'ቀንዲ ኣቕራቢ' ጀላቡ መሰጋገሪ ስደተኛታት ተታሒዙ

ብፕላስቲክ ዝተሰርሓ  ኣየር ዝምልኣ ንኣሽቱ ጀላቡ

ምንጪ ስእሊ, National Crime Agency

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ንስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ዘገልግላ ንኣሽቱ ጀላቡ ብምቕራብ ዝጥርጠር ውልቀሰብ፡ ሃገራዊ ትካል መርመራ ገበን ብሪጣንያ ከምኡ’ውን ፖሊስ ሆላንድን ቤልጅየምን ብዘካየድዎ ሓባራዊ ስርሒት ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ሃገራዊ ትካል መርመራ ገበን ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝሓበሮ እቲ ሰብኣይ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ንዝርከቡ ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ሞተርን ጀላቡን ከቕርብ ከምዝጸንሐ ይንገር።

እዚ ወዲ 44 ዓመት ቱርካዊ ብረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኪፖል - ኔዘርላንድስ - ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክሲ ክቐርበሉ ናብ ቤልጅየም ኣሕሊፍካ ክወሃብ ምዃኑን ተፈሊጡ።

ኣብ ሃገራዊ ትካል መርመራ ገበን ዓባይ ብሪጣንያ ዋና ዳይረክተር ስርሒታት ሮብ ጆንስ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ፡ ኣብቲ እቲ ትካል "ኣብ ዝተወደበ ገበናት ኢሚግሬሽን ዝገብሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ መርመራታት" ፍሉይ ምዕራፍ ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ቤልጅየምን ሰሜናዊ ፈረንሳን ንዝንቀሳቐሱ ኣሰጋገርቲ "ኣዝየን ሓደገኛታት" ጀላቡን ሞተርን "ዋና ኣቕራቢ" ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ሓቢሩ።

ሃገራዊ ትካል መርመራ ገበን ዓባይ ብሪጣንያ ንሓያሎ ዓመታት መርመራ ክገብር ከምዝጸንሐ ይገልጽ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሰብኣይ፡ ቀረባት ካብ ቱርኪ ብምምጻእ ኣብ ጀርመን ኣቐሚጡ ድሕሪኡ ናብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ከምዘጓዓዕዘ ሰብመዚ ኣረዲኦም።

ካብ ቱርኪ ናብ ሆላንድ ይጓዓዝ ከምዘሎ ሰብመዚ ምስ ፈለጡ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ።

ክስን ሕጋዊ መስርሕን ኣብ ቤልጅየም ክቐርበሉ ተኽእሎ ኣሎ፤ ምኽንያቱ እቲ ዝተጠርጠረሉ ገበናት ብኣውራኡ ኣብኡ ስለዝተፈጸመ።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዌስት-ፍላንደርስ - ቤልጂየም - ዓለምለኻዊ ምትሕብባር "ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ወሳኒ'ዩ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመር፡ ብመትረብ ንዝፍጸም ምስግጋር ኣብ ምምካት "ኣገዳሲ ኣሰር" ክብል ነቲ ማእሰርቲ ገሊጽዎ።

ሰር ኬር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንዶባት ዓባይ ብሪጣንያ ንምሕላው ተወሳኺ 75 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝህብ ኣፍሊጡ ነይሩ። "ንኣሰጋገርቲ ሰባት ከም ኣሸበርቲ ክምዝቘጽሮም እውን" ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ሰሜን ፈረንሳን ቤልጅየምን ንዝርከቡ ኣሰጋገርቲ ናውቲ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ዘመልከተት

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር፡ እቲ ጉዳይ ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጐድኒ ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ ክሰርሑ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርእይ እዩ ኢላ።

ኣየር እትምላእ ጀልባ

ምንጪ ስእሊ, National Crime Agency

ሃገራዊ ትካል መርመራ ገበን ብሪጣንያ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ውዱብ ገበን ኢሚግሬሽን ወይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣብ ዝርከቡ መርበባት ይዅኑ ውልቀሰባት ኣስታት 70 መርመራታት ይመርሕ ከምዘሎ ይገልጽ።

ማእሰርቲ እዚ ጀላቡን ሞተራትን ብምቕራብ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ተሰሚዑ ዘሎ፡ “ዝበለጸ ኣስጋሪ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ብዛዕባ ምሕላፍ ኣብ ፌስቡክ ዘወዓውዐ ገበነኛ ን17 ዓመታት ማእሰርቲ ካብ ዝፍረድ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰሙን'ዩ።

ኣብ ላንካሻየር ዝነብር ወዲ 34 ዓመት ኢራናዊ ኣማንጅ ሓሰን ዛዳ፡ "ዝተራቐቐ ትካል" የካይድ ከምዝነበረ ሃገራዊ ትካል መርመራ ገበን ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2024 ልዕሊ 50 ሰባት ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ሞይቶም።

ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ ፈረንጂ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 32 ሽሕ ሰባት ነዚ መትረብ ሰጊሮም። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2023 ዝነበረ 29,437 ዝበዝሐ ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።