ፊልም ሮመዮን ጁልየትን ዝዓየዩ ተዋሳእቲ፡ ድሕሪ 50 ዓመት ካሕሳ ሓቲቶም
![ሊዮናርዶን ኢሊቭያን ደቂ 16 ን 15 ዓመት እንከለዉ [ኣብ ፊልም ሮምዮን ጁሌትን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/5728/live/b972d630-8cba-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ፊልም ሮመዮን ጁልየትን ቀንዲ ገጸ ባህሪ ሒዞም ዝተዋስኡ ሊዮናርዶን ኦሊቭያን ኣብታ ፊልም ጥራሕ ነብስና ተራኢና ኢና ብምባል፡ ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ምዝርጋሕ ናይታ ፊልም 500 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ሓቲቶም።
እዞም ክልተ ተዋሳእቲ ካብቲ ነታ ፊልም ዘፍረያ ትካል ‘ፓራማውንት ፒክቸርስ’ ክከሓሱ’ዮም ክሲ መስሪቶም ዘለዉ።
እዞም ክልተ ኣዝዮም ፍሉጣት ተዋሳእቲ፡ ኣብ 1968 እዮም ገጸባህሪያት ሮመዮን ጁልየትን ተዋሲኦም።
ኣብቲ እታ ፊልም ዝተሰርሓትሉ ግዜ ድማ 15ን 16ን ዓመት እዩ ነይሮም።
እዞም ክልተ እንግሊዛውያን ተዋሳእቲ፡ ኣብታ ፊልም ብዘይፍቓድና ብኸፊል ጥራሕ ነብስና እንከለና ንርአ ኢና ብምባል’ዮም ሕጂ ክሲ ዝምስርቱ ዘለዉ።
እዞም ክሲ መስሪቶም ዘለዉ ተዋሳእቲ፡ ኣብቲ እዋን ዳይሬክተር'ታ ፊልም ዝነበረ ፍራንኮ ዝፊረሊ፡ ኣብታ ፊልም ጥራሕኩም ኣይክትርኣዩን ኢኹም ኣይትፍርሑ’ኳ እንተበለና፡ ኣብታ ፊልም ብኸፊል ጥራሕና እንከለና ንርአ ኢና” ብምባል’ዮም ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ካሕሳ ዝሓቱ ዘለዉ።
ኣፍራዪ ፊልም ፓራማውንት ፒክቸርስ ካብዛ ፊልም ዘይተኣደነ መኽሰብ ረኺቡ’ዩ ዝብሉ እዞም ክልተ ተዋሳእቲ፡ ኣካላትና ብዘይኣፍልጦናን ፍቓድናን ንዕዳጋ ቀሪቡ’ዩ ብምባል’ዮም ከሲሶም።
ኣፍራዪ ፊልም ፓራማውንት ፒክቸርስ ክሳብ ሕጂ ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ የለን።
ዳይሬክተር እታ ፉልም ዝነበረ ፍራንኮ ዝፊሬሊ ኣብ 2019’ዩ ሞይቱ።
ኣብታ ፊልም፡ ሊዮናርዶ ጥራሕ ነብሰይ እንከለኹ መቐመጫይ ብኸፊል ይርአ’ዩ ክብል እነከሎ፡ ኦሊቭያ ከኣ ኣጥባተይ ይርኣያ’የን ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳይሬክተር ፍራንኮ ዝፊሬሊ፡ እታ ፊልም ዕውትቲ ንኽትከውን ጥርሖም እንከለዉ ብኸፊል ክርኣዩ ከምዘለዎም፣ እንተዘይኰይኑ እታ ፊልም ኣኽሳቢት ከምዘይትኸውን ተዛሪቡና ብምባል 50 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሶም ብምዝካር ይገልጹ።
እታ ፊልም ኣብ ዝተሰርሓትሉ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ሊዮናርዶ ሕጂ ወዲ 72 ዓመት ሽማግለ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ኣዋን ጓል 15 ዓመት ዝነበረት ኦሊቭያ ከኣ ጓል 71 ዓመት ኰይና ኣላ።
እቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣፍራዪ ፊልም ፓራማውንት ፒክቸርስ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ጾታዊ ግህሰትን ምዝመዛን ዝብል ይርከቦ። ብተወሳኺ እዞም ክልተ ከሰስቲ ኣብታ ፊልም ጥራሕ ነብስና ብምርኣይና ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ኣጋጢሙና’ዩ ብምባል ሞራላዊ ካሕሳ ይሓቱ ከምዘለዉ’ውን ገሊጾም።
እዛ ሮመዮን ጁልየትን ዝተሰመየት ፊልም፡ ንጽሑፍ ፍሉጥ እንግሊዛዊ ደራሲ ዊልያም ሸክስፒር ምርኩስ ብምግባር ዝተሰርሐት ኰይና፡ ኣብ ግዜኣ ኣዝያ ውጽኢታዊት ዝነበረትን ክሳብ ሕጂ ትርአ ዘላን ፊልም እያ።
እዛ ፊልም ብዝተፈላለየ ዓውድታት ኣርባዕተ ግዜ ንሽልማት ኦስካር ክትሕጸ እንከላ ኣብ ክልተ ተዓዊታ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሲ እዞም ክልተ ተዋሳእቲ ኣብ ኣሜሪካ፡ ካሊፎርንያ’ዩ ተመስሪቱ ዘሎ።
እዞም ተዋሳእቲ ስነኣእምሮኣዊ ሃስያ ወሪዱና’ዩ ብምባል ክሲ ይመስርቱ’ምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ንሓያለ ዓመታት ነዛ ፊልም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ እንትርፎ ነታ ፊልም ብሓበን ምዝካር ብዛዕባ ስነኣእምሮኣዊ ኵነታቶም ተዛሪቦም ኣይፈልጡን’ዮም።
ንኣብነት ኦሊቭያ ኣብ 2018 ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ እታ ፊልም ዕውትቲ ንኽትከውን ተራ ኣላዪ እታ ፊልም ፍራንኮ ዝፊሬሊ ዓቢ ምንባሩ ብሓበን ምግላጻ ዝዝከር’ዩ።
ኦሊቭያ ኣብቲ ኣብ 2018 ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብቲ እዋን ጥራሕ ነብሳ ኰይና ፊልም ክትሰርሕ ድፍረት ዝነበራ ጓል ኣንስተይቲ ከምዘይነበረት ብሓበን ብምግላጽ፡ ዕርቃን ኣካላት ብኸፊል ኣብታ ፊልም ምእታዉ እታ ፊልም ዕውትቲ ንኽትከውን ‘ኣገዳሲ’ ምንባሩ ገሊጻ ነይራ።
ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዘካየደቶ ካልእ ቃለ መጠይቕ’ውን፡ ኣብ ፊልም ሮመዮን ጁልየትን ገለ ክፋል ኣካላታ ምርኣዩ ኣብ ባህሊ ኣሜሪካ ‘ነውሪ’ ተባሂሉ ምንባሩ ብምዝካር፡ “ክሳብ ክንድኡ ኣካቢድካ ክርአ ኣይነበሮን” ኢላ ነይራ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
