እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማልያ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ሰብመዚ መንግስቲ ዘዕርፉሉ ኣገዳሲ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብወሕዱ 14 ክቐተሉ እንከለዉ፡ ሓያለ ካልኦት ቆሲሎም።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ምስቶም ኣብቲ ሆቴል ዓሪዶም ዝነበሩ ዕጡቓት ድሕሪ ዘካየድዎ ልዕሊ 20 ሰዓታት ዝወሰደ ረጽሚ ነቲ ሆቴል ክቆጻጸርዎ ኪኢሎም ኣለዉ።
ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሎም ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም ኣለዉ።
እቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ፡ ሸሞንተ ሲቪላውያን ሓደ ወተሃደርን፡ ከምኡ'ውን ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣልሸባብን ምዃኖም ኣፈኛ ፖሊስ ሳዲክ ዶዲሸ ኣረጋጊጹ።
ሓይልታት ጸጥታ 60 ሰባት ቅድሚ'ቲ ፍጥጥ ምውድኡ ካብቲ ሆቴል ከውጽኡ ከምዝኸኣሉ ሓቢሮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብሰራዊት ኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዕጡቓት ተኸታታሊ ስርሒታት ብምክያድ ሰፊሕ ቦታታት ከምዝተቖጻጸሩ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን፡ ኣል-ሸባብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ብምውሳድ'ዩ ግብረመልሲ ክህብ ጸኒሑ።
ኣብ ሆቴል ቪላ ሮዝ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሚኒስተር ሓለዋ ከባቢ እታ ሃገር ኣደም ኣው ሃርሲ ካብቲ መጥቃዕቲ ብሂወት ከም ዝተረፈ ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ፀጥታ ሶማልያ መሓመድ ኣሕመድ’ውን በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከም ዝቘሰለ ዝገልፁ ዘይተረጋገፁ ጸብጻባት ኣለዉ።
ሚሊሻታት እቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ንሆቴል ቪላ ሮዝ ከም ዝተቘጻጸርዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እዚ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ ዘሎ ሆቴል ቪላ ሮዝ፡ ካብ ፕረዝደንታዊ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ እዩ።
ሰብመዚ ፖሊስ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ቍጽሮም ብንፁር ዘይፍለጥ ተፈንጃርን ብረትን ዝተዓጠቝ ኣጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፉ ሓቢሮም።
ሓደ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ “ከቢድ ነትጕ፡ ፀኒሑ ድማ ጽዑቕ ልውውጥ ተዅሲ ከም ዝሰምዐ” ገሊፁ። ኣብ ጥቓ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ዝነብር ኣሕመድ ዓብዱላሂ፡ “ኣብ ውሽጢ ገዛና ኢና ዘለና፡ ተዅሲ ንሰምዕ ኣለና” ኢሉ።
ካብ ሰብመዚ ፖሊስ ሶማልያ ዝዀነ መሓመድ ዓብዲ፡ ብመሳዅቲ እቲ ሆቴል ብምህዳም ካብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝደሓኑ ንሮይተርስ ገሊፁ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ እዚ እስላማዊ ጕጅለ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ካልእ ስሙይ ሆቴል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣንጻር እቶም እስላማዊ ሚሊሻታት “ምሉእ ኵናት” ከም ዝኸፍት ተሓንዩ ነይሩ።
በቲ መጥቃዕቲ 20 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ዕሙር መገዲ ኣብ ልዕሊ ክልተ መኻይን ብዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጕ፡ ብውሑዱ 100 ሰባት ተቐቲሎም። ኣልሸባብ ድማ ነዚ መጥቃዕቲ’ውን ከም ዝፈፀመ ሓላፍነት ወሲዱ።
ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣልሸባብ ዝርከቡ ብዙሓት ከባቢታት ሓራ ንምውጻእ፡ ንሰራዊት ሶማልያን ብመንግስቲ ዝድገፉ ሚሊሻታት እንዳታትን ክኸቱ ገይሩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድሪው ሃርዲንግ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስቲ ብኣሜሪካ ዝምወልን ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቃለስን “በርቂ” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ብርጌድ ጻንሒት ገይሩ ነይሩ።
እዚ እስላማዊ ጕጅለ፡ ንመንግስቲ ሶማልያ ብምዕላው፡ ጥቡቕ እስላማዊ ትርጕም መሰረት ዝገበረ መንግስቲ ክተክል እዩ ዝሕልን።