እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ንስርዓት ኢራን ከውድቖ ተስፋ ገይሩሉ ዘሎ ሓድሽ ትልሚ
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ፋይናንሳዊ ምትእስሳራት ኢራን፡ ኣብ መላእ ዓለም ቁጠባዊ ስጉምቲታት ክትወስድ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ ኣላ።
ሚኒስተር ገንዘብ ስኮት ቤሰንት፡ እቲ እገዳ ድጂታላዊ ንብረት፡ ቴክኖሎጂ፡ ወርቂ፡ ኣቬሽንን መራኽብን ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጹ።
ዝኾነት ምስ ኢራን ብገንዘብ እትሻረኽ ሃገር ድማ ተነፅሎ ክበፅሓ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ይኹን እምበር፡ እዚ ቤሰንት "ቁጠባዊ ዲ-ደይ" ዝበሎ ኣዋጅ፡ ካብ ኣብ ቴህራን ንላዕሊ ኣብ ዋሽንግተን እዩ ትኵረት ስሒቡ ዘሎ።
ድሕሪ እቲ እወጃ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሚኒስተር ቁጠባ ኢራን ዓሊ ማዳኒዛደህ "እቲ ካብ ቀደሙ እንፈልጦ" ዝዓይነቱ ምላሽ፡ ክብል ኣቃሊሉዎ ኣሎ።
ንሱ፡ ኢራን "ንኹሉ ካብ ኣመሪካ ክብገስ ዝኽእል" እንተታት ምላሽ ንምሃብ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።
ቴህራን፡ እዚ ስጉምቲ ሓደሽ ነገር ከምዘይኰነ ብምግላፅ እያ፡ ክትምክቶ ምዃና ተሓንያ ዘላ።
እቲ ፖሊሲ ብመሰረቱ ሓድሽ ኣይኮነን።
ኢራን ንዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳታት ኣመሪካ እያ ፀኒሓ፡ ምስኣ ዝነግዳ ኩባንያታት ወፃኢ ከይተረፈ ግዳይ እዚ እገዳታት ኰይነን ፀኒሐን ኣለዋ።
ንቴህራን ዘገድሳ ሓደ ነገር ግን ኣሎ።
ዋሽንግተን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ነቲ እገዳታት ናይ ምፍፃም ዓቕማ ተጣልል ኣላ።
"ሎሚ፡ እንታይ ዝተፈለየ ነገር ክትገብር ትኽእል?" ዝብል ሕቶ እዩ ዘገድሳ።
ዋሽንግተን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ እገዳ ዘይተኻተተ መስመራት ሃሰስሰ ትብል ዘላ ትመስል።
ብፍላይ ድማ ንጎረባብቲ ቻይናን ኢራንን ዘሳትፍ መንገዲ ክትዓጽዎ እንተኽኢላ እቲ ጸቕጢ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ዓቢ ነገር እዩ። ምስ ካልኦት መሻርኽታን ዓበይቲ ኩበንያታትን ዘተናኽፍ እዩ ክኸውን።
ድሮ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ነቲ ሓድሽ እገዳ 'ዘይሕጋውን በይናውረን' ብምባል ብጽኑዕ ኰኒኑዎ ኣሎ።
እገዳ እንተ ዘይተዓዊቱኸ?
ዋሽንግተን ናብ ቁጠባዊ ጸቕጢ ተመሊሳ ዘላ፡ ካልኦት -ከም ወተሃደራዊ - ምርጫታታ ስለ ዝተፀንቀቑ ይመስል።
እዚ ሓድሽ እገዳ ዕውት እንተዘይኰይኑ ድማ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኢራን ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት ምሕጋዝ ከምእትጅምር፡ ቤሰንት ኣንፊቱ ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሰፍ ዘይብል ሓደጋታት ኣስዒቡ ኣሎ፤ ኢራን ጠለባት ኣመሪካ ክትቅበል ከገድዳ ኣይከኣለን።
እንተዀነ፡ ሕዚ'ውን ዋሽንግተን ንዲፕሎማሲ ብዙሕ ቦታ ዝገደፈት ኣይትመስልን።
ፓኪስታንን ካልኦት መንጐኛታትን፡ ነቲ ዝርርብ ዳግማይ ንመብጋስ ይጽዕሩ እኳ እንተሃለዉ፡ ኣመሪካ ግን ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ከም ዘይትፍፅም እንታይ ዘተኣማምን ኣሎ።
እዚ ሓድሽ ስግኣታት [እገዳታት] ድማ ነቶም ንሰላማዊ ፍታሕ ዝድግፉ ሰበስልጣን ኢራን ከዳኽሞም ይኽእል እዩ።
ቅድሚ እቲ ኲናት ቀደሙ'ውን ናይ ዓቕሚ ጸገም ነይሩዋ እዩ።
ልዑል ዋጋታት ንብረትን፡ ናይ ምግዛዕ ዓቕሙ ብቕልጡፍ እናደኸመ ዝመፅአ ዝነበረ ባጤራ ዝጥቀስ እዩ።
እቲ ውግእ ብ28 ለካቲት ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካን እስራኤልን ካብ ዝጅምር ንደሓር ድማ እቲ ቅልውላው ዝያዳ እናተጋደደ መጺኡ ኣሎ።
ምድካም ባጤራ ኢራን - ርያል፡ ብቕሉዕ እዩ ዝንፀባረቕ ዘሎ።
ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረት ዝያዳ ዋጋ ይሓትት፣ ትካላት ንግዲ ንህላወ ይቃለሳ፣ ሰባት ዝዓቘሩዎ ገንዘብ ድማ ዋጋ እናሰኣነ መፂኡ።
ኣብ ሰደድ ነዳዲ ዝግበር ገደብ፡ መንግስቲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ ዘለዎ ተበፃሕነት እውን ጐዲሉ ኣሎ።
ጓል 34 ዓመት ነጊን [ትኽክለኛ ስማ ኣይኰነን]፡ ሕጂ ወርሓዊ ኣታዊኣ ኣስታት 100 ዶላር ምዃኑ ትዛረብ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ናብ ሲነማ፡ ትያትር፡ ኮንሰርት ኣይከይድን እየ። ንዝኾነ ሰብ ህያብ ኣይገዝእን እየ። ኣብ ድግስ ልደት ኣይሳተፍን እየ። ስጋ ብናይ መንግስቲ ድጋፍ [ቮቸር] ጥራይ እየ ክገዝእ ዝኽእል፤ እንተዘይኮይኑ፡ ኣይምኸኣልኩን።"
ክልተ ቈልዑ ዘለዋ ብዓልቲ ቤት ሞና፡ ብዓል ቤታ ካብ መጀመርታ ኲናት ጀሚሩ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝነበረ ትዛረብ።
ወሲኻ ድማ፡ "ብፍላይ ድሕሪ እቲ ትማሊ ዝጀመረ እገዳ ፍርሒ ይስምዓና ኣሎ። ካብቲ እዋን ኲናት ጀሚሩ፡ ሰብኣየይ ናብ ስራሕ ኣይተመልሰን። ኣብ መራኽብ ይሰርሕ ነይሩ።"
"ብዝከኣለና ወጻኢታትና ከንንኪ ንጽዕር ኣለና፡ ብርግጽ ግን ንኹሉ ተወሳኺ ወጻኢታትናን ንኣሽቱ ክቡራት መጋየፅቲ ክንገድፍ ተገዲድና ኣለና" ትብል።
ትፅቢታት ኢራን
ኢራን፡ እቲ ኩነታት ኣንጻር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ይኸውን ከምዘሎ ክትኣምን ትኽእል እያ።
ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተወሳኺ ምዝንባዕ ንዋጋ ነዳድን ጋዝን ክውስኽ፡ ንዋጋታት ንብረት ኣመሪካ ክውስኽን ቅድሚ እቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መፋርቕ መረፃ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ጸገም ክኸውንን ይኽእል።
እዚ ቴህራን እትፅበዮ ፍሉይ ዕለት'ዩ፤ ኣብ መረፃ ኣመሪካ ምድራኽ ግን ቁማር እዩ።
ቁጠባ ኢራን ክሳብ ሽዑ ኣዝዩ ክደክም ይኽእል እዩ። ልዕሊ'ቲ ማእከላይ - እብረ መረፃ ድማ ካልእ ጸገም ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ 2028 ዳግማይ ክምረጽ ኣብ ዘይደለየሉ እዋን፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወጽእ ዘሎ ምምሕዳሩ እዚታት ዘይከገድሶ ይኽእል እዩ።
ነቲ ምስ ኢራን ዝገብሮ ዘሎ ምግጣም ንምቕጻል፡ ዝሃቶ ወጻኢታት ብዘየገድስ፡ ዝያዳ ናጽነት ዘለዎ ኮይኑ ክስምዖ ይኽእል እዩ።
ኢራን እምበኣር ክልተ ኣንፈታት ትከታተል ኣላ።
እቲ ሓደ ፖለቲካዊ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ዋሽንግተን ዘሎ እዩ። እቲ ካልእ ቁጠባዊ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ኢራን ዘሎ እዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝወሓደ ሰደድ ነዳዲ፡ ምዝንባዕ ንግድን ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ርያልን ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ስምምዕ ምጽባይ ዝያዳ ክቡር ይገብሮ።
እዚ ድማ፡ ንመራሕቲ ኢራን ንኸቢድ ኣማራፂታት ኢዶም ክህቡ ከገድዶም ይኽእል እዩ።
ሕጂ ሕድገታት ምግባር፡ ኢድካ ምሃብን ዋሽንግተን ተወሳኺ ጥራይ ክትሓትት እዩ ዝገብራ ዝብል ሓደ ስግኣት እዩ። እዚ እቶም ኣኽረርቲ መራሕቲ ዘሰገሙዎ እዩ ክኸውን።
ስትራተጂ ትራምፕ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ፀቕጥታት ዝገጥሞ እንተዀይኑ፡ ኣፅቂጥካ ምፅናሕ ንዓቕሚ ምድርድራ ኢራን ከማሓይሽ ይኽእል እዩ።
ቴህራን ግን ድሒራ ክትደራረደር እንተዀይና፡ ምናልባት ኣብ ሞት ቁጠባ ቈይማ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ስለዚ፡ እቶም ካብ ኢራን ወጻኢ ዝዀኑ ፍፃመታት ኣዝዮም ወሰንቲ እዮም።
ዋሽንግተን፡ ንቻይናውያን ባንክታት፡ ዞባዊ ንግዳዊ መሻርኽትን ኩባንያታትን ክትቀጽዖም እንተጀሚራ፡ ንድሕሪት ክስሕቡ ተኽእሎ ኣሎ።
ስለዚ፡ ጐስጓስ ቤሰንት ንሓሳብ ቴህራን ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተዘይኰይኑ ድማ፡ ብኣንጻሩ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
እቶም ኣንጻር ልዝብ ዝቘሙ ኢራናውያን፡ ዋሽንግተን ሚዛን ከይቀየረት፡ ካልእ ኣገዳሲ ካርድ መዚዛ ብዝብል ህልኽ፡ ኢራን ምጽባይ ወይ ምቅዋማ ክትቅጽል ኣለዋ ክብሉ እዮም።