እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገለ ደቀንስትዮ፡ ንመብዛሕትና ክርኣየና ዘይኽእል ሕብሪ ክርእያ ይኽእላ ድየን?
መምህር ስነጥበብ ኮንሴታ ኣንቲኮ፡ ተማሃሮኣ ነቲ ንዕኣ ዝርኣያ ሕብርታት ክርእዩ ከም ዘይክእሉ ኣብ ዝተረድኣሉ ህሞት፡ "ዝሑል ማይ ዝተገፀብኩ" ኰይኑ'ዩ ዝተሰምዓኒ ትብል።
መዓልታዊ፡ ከም ጽላሎት ንመብዛሕትኦም ሰባት ሓደ ዓይነት ኰይኑ ዝርኣዮም ነገር ንዓኣ "ብዙሕ ሕብርታት" ኰይኑ እዩ ዝርኣያ።
ኩሉ ሰብ ድማ ንዓለም ከምቲ ንሳ እትርእየሉ እዩ ዝርእያ ዝብል ግምት ነይሩዋ፤ "ንሓደ ሰብ፡ 'ስለምንታይ ዋላ ሓደ ነገር ኢልካኒ ዘይትፈልጥ?" ኢለ ሓቲተዮ ትብል።
" 'ንስኺ መምህር ኢኺ። ንሕና... ገለ ስነ-ጥበባዊ ነገር ትገብሪ ዘለኺ'ዩ መሲሉና' ኢሉኒ" ኢላ።
ኣንቲኮ ድሒራ፡ ብጀነቲካዊ መርመራ 'ቴትራክሮማሲ' - tetrachromacy - ዝበሃል ሓደ ዓይነት ፍሉይ ዓቕሚ ምርኣይ ሕብርታት ከም ዘለዋ ፈሊጣ፤ እዚ ድማ ሓደ ውልቀሰብ ካልኦት ክርእዩዎ ዘይክእሉ ሕብርታት ክርኢ የኽእሎ።
ተወሳኺ ዓይነት ዋህዮ
መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ዓይኒ 'ኮን' ዝበሃሉ ሰለስተ ዓይነት ፍሉያት ዋህዮታት ኣለዎም።
ነፍሲ ወከፍ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ ማዕበል ብርሃን ዝጽሎ ኰይኑ፡ ብግምት ምስ ቀይሕ፡ ቀጠልያን ሰማያውን ይዛመድ።
ድሕሪኡ እቶም ዋህዮታት 'ኮን' ዋህዮታት ምልክታት ናብ ሓንጐል ይልእኹ። እቲ እንርእዮ ፍሉይ ሕብሪ ኣብ ውህደት ናይቲ ሓንጐል ካብ ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ኮን ዝረኽቦ ምልክታት ይምርኰስ።
ገለ ሰባት ግን ራብዓይ ዓይነት ዋህዮ ኮን ክህልዎም ይኽእል እዩ። ብክልሰ-ሓሳብ፡ እዚ ማለት ሓንጐሎም ዝያዳ - ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ - ሓበሬታ ይቕበል ማለት ክኸውን ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ዝርግሐ ብርሃን ንሕብሪ ተቓላዕነት ከዕብ ይኽእል።
ክልተ ዓሌታት ጅን
እቶም ንቀይሕን ቀጠልያን ሕብሪ ተሃዋሲ ዝዀኑ ዋህዮታት ኮን ክፍጠሩ ዝገብሩ ጂናት ኣብ ኤክስ ክሮሞዞም እዮም ዝርከቡ።
ሓደ ሰብ 'ቴትራክሮማቲክ' ንኽኸውን ክልተ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ናይ ሓዲኡ ጂን ክስከምን ከርእን ኣለዎ።
ደቂ ኣንስትዮ ክልተ ኤክስ ክሮሞዞም ስለ ዘለወን ደቂ ተባዕትዮ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ጥራይ ስለ ዘለዎም፡ ብስነ-ህይወታዊ ኣገባብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እየን ቴትራክሮማቲክ ክዀና ዝኽእላ።
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ተመሳሳሊ ፍልልይ ምስ ዝህሊ ግን ገለ ዓይነት ሕጽረት ምርኣይ ሕብሪ ከስዕብ ይኽእል።
ራብዓይ ዓይነት ኮን ክህልወካ ከሎ 'ረቲናል ቴትራክሮማሲ' ይበሃል፤ ጀነቲካዊ መርመራ ድማ ነቶም ኣርባዕተ ዓይነታት ዋህዮ ንምስራሕ ዝኽእሉ ፍልልይ ጅን ዘለዎም ሰባት ከለሊ ይኽእል።
ኣስታት 12 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እዚ ጀነቲካዊ ዓቕሚ ከም ዘለወን ይግመት፡ ብመሰረት ፕሮጀክት ቴትራክሮማሲ- ዩኒቨርሲቲ ኒውካስል፡ እዚ ኣሃዝ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ክፈላለ ከም ዝኽእል ይሕብር።
እንታይ ማለት እዩ ?
ተወሳኺ ዋህዮ ኮን ምህላው ግን እቲ ሰብ ሕብሪ ናይ ምርኣይ ዓቕሙ ኣዕብዩ ኣሎ ማለት ኣይኰነን።
ኣብ ኣመሪካ፡ ክኢላ ማእከል ዩርቪን ብሩንሰን ንመጽናዕቲ ትራንስሌሽናል ቪዥን ዶ/ር ኪምበርሊ ጄምሰን እዚ ጀነቲካዊ ዓቕሚ፡ ንዝለዓለ ምርኣይ ሕብሪ ክመርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ከም ዘሎ ተረድእ።
ንሳ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ኣርባዕተ ዓይነት ዋህዮታት ኮን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓደ ዝርግሐ ሕብርታት ዝያዳ ዝተፈላለየ ሕብርታት ከም ዝርኣየን፡ ካብ ትራይክሮማት - ሰለስተ ዓይነት ዋህዮታት ኮን ካብ ዘለዎም ሰባት ንላዕሊ- ዝያዳ ፍሉይ መልክዕ ሕብሪ ክግንዘባ ከም ዝኽእላ ይሕብር።
ኣብ እንስሳት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝገልጾ መርትዖታት ኣሎ።
ኣብ ገለ ዓይነታት 'ኣህባይ ሓዳስ ዓለም'፡ እቶም ተባዕትዮ ዳይክሮማት ኰይኖም፡ ክልተ ዓይነት ዋህዮታት ኮን ኣለዎም። ደቂ ኣንስትዮ ድማ ትራይክሮማት ኰይነን ሰለስተ ኮን ዘለወን ኰይነን ተረኺበን።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ትራይክሮማት ካብ ዳይክሮማት ንላዕሊ ቀያሕቲ ፍረታት ቀልጢፎም ከም ዝበልዑ ተዓዚቦም፡ እዚ ድማ ነቲ ሕብሪ ብዝያዳ ክርእይዎ ከም ዝኽእሉ የመልክት።
እዚ ኣብ ቴትራክሮማቲክ ደቂ ሰባት ግብራዊ እንተዀይኑ፡ እቲ ተወሳኺ ዓይነት ዋህዮ ኮን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ሕብሪ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክረኣያ ከም ዝኽእላ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ምርኣይ ኒውሮሳይንቲስት ዝዀነት ዶክተር ጀኒ ቦስተን ትገልጽ።
እዚ ግን ኣካታዒ እዩ።
'ንምግላጾም ዘጸግሙ ሕብርታት'
"... ተወሳኺ ተቐባሊ ሕብሪ እንተሃልዩካ... ንሓደ ቀይሕ-ቀጠልያ ሕብሪ- ክፈሊ ዘይኽእል ሰብ ነዞም ሕብርታት ከተርእዮ ከለኻ ክግለጽ ዘይኽእል ሕብርታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፡" ይብል መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣደላይድ ዶክተር ማይክል ኒውኣል።
ንሱ፡ ቴትራክሮማት እንታይ ከም ዝረኣዮም ኣብ ዝገልጽ ጽሑፉ፡ "ካልእ ተኽእሎ ኣሎ... ካብቲ ተራ ሕብርታት ዝረቐቐ ደረጃታት ክርእዩ ስለ ዝኽእሉ ጥራይ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።
ሰባት ዝረኣዮም ሕብርታት ብሳይንሳዊ መንገዲ ምግምጋም ከቢድ እዩ።
"ንቡር ትራይክሮማቲክ ዘለዎም ተመኩሮ ሕብሪ'ውን እንተዀነ ክትዕቅኖ ኣይከኣልን'ዩ፡" ትብል ቦስተን።
ብመሰረት ጀምሰን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቴትራክሮማሲ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ፡ ከከም ተቓላዕነት ናይቲ ተወሳኺ ዓይነት ዋህዮ ኮን ርኡይ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ሰባት ንሕብርታት ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ጌሮም ክፈላልይዎ ከም ዝኽእሉ፡ ወይ ድማ ኣብ መንጐ ጽላሎት ዘሎ ዘይምስምማዕ ብኸመይ ከም ዝመዝንዎ ዝኣመሰሉ ነገራት ምትንታን ግን፡ ተመራመርቲ ሰባት ኣብ ዝርእይዎ ፍልልያት ንምርዳእ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ቦስተን ትዛረብ።
ቴትራክሮማት ብኸመይ ንፈልጦ?
መብዛሕትኦም ዘመናውያን ስክሪናት ሰለስተ ሕብራዊ ቻነላት ጥራይ እዮም ዘለዎም - ቀይሕ፡ ቀጠልያን ሰማያውን፡ እዚ ማለት፡ ቴትራክሮማት ፍሉይ ሕብሪ ክርእዩ እንተኽኢሎም፡ ኣብ ስክሪን ነዚኦም ክርእይዎም ኣይክእሉን እዮም።
እዚ ንምፍታን ኣጸጋሚ ዝገብሮ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ መንጐ ኣብ ሓቀኛ ህይወትን ኣብ ስክሪናትን እትርእዮ ሕብርታት ቀጻሊ ፍልልያት ምዕዛብ ግን ቴትራክሮማሲ ክሕብር ይኽእል እዩ።
ኒዋል፡ እዚ ከምቲ እትጥቀመሉ ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ሓደ ሰብ ቴትራክሮማት ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ ካልእ መርኣዪ፡ ብዛዕባ ሕብሪ ዘለዎ ኣረኣእያ ካብ ናይ ካልኦት ሰባት ዝፍለ ከም ዝመስል ብቐጻሊ ከተስተብህለሉ ከለኻ ምዃኑ ድማ ጀምሰን ትዛረብ።
"ዓሚቕ ንቕሓት ኣለዎም... ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም፡ ዝያዳ ጽዑቕ፡ ዝያዳ ተሃዋሲ [ካብ ካልኦት] ዝነበረ ናይ ሕብሪ ርድኢት እዩ ዝህልዎም፡" ትብል።
ካልእ ሓደ ሰብ ቴትራክሮማት ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር መሳጢ ነገር፡ ምስ ድሙቕ ሕብርታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ንተሪር ብርሃን ኤልኢዲ ኣዝዩ ተቓላዕነት ዝህልዎ ምዃኑ እዩ።
"ቴትራክሮማት ደቀንስትዮ... ድልዱል ነዊሕ ማዕበል ዘለዎ ባእታ ዘይብሎም ኣምፑላት ክሕዛ ኣይክእላን እየን፡" ትብል።
"ኣብ ገዛ መናብርተ ንምስ ዝዀኑ ሰባት፡ 'እዚ ብርሃን ክጻወሮ ኣይክእልን እየ፡ ነዞም ፍሎረሰንት ቱቦታት ክጻወሮም ኣይክእልን እየ፡ ኣይፎተኹዎምን፡ ብጣዕሚ'ዮም ዘጽልኡኒ፡" ብምባል ክጨቓጨቓ ይኽእላ።
ኣቦታቶም ቅልል ዝበለ መልክዕ ሕጽረት ሕብሪ ዘለዎም ሰባት እውን 'ቴትራክሮማቲክ' ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።
ግን፡ እዚኦም ገለ ፍንጪ ክህቡ ይኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ጀነቲካዊ መርመራን ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝተመርኰሰ መጽናዕትን ግን ኣዝዮም ዘተኣማምኑ መርኣይታት እዮም።
ካልእ ተመራመርቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ቴትራክሮማሲ ዘይተረድእዎ ነገር እንተሃልዩ፡ ንቴትራክሮማሲ ረቲና ናብ ተግባራዊ ቴትራክሮማሲ ዝቕይሮ እንታይ ምዃኑ እዩ።
"ኣዝዩ ፍሉይ ዓይነት ኮን ክህልዎም ድዩ ዘለዎ? ወይስ ነቶም ምልክታት ከመይ ጌሮም ምጥቃም ከም ዝተማህሩ ዝገልጽ ነገር'ዩ?" ይብል ቦስተን፡ ምስ ተዓጻጻፍነት ካልኦት ክፋላት ስርዓተ ምርኣይ እውን ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማት።
"ካልእ ተኽእሎ ድማ፡ ናይ ምፍልላይ ክእለት ንምምዕባል፡ ነቶም ናይ ሕብሪ ምልክታት ኣብ ህይወቶም ኣገዳሲ ነገር ክጥቀሙ ከድልዮም ይኽእል'ዩ።"
ቀባኢት ኣንቲኮ ከምኡ ከም ዘጋጠማ ትኣምን።
"ናይ ሕብሪ ራእየይ ኣዕብየዮ ኣለኹ። ስለዚ ሓደ ዓይነት ቲሹ'ዩ" ትብል።
"ካብ ብቘልዓይ ጀሚረ ቀባኢት እየ... ስለዚ 100 ሽሕ ሰዓታት ሕብሪ ኣብ ምትሕውዋስ ኣሕሊፈ ኣለኹ። መዓልታዊ፡ ኩሉ ግዜ እየ ዝገብሮ።"
እንተዀነ፡ ግብራዊ ቴትራክሮማሲ ኣሎ ድዩ ዝብል ክትዕ ይቕጽል ኣሎ።
ቦስተን፡ ገለ ሰባት ተወሳኺ ሕብራዊ ራእይ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ "ተባዕ መርገጺ" ኢላ ትጽውዖ።
ብዘይ "ጭቡጥ ፈተነ" ግን "ካብ ዝተፈላለየ ፈተናታት፡ ዝተፈላለየ መጽናዕቲ ብዝተኻእለ መጠን ሓበሬታ ክትረክብ ጥራይ ኢኻ ትፍትን፡ ኩሉ ምስ ኣዋሃሃድካዮ ድማ፡ 'እዋእ፡ እቲ መርትዖ ብዓቢኡ ነዚ ዝድግፍ'ዩ' ክትብል ትኽእል" ትብል።
ኣንቲኮ ጥርጣረ ካልኦት ሰባት ንመንፈሳ ከዳኽሞ ኣይትፈቅድን፡ እዚ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ስለ ዘለዋ ድማ "ዕድለኛ" ምዃና ትዛረብ።
"ካልኦት ሰባት ክርእይዎ ዘይክእሉ ነገራት ክርኢ ምኽኣለይ ዝገርም'ዩ" ትብል።
"ንህይወተይ ፍልይቲ ገይርዋ'ዩ።"