ኣመሪካ፡ ነቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተሰጐገ ወተሃደራ ተቐቢላ ኣሲራቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሓምለ ካብ ደቡብ ኮርያ ናብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሙ ዝነበረ ወተሃደር ኣመሪካ፡ ብሰብ መዚ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ምብራሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሃገሩ ከምዝኣተወ ሰብመዚ ገሊጾም።
ትራቪስ ኪንግ ቅድሚ ናብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ምግዓዙ፡ ኣብ ቻይና ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ተወሲዱ ነይሩ።
እቲ ወዲ 23 ዓመት ኣባላ ኣሃዱ ድህሰሳ፡ ኣብ ሓምለ ብዘይሕጋዊ ዶብ ሰሜን ኮርያ ኣቋሪጹ ኣትዩ።
ክልቲአን ሃገራት ንኣዋርሕ ድሕሪ ዘካየዳኦ “ጽዑቕ ድፕሎማሲ” እቲ ወተሃደር ንኣመሪካ ተሓላሊፉ ከምዝተወሃበን ምስ ስድራኡ እውን ከምዝተዘራረበን ሓደ ኣመሪካዊ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ፡ “ፒቪቲ ኪንግ ናብ ሃገሩ ይምለስ ብምህላዉ ኣዝዩ ሕጕስ ምዃኑ ከረጋግጽ እኽእል እየ፤ ምስ ስድራቤቱ ደጊሙ ክራኸብ ተሃንጥዩ ኣሎ” ኢሉ።
እቲ ወተሃደር ቅድሚ ምስ ስድራቤቱ ምርኻቡ ሕክምናውን ኣገልግሎት ምኽርን ክረክብ ከምዝግበር ዝሓበረ እቲ በዓል መዚ፡ ኣመሪካ ነቲ ወተሃደር ንምፍታሕ ዝገበረቶ ሕድገት ከምዘየለ ተዛሪቡ።
ትራቪስ ኪንግ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ እትዋስን ቻይናዊት ከተማ ዳንዶንግ ምስ ሰብመዚ ኣመሪካ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ብናይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነፋሪት ኣብ ደቡብ ኮርያ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ማእከል ተወሲዱ።
ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣመሪካ ክምለስ ትጽቢት ከምዝግበር ወሃቢ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ማቲው ሚለር ተዛሪቡ ነይሩ።
ረቡዕ ንግሆ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፡ ዝርዝር ከይሃበት እታ ሃገር ንወተሃደር ኪንግ ክትሰጐ ከምዝወሰነት ገሊጻ።
ኪንግ ካብ ጥሪ 2021 ጀሚሩ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ዘገልገለ ኰይኑ፡ ብመስርሕ ምቕያር ቦታ ስራሕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ነይሩ።
ቅድሚ ናብ ሰሜን ኮርያ ምህዳሙ፡ ንክልተ ሰባት ተጻቢኡን ንመኪና ፖሊስ ወቒዑን ተባሂሉ ንክልተ ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ተኣሲሩ ነይሩ።
ምስ መቕጻዕቲ ስነ ምግባር ተተሓሒዙ ናብ ኣመሪካ ክምለስ ምድላው ኣብ ዝግበረሉ ድማ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጠፊኡ ናብቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዝርከብ ከቢድ ሓለዋ ዝግበረሉ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ዝዀነ ዞባ ይጓዓዙ ናብ ዝነበሩ ሰባት ተሓዊሱ ከይዱ። ኣብ እዋን እቲ ዑደት ድማ ናብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሙ ኣትዩ።
እቲ ወተሃደር ቅድሚ ክውሰዶ ዝኽእል ስነምግባራዊ ወይ ምምሕዳራዊ መቕጻዕቲ፡ ኣብ ኵነታት ጥዕናኡ ትዅረት ከምዝግበር እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝሕብሮ ሰሜን ኮርያ ነቲ ወተሃደር ክተባርሮ ከምዝወሰነት ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እዮም ፈሊጦም።
ናብ ሰሜን ኮርያ ዝተጓዓዙ ሰብመዚ ሽወደን ድማ ነቲ ወተሃደር ሒዞም ናብ ዶብ ቻይና ኣምጺኦምዎ።
“ቻይና ሃናጻይ ተራ ነይርዋ ዝብል” እቲ በዓል መዚ እንተዀነ ከምዘየሸማገለት ገሊጹ።
ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብዘይምህላዉ ብልሙድ ኣብ ፒዮንግያንግ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን እዩ ንኣመሪካ ወኪሉ ዝደራደር።
ስድራ ናይቲ ወተሃደር ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንሰራዊት ኣመሪካ ዘመስገኑ ኮይኖም፤ ቅድም ክብል ግን ትራቪስ ኪንግ ኣብ ውትህድርና ዓሌታዊ መድልዎ ይበጽሖ ምንባሩ ተዛሪቦም ነይሮም።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝነበረሉ እውን ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ኣጓኒፍዎ ምንባሩ ተዛሪቦም።
ሰሜን ኮርያ ነቲ ወተሃደር ከም ዲፕሎማስያዊ መዋገዪ ክትጥመሉ ትኽእል እያ ዝብል ጥርጣረታት ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ምስ ማእሰርቲ ዜጋታት ተተሓሒዙ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ኣመሪካ ናብታ ሃገር መጺኦም ክላዘቡ ትጠልብ ነይራ። እንተዀነ ኣብዚ እዋን እዚ ኣይተርኣየን።
ሰሜን ኮርያ ነዚ ዕድል ምስ ኣመሪካ፡ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ንምክያድ ክትጥመሉ ደልያ ክትከውን ከምእትኽእል ሰብ ሞያ ይግምቱ።
ማቲው ሚለር ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ንምግባር ማዕጾኣ ክፉት ከምዝዀነ፡ ኰይኑ ግን መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ብተደጋጋሚ “ከምዝነጸጐ” ተዛሪቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
