‘መዓልቲ ኣቦታት’፡ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?

Published

መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም፡ ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሰነ ይኽበር።

በዚ ከኣ ሎምዘበን ጽባሕ ሰንበት 19 ሰነ ክበዓል እዩ።

ንኣቦታትን ኣባታዊ ናብዮት ዝህቡን ወይ ኣቦሓጎታት ዝኽበሩሉ መዓልቲ እዩ።

ምኽባር እቲ ዕለት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?

መዓልቲ ኣደታት ንኣማኢት ዓመታት ክኽበር እኳ እንተጸንሐ፡ መዓልቲ ኣቦታት ግና ክንድኡ ታሪኽ ዘለዎ ኣይኮነን።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከምዝጀመረ ክግመት እንከሎ፡ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዝጸውዩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ኣለው።

እቲ ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ግና እቲ ብሓንቲ ሶኖራ ሎዊስ ስማርት ዝተባሃለት ሰበይቲ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝተጀመረ ዝገልጽ እዩ።

ኣዲኣ ሻድሻይ ቆልዓ ክትሓርስ እንከላ ምስ ሞተት፡ ምሉእ ሓላፍነት እታ ስድራ ኣብ ኣቦኣ እዩ ወሪዱ።

ኣብ 1909 ሳኖራ ኣብ ቤተክርስትያን ንመዓልቲ ኣደታት ብዝምልከት ሓደ ስብከት ድሕሪ ምስምዓ ኣቦታት’ውን ክኽበሩ ከምዝግባእ ሓሰበት።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ብዙሓት ካህናት ነቲ ሓሳብ ምስተቐበልዎ ከኣ ብ 19 ሰነ 1910 ፈላሚ ዘይወግዓዊ መዓልቲ ኣቦታት ከምእተኸበረ ይግመት።

ኣብ 1966፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሊነደን ቢ ጆንሰን ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሰነ መዓልቲ ኣቦታት ክትከውን ወሲኑ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ከኣ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ኣብ ሕጊ ክሰፍር ክታሙ ኣንቢሩሉ።

ኣብ ዙርያ ዓለም ብኸመይ’ዩ ዝኽበር?

ታይላንድ

ኣብ ታይላንድ መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ዕለተ ልደት ናይቲ ብልዑል ኣድናቖት ዝዝከርን ኣቦ እታ ሃገር ተባሂሉ ዝጥቀስን ንጉስ ብሁሚቦል ኣዱልያደጅ፡ ብ 5 ታሕሳስ እዩ ዝኽበር።

ባህላዊ ክዳን እታ ሃገር ሕብሩ ብጫ ኮይኑ፡ በቲ ዕለት ብዙሓት ብጫ ዝሕብሩ ክዳውንቲ ይኽደኑ።

ንኣቦታትን ኣቦሓጎታትን ዕምባባ መቃ ምሃብ ልሙድ እኳ እንተነበረ ሕጂ ግና ብዙሕ ዝዝውተር ኣይኮነን።

ጀርመን

ኣብ ጀርመን ኣቦታት ኣብ ክንዲ ምስ ደቆም ግዜ ዘጥፍኡ፡ ብጉጅለታት ብምዃን መግብን መስተን ዝመልአ ዓረብያ እናጎተቱ ጉዕዞ እግሪ ይኸዱ።

ሜክሲኮ

ኣብ ሜክሲኮ መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ወርሒ ሰነ እዩ ዝበዓል።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ከተማ ሜክሲኮ 13 ማይል ዝርሕቐቱ ‘ቅድድም መዓልቲ ኣቦታት’ (ካሬራ ዲያ ደል ፓድረ) ይካየድ።

ቆልዑ’ውን ምስ ኣቦታቶም ብምዃን ክሳተፉ ይኽእሉ።

ፈረንሳ

ኣብ ፈረንሳ መዓልቲ ኣቦታት ‘ፌተ ደስ ፐረስ’ ብዝብል እዩ ዝፍለጥ። መሰረቱ ናይ ካቶሊክ ጽምብል እኳ እንተነበረ ኣብ 1900ታት ንንግዳዊ ምኽንያታት ካልእ መልክዕ ሒዙ።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ዕለት ዕምባባተት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ህያባት ይወሃብ።

ኣብ ፈረንሳ ኣቦ ብህይወት እንተሎ ቀይሕ ጽገሬዳ ምሃብ ልሙድ እዩ። እንተሞይቱ ግና ኣብ መቓብሩ ጻዕዳ ጽገሬዳ ይግበር።