ፕረዚደንት ፓኪስታን ነበር ፐርቨዝ ሙሻራፍ ኣብ 79 ዓመቱ ዓሪፉ

ፕረዚደንት ፓኪስታን ነበር ፐርቬዝ ሙሻራፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዚደንት ፓኪስታን ነበር ፐርቨዝ ሙሻራፍ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድመኡ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ።

ሙሻራፍ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ - ዱባይ ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ዓሪፉ።

ምሉእ ማዕርግ ጀነራልነት ዝነበሮ ሙሻራፍ፡ ኣብ 1999 [ኣ. ኣ] ምፍሳስ ደም ብዘየኸተለ ዕልዋ መንግስቲ በትረ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ነታ ሃገር ንኣስታት 10 ዓመታት መሪሕዋ።

ጀነራል ሙሻራፍ፡ ብወተሃደራት ፓኪስታን ተቐባልነት ዝነበሮ፡ ብወተሃደራዊ ኣከዳድናኡ ዝልለ፡ ጥንቍቕን ንቝሕን ወተሃደራዊ መራሒ ምንባሩ ይንገረሉ።

ኣንጻር ኣኽረርቲ እስላማዊ ጕጅለ ዘቕንዐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣሜሪካ ኣብ ምትግባር ብምትሕብባሩ ግን ደቂ ሃገሩ ብሕማቕ ዓይኒ ክጥምትዎ ገይርዎ’ዩ።

ሙሻራፍ፡ ኣመና ዝውቱር ብዘይኮነን ንክፋላት ሰብነት ብዝጥቅዕ ኣሚሎይዶሲስ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሕማም ክሳቐ ምጽንሑ፤ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዓራት ደቂሱ ከምዝነበረን ብዊልቸር ይንቀሳቐስ ከምዝነበረን ድማ ተሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፓኪስታን ብመገዲ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ንሙሻራፍ ኣላህ ምሕረት የውርደሉ፤ ንስድራኡ ድማ ምጽንናዕ ንምነየሉ” ኢሉ።

ሙሻራፍ ኣባል ኮማንዶ ዝነበረ ኰይኑ ዕውት ክበሃል ዝኽእል ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሙ ንሃገሩ ፓኪስታን ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ዝመርሐ ፖለቲከኛ’ዩ ነይሩ።

ፓኪስታን፡ ካብ ህንዲ ብ1947 ምስተፈለየት ብርክት ዝበለ ዕልዋ መንግስቲ ኣአንጊዳ እያ፤ ሙሻራፍ ዝዓለወ መንግስቲ ናዋዝ ሸሪፍ’ዩ ነይሩ።

ኒኩሌር ንዝተዓጠቐት ፓኪስታን ኣብ ጽንኩር እዋን ዝመርሐ ሙሻራፍ፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ምስ ህንዲ ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ኣትዩ ከምዝነበረ ይዝረበሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ክሲ ተመስሪትዎ ኣብ 2008 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝተገደደ መራሒ ኰይኑ፡ ሃገሩ ፓኪስታን ብኣሸበርቲ ትናውጽ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ዝተፈተነን ካብ ብዙሓት ፈተነ ቅትለታት ንስክላ ዘምለጠን መራሒ’ዩ ነይሩ።

ብሙሻራፍ ዝምራሕ ዝነበረ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ካብ 2010 ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ሃገራዊ መረጻታት ይሳተፍ’ኳ እንተነበረ ኣይሰመረሉን።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዜና ዕረፍቱ ዝተነግረ መራሒ ፓኪስታን ነበር፡ ኣብ 2019 ንሱ ኣብ ዘይተረኸበሉ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንሉ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ግን እቲ ፍርዲ ተሰሪዙ።

ሙሻራፍ፡ ደሓር ድማ ብኽሕደት ሃገር ክሲ ምስተመስርቶ ኣብ ሕብረት ኢማራት ዓረብ ተሰዲዱ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድመኡ ኣብኡ ዓሪፉ።