እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ: መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ተሓታትነት ገበናት' ከረጋገጽ ሓቲቱ
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ምስ ቢቢሲ ኒውስ ሃወር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከረጋግጽ ከሓቲቱ።
በቲ ኣምባሳደር ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን መራሕቲ ህወሓትን ከምዝተራኸበ ሓቢሩ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ፡ መቐለ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ኣመልኪቱ፡ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቶም ኣብታ ክልል ተቛሪጾም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱን፡ እቲ ጎንጺ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕን ምሕታቶም ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ሓበራዊ መግለጺን መገሻን ዕጉብ ከምዝይኮነ ገሊጹ ነይሩ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ፡ ኣብቲ ቃለ መሐትት፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበሮ ጻንሒትን ሓፈሻዊ ዳህሳስን ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ነገራት ዘተኮረ ከምዝኾነ ገሊጹ።
“ቀንዲ ኣተኩሮና ኣብ ሰለስተ ዛዕባታት’ዩ ዝከፋፈል” ዝበለ እቲ ኣምባሳደር ፡ እቲ ሓደ ንኹሎም እቶም ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ኢትዮጵያውያን ብዘይተገደበ መንግዲ ንኽበጽሖም ብቐዳምነት ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምስ ተበጽሐ ገለ ኣወንታዊ ምዕባለታት ተራእዩ’ዩ፡ እንተኾነ፡ ኣብ መቐለ ዝበጽሐ ረድኤት ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይባጻሕ ሕጸረት ነዳዲ ኣጋጡሙ ከምዝነበረ፡ እዚ ጸገም ኣብ ቀረባ እዋን ተፈቲሑ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ከምዝህሉ ከረጋግጽ ኣለዎ ዝብል ይርከቦ።
“ክኢላትት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት 25 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ብዛዕባ ሓለፍነቶምን እቲ መስርሕ ብኸመይ ክካየድ ከምዝኽእልን ተዘራሪቦም ኣለዉ፡ ንሕና ቀንዲ ንጸቕጠሉ ኸኣ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምርምራቶም ብነጻነት ከካይዱ ባይታ ክጣጠሓሎም ኣብ ዝብል እዩ” ኢሉ።
“እንተኾነ ክሳብ ሕጂ እዚ ዕድል እዚ ኣይተፈጠረሎምን ዘሎ” ክብል ወሲኹ ስክፋቱ ሓቢሩ።
ኣባላት፡ ዓለም -ለኸ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ምስ ላዕሎት ሰብ መዚ እንተተዘራረቡ'ኳ፡ ናብ ትግራይ ክኣትዉ ከምዘይተፈቕደሎም ይዝረብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ እቲ ኮሚሽን ካብ መፈለምትኡ ከይቖም ተቓዊሞም ምንቅስቓሶም ዝዝከር እዩ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ካልእ እንታይ ኢሉ?
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሰለስት ዝተፈላለዩ ሰባት’ዩ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሸይሙ። ማይክ ሃመር ኸኣ ሳልሳይ’ዩ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ፡ 'ንምንታይ ኢኹም ኣብ ሓጺር ግዜ ትቀያየሩ ዘለኹም?' ንዝብል ሕቶ እዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ።
“መጀመርታ ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዙ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስዞም ኣብዚ ዞባ ዘለዉ መንግስታት ብምትሕብባር ሰላምን ንኸስፍን ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኢ’ዩ፡ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ክልተ ካብዚ ሓላፍነት ምእላዮም ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ቅድሚ እዚ መዝነት ምውሃበይ ናብ ኢትዮጵያ መጺአ ነይረ’የ፡ ስለዚ ኣነ በቶም ቅድመይ ዝተጀመረ’የ ዝቅጽሎ ዘለኹ” ኢሉ።
ኣሜሪካ እታ ዝልዓለ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኢትዮጵያ እትህብ ሃገር እያ፡ እዚ ዕድል እዚ ተጠቂምኩም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገማት ብዘተ ንኽትፈትሕዎ ዓብላላይ ተራ የውህበኩምዶ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር፡ “ገለ ገለ ዝወስድናዮ ስጉምታት ኣሎ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ዕድላት ኣጉዋ ምእጋድ ሓደ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምምሕያሻት ንኸርኢ ኢልና ዝገበርናዮ’ዩ፡ ስለዚ ቁጠባዊ ሓገዛት ክግብር እንተኾይኑ ኣብቲ ቀዲምና ዝገለጽናዮ ምዕባለታት’ዩ ክምርኮስ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ ንዕኡ ተኸቲሉ’ዩ መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ናብ ኣፍሪቃ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቓ ከተአንግድ እያ፡ ዋዕላ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ እዩ፡ ኣሜሪካን ሩስያን ዲፕሎማስያዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝወዳደራ ዘለዋዶ ኣይመስልን ዝብል ሕቶ’ውን ቀሪብሉ ነይሩ።
“ኣብ ኣፍሪቃ መን እንታይ ይገብር ኣሎ ዕትብ ኢልና ንርኣዮ፡ ትኹረት ኣሜሪካ ኣብ ምሕዝነት፣ ኣብ ጥዕና፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና’ውን ኣብ እዋን ቃልሲ ኣንጻር ኤድስ፡ ቃልሲ ኣንጻር ደርቅን ውሕስነት መግብን ጸጥታን እዩ” ኢሉ።
እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፡ “ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ከምዘምርሐን ኩሉ ዝርድኦ’ዩ፡ እዚ ኸኣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ደው ኣቢላ ፡ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኣእካል ንሰድድ ክወጽእ ምስ እተፍቕድ’ዩ ፍታሕ ዝረክበ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ምስ ፖለቲከኛታት፣ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መራሕቲ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ምሁራትን ብምርኻብ ዘተ ከምዘካየደ እዩ ዝንገር።
ማይክ ሃመር፡ እቲ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ዝኸይድ ዘሎን ሰፊሕ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘውረደን ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምጅማሩ ካብ ዝተመዘዙ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካ ሳልሳይ እዩ።
እቶም ቅድሚኡ ዝተሾሙ ላዕለዎት ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን ናብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ተደጋጋሚ መገሻታት ይገብሩ እኳ እንተነበሩ ብወግዒ ዝፍለጥ ውፅኢት ከይረኸቡ እዮም ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም።