ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከፊታቶ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

ፕረዚደንት ኢሳያስ (ፀጋም) ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ (የማን) ብዓጀብቶምን ሰበስልጣንን ተኸቢቦም

ምንጪ ስእሊ, FITSUM AREGA/TWITTER

Published

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ኲናት ዝያዳ ከጋድዶ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወጻእን ፖሊሲ ጸጥታን ሕብረት ኣውሮጳን ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳን ጆሴፍ ቦረል "ኵሎም ወገናት ንዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ፍታሕ ንጐድኒ ገዲፎም ናብ ጻዕርታት ሰላም ክምለሱ ሕብረት ኣውሮጳ ደጊሙ ጻውዒቱ የቕርብ" ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ብወተሃደራት ኤርትራ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፈቶምን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳወቡ ከባቢታት ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደን ሓቢሮም ነይሮም።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ ኣብ ኵሉ ግንባራት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ዝሓበረ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን እውን ኢድ ከምዘለዎም ምኽሳሱ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ብዝምልከት ዛጊት ብወግዒ ዝበሎ ነገር የለን።

ኤርትራ እንታይ ትብል?

ኣፈኛታት ሕብረት ኣውሮጳ “ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ" ኣመልኪቶም ብረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኤርትራ “ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ተታዓናቕፍ ኣላ" ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ኣብ ቤልጂየም ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ግብረ መልሲ ሂቡ።

በዚ መሰረት፡ “ጭቡጥ መሰረት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብፍላጥን ብሕቡእ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ንመሰረታዊ መንቀልታትን ኩነታትን ኲናት ኢትዮጵያ ዕሽሽ ዝብል እዩ” ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ሎ።

ህወሓት ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዓብላሊ ኰይኑ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ፖሊሲታቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጓናጺ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ዘጠቓለለ ምንባሩ እቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብራስለስ ዝተዘርግሐ መግለጺ የመልክት።

ብ24 ነሓሰ 2022 ዝተወለዐ ዳግማይ ኲናት “ብህወሓት ዝተጀመረ ሳልሳይ ዙር መጥቃዕቲ” ከምዝዀነ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ገለ ሓይልታት ገበነኛነት ህወሓት ኣቃሊሎም፡ ከም “ግዳይ” ገይሮም የቕርብዎ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ "ሃመር ንወተሃደራዊ ድልየታት ሓይልታት ትግራይ ጋህዲ ብዘይምግባሩ" ከሲስዎ ኣሎ።

ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምጉህሃር ንኤርትራ ይኸስዋ።

ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሃገሩ ኣብ ትግራይ "ፍሉይ ድልየት የብላን" ዝበለ ኰይኑ፡ ንህወሓት ግን "ኣንጻር ኤርትራ ሱር ዝሰደደ ተጻባኢ ኣጀንዳ ኣለዎ" ክብል ከሲስዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሓድሕድ ከብቅዕ ዝጽዕር ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ኣሜሪካ ከምትፈልጥ ምግላጹ ይዝከር።

ምድላዋት ሓይልታት ትግራይ

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ሓይልታት ትግራይ “ኲናት ተዳልዮም” ነይሮም ክብል ኣብቲ ዞባ ዘካየዶ ዑደት ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጡ’ዩ።

ንሱን ሓንቲ ጉጅለ ልኡኻት ምዕራባውያንን ናብ መቐለ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፡ መንግስቲ ፌደራል ናብቲ ክልል ማሕበረ-ቍጠባዊ ኣገልግሎታት ክመልስ እንተዘይክኢሉ፡ ንተጻብኦታት ይዳለዉ ምህላዎም ከምዝነገርዎ እዩ ጠቒሱ።

መራሕቲ ትግራይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍተ ብምግላጽ፡ መንእሰያት ትግራይ ክኸቱ ጸዊዖም ነይሮም።

እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ትግራይ ናብቲ ኲናት ምጽንባሮም ይፍለጥ።

ብጥቓ ዝዓነወት ታክሲ ዝሓልፉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳግማይ ውግእ ብ24 ነሓሰ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት ሓይልታት ትግራይ ንተጻብኦታት ምድላዋት ይገብሩ ከምዝነበሩ ማይክ ሃመር ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ልኡኽ ወሲኹ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ምትእምማን ዘይምህላው ከምኡ’ውን ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ግጭት መዕለቢ ንምርካብ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ተዛሪቡ።

እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይምትእጉጓል ንምብጻሕ ብዝብል ኣብ መንጐ ተዋጋእቲ ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ምስተጣሕሰ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ።