ጣልያን፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኣልባንያ ምስዳዳ ቤት ፍርዲ ብትሪ ተቋዊሙ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ጆርጅያ ሜሎኒ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ጉዳይ ስደተኛታትን ሕቶ ዑቕባን ዝተኣሳሰር ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንዕ ውዕል ምስ ኣልባንያ ምፍረራማ ዝዝከር እዩ።
እቲ ውዕል ዝኾነ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ስደተኛ፡ ሕቶ ዑቕብኡ ኣብ ኣልባንያ ኣብ ዝተደኮነ ሓዲሽ መዓስከር ስደተኛታት ኮይኑ ክረአ ዝብል’ዩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ከኣ ፈላሞት ስደተኛታት ካብ ጣልያን ናብ ኣልባንያ ከምዝኸዱ ተገይሩ፡ እንተኾነ እቲ ጣልያን ምስ ኣልባንያ ብምስምማዕ ዝጀመረቶ ምግዓዝ ስደተኛታት ሓያል ናይ ቤት ፍርዲ ምጉት ገጢምዎ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሮማ ዝመደበሩ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ቤት ፍርዲ፡ እቶም ናብ ኣልባንያ መዓስከር ስደተኛታት ግጃደር ተሰዲዶም ዘለዉ 12 ስደተኛታት ብቅልጡፍ ናብ ጣልያን ክምለሱ ኣዚዙ ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ናብ ኣልባንያ ተሰዲዶም ዘለዉ 12 ስደተኛታት እተን ዝመጽኡለን ሃገራት ብጉዳይ ድሕነቶም ብፍጹም ክምለሱወን ዘይክእሉ ሃገራት ምዃነን’ዩ ዝገልጽ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ ጣልያንን መንግስታን ነቲ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ክብድህዎ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።
እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ “መንግስቲ እምበር ቤት ፍርዲ ኣይኮነን ኣየነይቲ ሃገር’ያ ድሕንቲ ዝውስን” ኢላ።
ነቲ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ንምምካት ከኣ ንዝመጽእ ሰኑይ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ጸዊዓ ኣላ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሎሚ ዓመት ዋሕዚ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብ64 ሚኢታዊት ከምዝነከየ’ዩ ዝገልጽ።
መንግስታት ኣልባንያን ጣልያንን ጉዳይ ሕቶ ዑቕባን ምምላስን ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጣልያን ዝኣተዉ ኣስታት 3000 ስደተኛታት ኣብ ኣልባንያ ኮይኑ ክረአ’ዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ።
እቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዘይምልከት ኮይኑ ቀዳማይ ክፋል ናይቶም ናብ ኣልባንያ ክውሰዱ ዝተብሃል ስደተኛታትተ ብረቡዕ ናብታ ሃገር ሰጊሮም።
እቶም ናብ ኣልባንያ ዝተወሰዱ ስደተኛታት ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መእከላይ ባሕሪ ብደሓን ዝወጽኡ ኮይኖም፡ 10 ካብ ባንግላዲሽ፡ ሽዱሽተ ካብ ግብጺ’ዮም ነይሮም እንተኾነ ካብኦም እቶም ክልተ ትሕቲ ዕድም እቶም ክልተ ከኣ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ኮይኖም ስለዝተረኸቡ 12 ናብ ኣልባንያ ከምዝኸዱ ተገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እቶም ናብ ኣልባንያ ዝተወሰዱ ስደተኛታት ብቅልጡፍ ናብ ዓዲ ጣልያን ክምለሱ’ዩ ወሲኑ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ ጣልያን ማትዮ ፕያንተዶሲ መንግስቲ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክብለሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ብዘይካ እዚ እቲ ሚኒስተር እቲ ጣልያን ኣታኣታትያቶ ዘላ ኣገባብ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ከም ሕጊ ኮይኑ ንክጸድቅ ክትጽዕር ምዃና’ውን ኣብሪሁ።
ጸሓፊት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለይን ኣውሮጳዊ ሕብረት’ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ዓዲ ጣልያን ኣገባብ ንምኽታል ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቶም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ካልእ ውሕስቲ ዝኾነት ሳልሰይቲ ሃገር ንምስጋሮም ይሕሰበሉ ምህላዉ’ያ ኣተንቢሃ።
መንግስቲ ሆላንድ’ውን ብተመሳሳሊ ሕቶ ዑቕበኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ናይ ምምላስ ኣፈናዊ ስምምዓት ይገብር ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
እንተኾነ እዚ ምስ ተሰምዐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ ጀጀ ኦዶንጎ ምስ ራድዮ ሆላንድ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት “ንሕና ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ምስ መንግስቲ ሆላንድ ዝተበሃሃልናዮ ይኹን ዝበጻሕናዮ ስምምዕ የለን፡ ብፍጹም የለን” ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
