ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰባት ተቐቲሎም

ተቓውሞ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, MINBER TV/FB

Published

ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ሓቢሩ።

ሓያለ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ኣብቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ከምዝቖሰሉ ሎሚ ኣማሲኡ ዝወጸ መግለጺ ፖሊስ ይጠቅስ።

እቲ ብኣመንቲ እስልምና ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ "ሸገር" ዝተባህለ ከባቢ ዝግበር ዘሎ መሳጊድ ናይ ምፍራስ ተግባር ደው ክብል ዝጽውዕ'ዩ ነይሩ።

ሎሚ ምሸት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መሳጊድ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ጸሎት (ሰላት) ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ከምዝተኻየደ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ገለ ኣመንቲ መንግስቲ ነቲ ይካየድ ኣሎ ዝበልዎ ናይ ምፍራስ ተግባራት ደው ከብሎ ኣብ ዝጽውዕሉ ዝነበሩ እዋን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተጋጭዮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ መርካቶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀንዲ ዕዳጋ ናይታ ከተማ ዓቢ ወጥሪ ሰፊኑ ምንባሩ እቶም ነበርቲ ኣረጋጊጾም።

ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ከባቢ መርካቶ ብዝተፈጥረ "ናዕብን ዕግርግርን ህይወት ክልተ ሰባት" ምሕላፉ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ'ውን ፈኲስን ከቢድን ጉድኣት ከምዝወረደ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እቶም ክልተ ግዳያት፡ ኣብ ከባቢ ጋዝ ተራ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ምስተወስዱ ከምዝሞቱ ፖሊስ ኣፍሊጡ'ሎ።

ነቲ ተቓውሞ ኣብ ምውዳብን ምምራሕን ኢድ ነይሩዎም ዝተባህሉ 114 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ናዕቢ " 35 ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ኣባላት ፖሊስን ካልኦት 15 ኣባላት ጸጥታን ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ወሪድዎም" ይብል እቲ መግለጺ።

ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት'ውን ዕንወት ወሪዱ'ሎ።

"እቲ ናዕቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ፡ እቲ ከባቢ ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሳቱ ከምዝተመለሰ" ዝሓበረ ፖሊስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተጋነነ ሓበሬታ ምዝርግሑ ነቒፉ።

ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ኣብታ ከተማ ዝነበረ ምንቅስቓስ ፈለማ ዛሕቲሉ ከምዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ብክልል ኦሮሚያ ዝመሓደር ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ ከባቢታት ሸገር፡ ዛጊት ኣስታት ሸውዓት መሳጊድ ከምዝፈረሰ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ቤትምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሼኽ ኢብራሂም ቱፋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ካብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣትሒዙ፡ መሳጊድ ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ተሰሪሖም ዝተባህሉ ህንጻታት ከምዝፈረሱ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንመግስቲ ንምጥራዕ ተቓውሞታት ክካየድ ዝጽውዕ ጎስጓሳት ክካየድ ቀንዩ ነይሩ።

"ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ይኹን እቲ ሃይማኖታዊ ትካል ዝተፈጥረ ጸገም ኣብዘየለሉ፡ ኣብ ካልኦት ቦታታት መስጊድ ፈሪሱ'ሎ ብዝብል ምኽንያት ዘይሕጋዊ ሰልፊ ምግባር ናዕብን ዕግርግርን ብምልዕዓል ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ'ሎ" ክብል ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።