ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ፡ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ወግዓዊ ገይሩ። ኣብ ግንበት ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ገዛኢ ውድቡ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ) ኣብ ባይቶ ዓብላሊ ድምጺ ድሕሪ ምስኣኑ እዩ፡ እቲ ፕረዚደንት ልፍንታዊ መንግስቲ ወግዓዊ ክገብር ተገዲዱ ዘሎ።
ራማፎሳ፡ ነዚ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ “ኣብ ታሪኽ ዲሞክራሲና ተራእዩ ዘይፈልጥን፡ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነትን” ክብል ገሊጽዎ።
ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ)፡ ካብ 32 ሓላፍነታት ካቢኔ ነቶም 20 ዝሕዝ ክኸውን እንከሎ፡ ቀንዲ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ዲሞክራቲክ ኪዳን (DA) ድማ፡ ሽድሽተ ሓላፍነታት ክሕዝ እዩ። ካልኦት ዝተረፉ ሓላፍነታት ከኣ ካልኦት ንኣሽቱ ውድባት ክመቓርሕዎ እዮም።
ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ኤኤንሲ)፡ ኣብ ባይቶ ዝነበሮ ዓብላሊ ድምጺ ክስእን፡ ድሕሪ 30 ዓመታት እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ኣብ ኣወሃህባ መሰረታዊ ኣገልግሎት፡ ምምካት ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድኽነትን ብልሽውናን ብዘርኣዮ ድኹም ብቕዓት ዝሓረቐ ህዝቢ፡ ነቲ ገዛኢ ውድብ ብድምጹ ቀጺዕዎ።
ኣብዚ ሓድሽ ካቢኔ፡ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ከም ምክልኻል፡ ፋይናንስን ጉዳያት ወጻኢን ዝበሉ ቀንዲ ሚኒስትሪታት ክሕዝ እዩ።
ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ድማ፡ ውሽጣዊ ጉዳያትን ፓብሊክ ዎርክስን ዝኣመስለሉ ትካላት ዝመርሕ ኰይኑ፡ መራሒኡ ጆን ስቲንሂዩሰን ድማ ሚኒስትሪ ሕርሻ ከመሓድር እዩ።
ፕረዚደንት ራማፎሳ ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ፡ ቅልጡፍ፡ ኣሳታፍን ዘላቕን ቍጠባዊ ዕብየትን፣ ምፍጣር ማዕርነታዊ ሕብረተሰብን ቀዳምነቱ እዩ፡” ኢሉ።
ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ፡ ነቲ ውጽኢት ከም ሓደ “ጽኑዕነት ዲሞክራሲናን ዝፍተነሉ” ኣገዳሲ ስጕምቲ ንቕድሚትን እዩ ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ በዳሂ ኰይኑ ምቕራቡን "ኣብ ሃገራዊ መንግስቲ ቦታና ከነረጋግጽ ምኽኣልና ዓቢይ ሓበን እዩ" ክብል ንዝረኸቦ ዓወት ገሊጹ።
ኣተሓሒዙ፡ “ጽቡቕ ምሕደራ፡ ዜሮ ተጻዋርነት ንብልሽውናን ግብራዊ ፖሊሲታትን” ከተግብር ቃል ኣትዩ።
ኣብ መንጐ ሰልፊታት ሃገራዊ ኮንግረስን ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ስምምዕ ልፍንታዊ መንግስቲ’ኳ እንተተበጽሐ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ግን ገና ዘይተዓረቐ እዩ።
እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዘሎ ምትፍናን ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ሃገራዊ ክንክን ጥዕናን፡ ፕሮግራም ቍጠባዊ ደገፍን እቶም ጕሉሓት ምዃኖም ይንገር።
ኣብዚ ኣብ ግንቦት ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሃገራዊ ኮንግረስ 40 ሚእታዊት፡ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ድማ 22 ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸቡ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
