ሩስያ ናብ ፖላንድ ሚሳይል 'ኣይተኮስኩን' ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብ መዚ ፖላንድ ትማሊ ምስ ዩክረይን ኣብ ዘዋስን ዶብ ዝዓለበ ሚሳይል ክልተ ሰባት ከምዝቐተለ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ መጀመርታ ዝወጹ ጸብጻባት ንሩስያ ተሓታቲት ዝገብሩ እዮም፤ እታ ሃገር ግን ነጺጋቶ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ እቲ ሚሳይል ካብ ሩስያ ዝተተኮሰ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝወሓደ ከምዝዀነ ተዛረቡ።
ኣብቲ ኣብ ባሊ - ኢንዶነዥያ - ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሃገራት ጕጅለ 20 ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ባይደን፡ እቲ ኣፈናዊ ሓበሬታ ምስቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት ከምዘይመሳሰል ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብቲ መራሕቲ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብዎም ዝተሳተፉሉ፡ ነቲ ነትጒ ዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ እዩ ነዚ ዝሓበረ።
ሩስያ ሰራዊታ ካብ ኬርሶን ድሕሪ ምስሓባ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዩክረይን ሓድሽ መጥቃዕቲታት ሚሳይል ኣብ ዘካየደትሉ እዩ ኣብታ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ፖላንድ ሚሳይል ከምዝዓለበ ተገሊጹ ዘሎ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ነቲ እቲ መጥቃዕቲ ብሩስያ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጽ ክሲ፡ “ኮነ ተባሂሉ ነቲ ኵነታት ንምግዳድ ዝግበር ዘሎ ትንኮያ” ክብል ነጺግዎ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲመትሪ ፒስኮቭ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ነትጒ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።
መንግስታዊ ትካል ዜና ሩስያ፡ ርያ ኖቮስቲ፡ ድማ ሚሳይል ዩክረይን ኣብ ግዝኣት ፖላንድ ከምዝዓለበ ገሊጻ ኣላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ብኣንጻሩ ነቲ እቲ ሚሳይል ካብ ዩክረይን ተተኲሱ ዝብል ሓበሬታ “ሽርሒ ሩስያ” ክብል ነጺግዎ።
ፕረዚደንት ፖላንድ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ ከምዝተፈጸመ ግልጺ ከምዘይኮነን ምርመራ ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሩ ኣሎ።
“ዛጊድ ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ርጡብ መረዳእታ የብልናን፤ እቲ ሚሳይል ስርሓት ሩስያ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝለዓለ እዩ፤ እንተዀነ ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ” ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ፖላንድ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ ኣርባዕተ ስምምዕ ኔቶ ዝተጠቐሰ፡ ኣባል ሃገራት ግዝኣታዊ ሓድነተንን ድሕነተንን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስግኣት ብዛዕባ ምህላዉ ዝግምግም ነጥቢ፡ ክረኣየላ ክትሓትት ዶ ትኸውን? ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።
እታ ሃገር እውን ነቲ ኵነታት ትግምግሞ ከምዘላ ገሊጻ።
ኔቶ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ሩስያ ዘጀመረቶ ወራር ንዩክረይን ክሕግዝ እንተጸንሐ፡ እቲ ኵነታት ከይጋደድ ብዝብል ግን ኣዐርዩ ካብ ምትእትታው ተቘጢቡ ጸኒሑ።
ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ኣብ ዘውጽኣኦ መግለጺ ድማ፡ ነቶም ሩስያ ብሰሉስ ኣብ ዩክረይን ዝፈጸመቶም መጥቃዕቲታት ሚሳይል ብምኹናን፡ ፖላንድ እትገብሮ ምጽራይ ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ፖላንድ ዓሊቡ ዝተባህለ ሚሳይል ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ዓሚቕ ምርመራ ክካየድ ሓቲቱ ኣሎ።
ሩስያ ንፖላንድ ናይ ምጥቃዕ ድልየት ከምዘይብላ ዝገልጹ ገለ ጸብጻባት፡ እቲ ሚሳይል ብጌጋ ካብ ሩስያ ወይ ድማ ካብ ሩስያ ንዝትኮሱ ሚሳይላት ንምምካን ብወገን ዩክረይን ይትኮሱ ካብ ዝነበሩ ሚሳይላት ዝመጸ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።
ኔቶ ብወገኑ ነቲ ኵነታት ይምርምሮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
