እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ምስ ገለ ሃገራት ዘለኒ ርክብ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ክግደድ እየ' - መንግስቲ ኢትዮጵያ
መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ምስ'ቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ብዝተኣሳሰር፡ ምስተን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ዘቕርባ ዝበለን ሃገራትን ትካላትን ዘለዎ ርክብ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ።
ኣገልግሎት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ፌደራል ሎሚ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2015 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሕሪ ደጊም ልዑል ሽም ዘለዎም ገበናት ጸለመ ከምዘይጻወር ገሊጹ።
ፌደራል መንግስቲ "ሓላፍነት ዝጎደሎ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት" የቃልሑ ኣለው ዝበለን ሃገራትን ትካላትን ብስም ኣይጠቐሰን።
ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለፂ፡ ምስተን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘይተረጋገፀን ፖለቲካዊ ጠንቂ ዘለዎን ክስታት የቕርባ ኣለዋ ዝበለን መንግስታትን ትካላትን ዘለዎ ርክብ ኣብ ግምት ከእቱ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ነዚ መግለጺ ዘውጽኦ፡ እቲ ኲናት ብዝተፈላለየ ግንባራት እናተናወጸ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ከምኡ’ውን ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ኤርትራን ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠቡን ድሕነት ንጹሃት ሰባት ክሕልዉን ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣሜሪካ ሓዊሱ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ ከምዝሓተቱ ይዝከር።
ነዞም መግለጺታት ስዒቡ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ "ንኢትዮጵያ ደው ኢለ ድምጸይ ከስምዕ እየ" ብዝብል ጭርሖ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ፡ "ንዘይግቡእ ምትእትታው ምዕራባውያን ዝቃወም ኮይኑ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን እታ ሃገር ንምኽባር ኣብ ኩሉ ዓውድታት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ከምንብል ንምርግጋጽ'ዩ" ኢሎም ነይሮም።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ምስ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ብዝተኣሳሰር ኣየርላንድ፡ ኣንፃር ልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ተግባራት ትፍፅም ከምዘላ ዘመልክት ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ናብታ ሃገር ፅሒፋ ከምዝነበረት ይዝከር።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ናብ ኣየርላንዳዊ መዘንኡ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እታ ኣውሮጳዊት ሃገር ኣየርላንድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ "ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውዲት ትፍፅም ኣላ" ክብል ከሲሱ ነይሩ።
"ንህወሓት ብምድጋፍ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ መንበር ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ትገብር ኣላ" ዝብል እቲ እቲ ደብዳበ፡ "ንኢትዮጵያ ካብ ምጥቃዕ ክትቁጠብ" ይሓትት።
ሃገራዊ ቴሌቪዥንን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም መራኸቡ ብዙሓንን፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ምስ ሓደ ግብረሽበራዊ ብምውጋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ" ዝብል ጸብጻባት ይዝርግሑ ኣለዉ።
እቲ ናይ ሎሚ መግለፂ፡ ገለ ትካላት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተዋደደ ጎስጓስ ከምዝጀመሩ ከሲሱ። እንተኾነ ግን ገለ ኣካላት በቲ ጸለመ ከምዝተታለሉን ገሊኦም ድማ ነዚ ክሲ ተጠቒሞም ኢትዮጵያ ንኽትሰግድ ይፍትኑ ከምዘለዉን ይኸስስ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክሲ ብምቕራብ ንክቕየር ዘፈራርሑ ዘለዉ እንተመሲልዎም፡ ተጋግዮም እዮም" ይብል።
"ገሊኦም ንህወሓት ከድሕኑ ይሰርሑ ኣለዉ" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ክስታትን ጸለመን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከምዘይቅይሮ ይሕብር።
እቲ ቅድሚ ክልተ ወርሐ ዳግማይ ተወሊዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዝቐጽል ዘሎ ደማዊ ኲናት ደው ክብል ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን መንግስታትን ትካላትን እናጸውዑ ይርከቡ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣመሪካ ነቲ፡ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ'ያ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝኾነት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ ኲናት ንምቁራጽ ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ሙሉእ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ኣሜሪካ ንሕብረት ኣፍሪቃ ትድግፍ ከምዘላ ተዛሪባ ነይራ።
ይኹን እምበር፡ ኣብቶም ነዚ ጎንፂ ንምፍታሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ "ክንወስድ ድልዋት ኢና" ክትብል ኣጠንቂቓ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ርክባት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰኔት ብዘይ ምቁራፅ ተጻብኦ እቲ ኲናት ደው ንክብልን ንዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ተሓታትነት ንምርግጋጽን ፅልዋ ዘሕድር እማመ ከሕልፍ ከምዝደፍእ ገሊጹ’ሎ።
እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ትግራይ ብኣልማማ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ትካላትን ከምዝገለጹ ይዝከር።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣምነስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገለ ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝርከቡ ሓቢሩ ነይሩ።
መሻርኽቲ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ሽራሮ ካብ 1 ነሓሰ 2014 ክሳብ 2 መስከረም 2015 ብውሕዱ 40 ነበርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝቐተለ ወሲኹ ኣፍሊጡ’ዩ።
ኣብቲ ክልተ ዓመት ክመልእ ሒደት መዓልቲታት ዝተረፎ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ጥሜት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ዝኣመሰሉ ከምዝተፈጸሙ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠ’ውን ክዝከር እዩ።