ኵናት ካብ ዝጅመር ኣስታት 13 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ላዕለዋይ ሰርጀንት ዩሪእ ቸርኖንኮ [ሕዳር]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስነ-ስርዓት ቀብሪ ላዕለዋይ ሰርጀንት ዩሪእ ቸርኖንኮ [ሕዳር]
Published

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅመር፡ ኣስታት 13 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝሞቱ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓላፊ ዩክረይን ገሊጹ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት  ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምዮኮልዮ ፖዶልያክ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትጅምር ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 13 ሽሕ ሰራዊት ሃገሩ [ዩክረይን] ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ዩክረይን ቁጽሪ ኣብ ውግኡ ዝሞትዋ ሰራዊት ክትሕብር ሳሕቲ ዝርአ ኮይኑ፡ እቲ ብምዮኮልዮ ፖዶልያክ ዝተወሃበ ርእይቶ ብሰራዊት እታ ሃገር ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

እቲ ሓላፊ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝሃቦ ተመሳሳለሊ መግለጺ መዓልታዊ ካብ 100 ክሳብ 200  ሰራዊት ዩክረይን ይሞቱ ምህላዎም ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ማርክ ሚለለይ ዝተብሃለ ላዕለዋይ ጀነራል ኣሜሪካ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትጅምር ኣስታት 100 ሽሕ ሰራዊት ዩክረይን፡ 100 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ሞይቶም ወይ ቆሲሎም ኣለዉ ኢሉ ነይሩ’ዩ።

ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ዩስላ ቮን ደር ለይን ብረቡዕ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ክሳብ ሕጂ 100 ሽሕ ሰራዊት ዩክረይን ተቐቲሎም ኣለዉ ኢላ።

 

እንተኾነ ወሃቢ ቃል ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ እቲ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ብምሕባር እቲ 100 ሽሕ ዝብል፡ ንቁጽሪ ምውታትን ንቁስላትን ዝሓወሰ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት  ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምዮኮልዮ ፖዶልያክ ቻነል24 ንዝተባሀለት ቴለቪዥን ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ቃል: “ብዛዕባ ዝሞቱ ሰራዊት ብግልጺ ምዝራብ ከድሊ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት “ብቤት ጽሕፈት ጀነራልን ብቤት ጽሕፈት ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይንን [ፕረዚደንት ዘለንስኪ] ወግዓዊ ገምጋም ገይርናሉ ኢና፡ ስለዚ ቁጽሪ ናይ ዝተቐተሉና ሰራዊት ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 13 ሽሕ’ዩ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ ቁጽሪ ዝተቐተሉ ሰለማውያን ሰባት ግን “ዓቢ’ዩ” ኢሉ።

ቢቢሲ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሰነ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ኣስታት 3600 በጺሑ ምንባሩ ኣረጋጊጹ ነይሩ’ዩ: እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝነበሮ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝኽእል ርጉጽ’ዩ።

እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሩስያ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትጅምር ኣትሒዛ 100 ሽሕ ሰራዊት ከምዝተቐተልዋን ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ኸኣ ሰንኪሎምን ሃለዋቶም ጠፊኡን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ራሻ ሞት ናይ 9311 ዝተፈላለጸ ጽፍሒ ዘለዎም ሰራዊት ሩስያ’ኳ ክትንስድ እንተኸኣለት ካብ 24 ለካቲት ኣትሒዙም ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ግን ልዕሊ 18600 ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።