ኣድማ ሆሊውድ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ዓመት ክቕፅል ከምዝኽእል ተገሊጹ

እቲ ልዕሊ 160 ሽሕ ተዋሳእትን ሰብሞያን ዝተሳተፍሉ ዘለው ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ሆሊውድ ክሳዕ ወርሒ ታሕሳስ ክቕፅል ከም ዝኽእል ተገሊፁ።
ስሙያት ኢንዳስትሪ ፊልም ሆሊውድ፡ ጄሰን ሱዴይኪስ፣ ሱዛን ሳራንዶን ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተዋሳእቲን፡ ናብቲ ኣብ 60 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ገዚፍ ኣድማ ተፀንቢሮም ኣለዉ።
እዚ ኣድማ ክሳዕ ምዝዛም፡ ተዋሳእቲ ፊልም ኣይክሰርሑን፡ ፊልም እውን ኣየከፋልጡን እዮም።
ተኸታተልቲ ፊልምታት ኣቫተርን ግላዲያተርን ዝርከብኦም ገና ዝስርሑ ዘለዉ ብዙሓት ፊልምታት’ውን ብሰንኪ እዚ ኣድማ ክቋረፁ ከም ዝኽእሉ’ዩ ዝግለፅ ዘሎ።
እቲ 11,500 ኣባላት ዘለውዎ ማሕበር ፀሓፍቲ ፊልም ኣሜሪካ፡ ካብ ፈለማ ጉንበት 2023 ጀሚሩ ስራሕ ይፈጠረልና ብዝብል ኣብ ኣድማ እዩ ዝርከብ።
ከባቢ 160 ሽሕ ሞያውያን ሆሊውድ ከኣ ካብ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም ነቶም ጸሓፍቲ ኣብቲ ኣድማ ተጸምቢሮምዎም ኣለው።
ተዋሳእትን ፀሓፍትን ፊልም ሆሊውድ ናብዚ ኣድማ ዝደረኽዎም ምኽንያታት፡ ክፍሊት፣ ኩነታት ስራሕን ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ) ኣብ ፊልምታት ምጥቃም ዝፈጠሮ ስግኣትን እዮም።
ኣብ ኤችቢኦ ኣብ ዝረኣይ ተኸታታሊ ፊልም ‘ሰክሰሽን’ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኾነ ብራያን ኮክስ፡ እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ክቕፅል ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ገሊፁ።
እቲ ስኮትላንዳዊ ኮኾብ፡ “ኩነታት መመሓላለፊ ፊልምታት ነቲ ኢንዳስትሪ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝቐየሮ” ሓቢሩ።
“መደበራት ፈነወ ፊልም ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ዘትርፍሉ ዘለዉ ኩነታት፡ ንተዋሳእትን ፀሓፍትን ክምዝምዙና እዮም ዝደልዩ” ኢሉ።
ምስ ስቱድዮታትን መደበራት ፈነወ ፊልምን ብሓሙስ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ስምምዕ እውን ፈሺሉ እዩ።
ማሕበር ተዋሳእቲ ፊልም-ኤስኤጂ፡ 'ኣላያንስ ኦፍ ሞሺን ፒክቸር ኤንድ ተሌቬዥን ፕሮዲዩሰርስ “ፍትሓዊ ውዕሊ” ንምቕራብ ፍቓደኛ ኣይኮነን ብምባል ከሲሱ።
እዚ ገዚፍ ኣድማ ድሮ ካብ ሆሊውድ ወፃኢ ንዝኾኑ ፊልምታትን ምድላዋትን ፀልዩ ኣሎ።
ስቱድዮታት ብራይትላይት ቫንኩቨር ካናዳ፡ ኣብዚ እዋን ሰብ ዘይብላ ከተማ እዮም ዝመስሉ።
ኣብ 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንብራይትላይት ፒክቸርስ ዝመስረተ በዓልሞያ ፊልም ሾን ዊልያምስ፡ “ኣብ እዋን ኮቪድ ከምዘለኹ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ኮቪድ ግና ከምዘቋርፅ ንፈልጥ ነይርና ኢና። እዚ ኩነታት ግና ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ እዩ፡ ተስፋ ዘቑርፅ” ኢሉ።
ሾን ዊልያምስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብዚ እዋን ባዶ ኮይኑ ዝርከብ ስቱድዮኡ ዝርከብ ቤት-ፅሕፈቱ ኰይኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢንዳስትሪ ፊልምን ቴለቪዥንን ካናዳ ኣብ ኣሜሪካውያን ፀሓፍቲ፣ ተወሳእትን ስቱድዮታትን ዝተምርኮሰ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ቅድሚ እዚ ኣድማ ምጅማሩ ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልምን ተሌቬዥንን ካናዳ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ብራይትላይት፡ ነቲ ኣብ ኣማዞን ዝፍኖ 'ኣፕሎድ'፣ ኣብ ኤቢሲ ዝመሓላለፍ 'ዘ ጉድ ዶክተር' ከምኡ'ውን 'ፋየርፍላይ ሌን' ኣብ ኔትፍሊክስ የቕርብ ነይሩ።
ሕዚ ግና መብዛሕትኦም ዘቕርቦም ፊልምታት፡ ስቱድዮታትን ማሕበራትን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ክሳዕ ዝፈትሕዎ ደው ከብል ግድን ኮይኑ ኣሎ።
ኮሚክ-ኮን ሳን እውን ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ብዘይ ስሙያት ሰባት ክካየድ ይኽእል እዩ።
ኣብ መፈለምታ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም ዝጅምር ቶሮንቶ ዓለምለኻዊ ፌስቲቫል ድማ ልዝባት ክህልዉ’ዮም ብዝብል ተስፋ ይግስግስ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
