ኣብ ከባቢ ሸራሮ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሞትን ሰፊሕ ምምዝባልን ኣስዒቡ ተባሂሉ

ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, RW

Published

ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉን ካብ ኣመሓዳሪ እቲ ከባብን ካብ ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ዝተረኸብ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ኲናት፡ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ዳግማይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻበት ይሕብሩ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ዝረኸቦ ሰነድ፡ እቲ ኲናት ከም ብሓድሽ ምስ ተወለዐ፡ ኣብ ከባቢ ሸራሮ 210 ሽሕ ነበርቲ ከምዝተመዛበሉ የረድእ።

ውግእ ይካየደሎም ኣሎ ካብ ዝበሃሉ ካልኦት ግንባራት ግን ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኻእለን።

በቲ ሰነድ መሰረት፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ 100 ሽሕ ነበረቲ፡ ካብ ከተማ ሸራሮ ድማ፡ 65 ሽሕ ነበርቲ ዝተመዛበሉ ኰይኖም፡ ኣብታ ከተማ ኣዕቝቦም ዝጸንሑ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ፡ 45 ሽሕ ሰባት ድማ ዳግማይ ተመዛቢሎም ኣለው።

ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, RW

ብሰንኪ እቲ ኲናት ብሓፈሻ፡ ካብ ርሑቕ ዝትኮስ መድፍዕን፡ ኣብቲ ከባቢ ፍርሕን ስግኣትን ዘስዐበ ኰይኑ፡ ነበርቲ ሸራሮ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ መንበሪኦም ገዲፎም ከም ዝተመዛበሉ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

ካብቶም ተመዛበልቲ፡ 15 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ዝርከብዎም፡ ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ናብ 7 ጐረባብቲ ቀበሌታት ከም ዝተፈናቐሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።

ካብቶም ተመዛበልቲ ናብ ቀበሌታት ከላውሎ (26,691)፡ ከርኒ ወለቢት (18,439)፡ ኣጽረጋ (16,806) ክግዕዙ እንከለው፡ ዝተረፉ ድማ፡ ናብ ከባቢታት ዘላዝል፡ ጉና ጉንዲ፡ ድጉብ፡ ዝባን ገደና፡ ዓዲ ሃገራይን ዓዲ ዳዕሮን ዝበሃሉ ቀበሌታት ተመዛቢሎም ክብል እቲ ሰነድ ኣስፊሩ'ሎ።  

ገለ ካብቶም ከባቢታት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ትዊተሩ፡ "ሰፊሕ ኲናት ይካየደሎም ኣሎ” ካብ ዝበሎም ኰይኖም፡ እዚ ሓድሽ ኵነታት ነቲ ከባቢ ዝበኣሰ ጸልይዎ ከም ዝኸውን ስግኣታት ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኵሎም መራኸቢታት ስለዝተቛረጹ፡ ቢቢሲ ብመገዱ ነቲ ሓበሬታ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

እቶም ተመዛበልቲ፡ መግቢ፡ መጽለልን ሕክምናዊ ረድኤትን ኣብ ዘይረኽብሉ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ፡ ሰራሕተኛ ኣህጕራዊ ትካል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ከምዝነበረን፡ እቶም ተመዛበልቲ ብበዝሒ ህጻውንቲ፡ ኣደታትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ምዃኖምን፡ ዝዀነ ዝብላዕ ከምዘይብሎምን ኣብ ፈቘዶ ዓበይቲ ኣግራብ ኣጽሊሎም ከምዝረኣየን ይሕብር።

ብዛዕባ እቲ ኵነታት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ፡ ብስልኪ ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, RW

ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት

ኲናት ይካየሎ ከምዘሎ ዝዝረበሉ ከባቢ ሸራሮ፡ ከቢድ ኣጽዋር ናብቲ ከባቢ ከምዝትኮስን ብሰንኩ ድማ ገለ ነበርቲ ግዳያት ከም ዝዀኑን እቲ ዝረኸብናዮ ሰነድ የመልክት።

በቶም ካብ ካብ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምዝትኮሱ ዝተገልጹ ከበድቲ ኣጽዋራት፡ ብውሕዱ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ሓበሬታ ግን ብነጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ከንቲባ ሸራሮ ኣቶ ምሉብርሃነ፡ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዝጸሓፎ ክታም ዝሰፈሮ ደብዳበ፡ ካብ ዕለት ነሓሰ 28 ጀሚሩ ክሳብ 2 ጳጉመ 2014 ዓ.ም፡ ሰለስተ ህጻናት ዝርክብዎም 8 ሰባት ብመድፍዕ ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።

ከምኡ'ውን ብ 2 ጳጉመ፡ 7 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 23 ከም ዝተቐትሉ እቲ ደብዳበ ይጠቅስ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ደብዳበ፡ ካብ ዕለት 29 ነሓሰ ክሳብ 2 ጳጉመ፡ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም 10 ሰባት ብሕማምን ጥሜትን ሞይቶም ይብል።

ብደብዳብ ከቢድ ብረት ድማ ብሓፈሻ 17 ሰባት ከምዝቘሰሉ እቲ ቢቢሲ ዝረኸቦ ደብዳበ የመልክት።