ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማ ባህርዳር 'ብኸቢድ ብረት' ዝተሰነየ ውግእ ተኻይዱ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, BAHIRDAR COMMUNICATION
ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝዀነት ባህርዳር ሎሚ ንጉሆ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ናይ ተዂሲ ልውውጥ ከም ዝነበረ ጸብጻባት ገሊጾም።
ኣርባዕተ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኣብ ቀበሌ 14 ኣቡነ ሃራን ልደታን ዝብሃሉ ከባቢታት ከምኡ’ውን ኣብ ቀበሌ 11 ኣባይ ማዶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባብን፡ ከምኡ'ውን ቀበሌ 13 ሎሚ ንጉሆ ውግእ ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ “ካብ ንጉሆ ኣትሒዙ ውግእ ነይሩ፤ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝተኻየደ ዝመስል ድምጺ ከላሽን ነይሩ፤ ክሳብ ሰዓት 1፡30 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) እዩ ቐጺሉ፤ ጸኒሑ ግን ድምጺታት ከቢድ ብረት ይስምዑ ነይሮም” ይብል።
ኣባይ ማዶ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝጀመረ ናይ ተዂሲ ልውውጥ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ካልእ ነባሪ፡ ኣየር ጤና ኣብ ዝተባለ መንደር “ሙሉእ ለይቲ” ውግእ ነይሩ ኢሉ።
ንኣስታት ሓደ ሰዓት ብርቱዕ ውግእ ከም ዝተኻየደን፡ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ (ኣቆጻጽራ እታ ሃገር) ከም ዝሃድአን እዮም እቶም ነበርቲ ዝገልጹ። ሓሓሊፉ ግን ድምጺ ተዂሲ ይስማዕ ምንባሩ’ውን ሓቢሮም።
ትማሊ ሓሙስ፡ ውግእ ክህሉ ይኽእል’ዩ ብዝብል ጥንቃቐ ንክገብር ከም ዝተነግሮ ዝዛረብ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 (6፡00 ኣቆጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ) ድምጺ ተዂሲ ከም ዝሰምዐ ተዛሪቡ።
እቲ ውግእ፡ ሰብ ኣብ ዝነብረሎም ከባቢታት እኳ እንተተኻየደ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ዘብጽሖ ሳዕቤን እንተሎ ኣይተፈልጠን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ከተማ “ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ” የለን ይብሉ ነበርቲ።
“ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቈልዑ ክንሰዶም ንዳሎ ነይርና። ሰዓት 12፡00 ግን ተዂሲ ተሰሚዑ። እቶም ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይሰደድናዮምን፤ ንሕና’ውን ናብ ስራሕ ኣይከድናን” ይብል እቲ ሰራሕተኛ መንግስቲ።
“ኣብታ ከተማ ጽምዋ ኣሎ” ዝብል ካልእ ነባሪ፡ “እንታይ ከም ዝተፈጥረ ኣይፈለጥናን ዘለና። ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ግን የለን። ሰብ’ውን ኣብ ኣፍ-ደገ ገዝኡ ደው ኢሉ ኢኻ ትርእዮ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር ከምኡ’ውን ካብ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ በረራታት ክስርዝ ከም ዝተገደደ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ንሎሚ ዓርቢ መደብ ዝወጽኣሎም ኣስታት ሽዱሽተ በረራታት ዝተሰረዙ ኰይኖም፡ “እቲ በረራ መዓዝ ከም ዝጅምር ምፍላጥ ኣይተኽኣለን” ተባሂሉ።
እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ካብ ዝጅምር ንድሓር፡ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኣብታ ከተማ ክራጸሙ ጸኒሖም’ዮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መርመራ ጠቒሱ ኣሎ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየዱ ውግኣት ሓይሎም ተራእዮም ኣለው። ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ጎጃምን ሸዋን “ከበድቲ ውግኣት” ይካየዱ ከም ዘለው ነበርቲ ይገልጹ።
መንግስቲ እቲ ክልል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዙርያ ከተማ ባርህዳር ውግእ ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ፡ ሕብረተሰብ ነቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ “ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ” ብምድጋፍ “ሓለዋ ሰላም ክትዀኑ” ይግባእ ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
