮም።