ትራምፕ ዝሓጸዮም ኣባላት ካቢነ ምፍርራሕ መጥቃዕቲ ቦምባ ይበጽሖም ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓያሎ ካብቶም ብዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዝተሓጽዩን ንዋይት ሃውስ ዝተሓረዩ ሹመኛታትን ዒላማ ምፍርራሕ መጥቃዕቲ ቦምባ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ኤፍ.ቢ.ኣይ "ብዙሕ ምፍርራሕ ቦምባ" ይግበር ከምዘሎ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ትራምፕ ንክፍሊታት ምክልኻል፡ ኣባይቲ፡ ሕርሻን ዕዮን ክመርሑ ዝሓረዮም ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ኰይኑ ክሰርሕ ኣብ ልዕሊ ዝተመረጸን ካልኦትን ምፍርራሕ ተፈጺሙ።
ፖሊስ ነቲ ኣብ ሰሉስ ለይትን ረቡዕን ዘጋጠመ ፍጻመታት ይምርምር ኣሎ።
ወሃቢት ቃል ምስግጋር ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ካሮሊን ሊቪት፡ እቶም ብትራምፕ ዝተመዘዙ “ኣብ ልዕሊ ህይወቶምን ምስኦም ናይ ዝነብሩ ኣባላት ስድራቤቶምን ዓመጽ ብዝተመልኦን ዘይኣመሪካዊ ስነ ምግባርን ስግኣታትን ዒላማ ኰይኖም” ኢላ።
ንሳ፡ "ኣኽበርቲ ሕጊ ንውሕስነት እቶም ሕጹያት ብቕልጡፍ ስጕምቲ ወሲዶም" ኢላ።
"ፕረዚደንት ትራምፕ መርኣያና ስለዝኾነ ሓደገኛ ተግባራት ምፍርራሕን ዓመጽን ኣይክዕንቅፈናን እዩ" ኢላ።
ሊቪት ይዅን ኤፍ.ቢ.ኣይ ስም ናይቶም ዕላማ ምፍርራሕ ዝዀኑ ሰበስልጣን ኣይጠቐሱን።
ትራምፕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ክትከውን ዝሰመያ ኤሊስ ስቴፋኒክ፡ ንመጀመርታ ግዜ ገዛ ስድራኣ ዒላማ ምፍርራሕ ቦምባ ከምዝዀነ ገሊጻ።
ቤት ጽሕፈታ ከምዝበሎ፡ እታ ኣባል ኮንግረስ ብዛዕባ እቲ ስግኣት ዝተነገራ ምስ በዓል ቤታን ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዳን ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ኒዮርክ ንበዓል መዓልቲ ምስጋና ብመኪና እናተጓዕዘት እንከላ እዩ።
ሕጹይ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ካብታ ኣባል ኮንግረስ ቀጺሉ ዒላማ ከምዝተገበረ ኣረጋጊጹ።
ረብዕ ንግሆ መፈራርሒ ከምዝበጽሖ ኣብ ኤክስ ዝሓበረ ሄግሰት፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ከገልግል ጸዊዑኒ ኣሎ - እዚ ድማ ክገብሮ'ዩ” ኢሉ።
ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ካብ ክልተ ፈተነ ቅትለት ዝደሓነ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቶም ኣብዚ እዋን መፈራርሒ ደወል ዝበጽሖም ዘሎ ሰባት ከምዘይኰነ ምንጭታት ኣኽበርቲ ሕጊ ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢሮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ሰብኣይ "ዳርጋ መዓልታዊ" ንትራምፕን ስድራኡን ክቐትል እየ ኢሉ ዘፈራርሕ ቪድዮታት ብምልጣፉ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ሰበስልጣን ኣሪዞና ገሊጾም።
ካብቶም ኣብዚ ሰሙን ምፍርራሕ ዝበጽሖም ዘሎ ሰበ ስልጣን ዋላ ሓደ ብሚስጢራዊ ኣገልግሎት ኣመሪካ ሓለዋ ከምዘይተገብረሉ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ይሕብሩ።
ትራምፕ፡ ኣመሓዳሪ ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ክኸውን ዝሓረዮ ሊ ዜልዲን እውን ዒላማ ከምዝተገብረ ዘረጋገጸ ኰይኑ "ንፍልስጤም ዝድግፍ ቴማ ዘለዎ መልእኽቲ" ናብ ገዛኡ ከምዝተላእከ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ እቶም ፍጻመታት መብርሂ ከምዝተዋህቦ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ባይደን ኣስዒቡ "ዋይት ሃውስ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ፌደራልን ጕጅለ ናይቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንትን ርክብ ኣለዎ፡ ነቲ ኵነታት ድማ ብቐረባ ይከታተሎ ኣሎ” ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
