ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝቐተሉ ሰብመዝን ነበርትን ተዛሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናትን ነፍሰጾርራትን ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርትን ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ቡለን ጣብያ ኩጂ ብቐዳም 13 ሕዳር 2018 (ግእዝ) ከም ዝፈጸሙዎ እዩ ዝግለጽ።
ኣመሓዳሪ ወረዳ ቡለን ኣቶ ነመራ ማሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ መጥቃዕቲ 36 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ክገልጽ እንከሎ፡ ምሊሻታት ናይቲ ከባቢ ድማ ብሰንበት 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ንሕክምና ናብ ቡለን ዝኸዱ ክልተ ሰባት ድማ ብሰንበት ከም ዝሞቱን ገሊጾም።
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ወረዳታት ቡለንን ወንበራን ዘጠቓልል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሽናሻ ወኪል ዝዀነ ዶክተር መብራቱ ኣለሙ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰንበት ሰዓት 11፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ከም ዝተፈጸመን ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሓቢሩ።
ዶክተር መብራቱ፡ ኣብ ከተማ ኩጂ፡ "ነበርቲ ደቂሶም እንከለዉ ዕጡቓት ኣትዮም ተዅሲ ከም ዝኸፈቱ"፡ ነበርቲ ድማ "ብስንባደ ክወጽኡ እከንለዉ ኣብ ዝረኸቡዎም ተቐቲሎም፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦን ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ስድርኡ ዝተቐትሎን ውልቀሰብ፡ እቶም ዕጡቓት 41 ሰባት ከም ዝቐተሉ ከም ዝፈልጥ ገሊጹ።
እቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምቝሳሎም ዝሞቱ ሓዊሱ ኣስታት 42 ነበርቲ ከም ዝሞቱ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰበስልጣንን ይሕብሩ። እንተዀነ፡ ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን።
ዶክተር መብራቱ፡ "31 ሬሳታት ቈጺረ ንዝበለ ሰብ ኣዘራሪበ'የ፡" ብምባል፡ እቶም ግዳያት፡ "ኣብ ገዝኦምን ኣብ ጐደናታትን፡" ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ፡ "ካብ ሓደ ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦምን ነፍሰጾራትን፡" ዝርከቡዎም ግዳያት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።
ይዅን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ልዕሊ 40 ሰባት ዝተቐትልሉ መጥቃዕቲ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ይዅን መንግስቲ ፈደራል ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ሰበስልጣንን፡ እቲ መጥቃዕቲ በቲ ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ፡ መንግስቲ ግን 'ሸኔ' ኢሉ ዝጽውዖ ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም።
እቲ ባይቶ እታ ሃገር ጕጅለ ራዕዲ ኢሉ ዝፈረጆ ዕጡቕ፡ ብዛዕቲ እቲ ቅትለት ይዅን መጥቃዕቲ ዛጊት ዝዀነ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ካብቲ ጕጅለ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተን።
መንግስቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ናይቲ ክልል ምሊሻ፡ ፖሊስ፡ ሓይልታት ኣድማ ብተና ብምውፋር ኣንጻር እቲ ጕጅለ ወፍሪ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ከም ዝተፈጸመ ኣመሓዳሪ ወረዳ ቡለን ኣቶ ነመራ ሓቢሩ።
እቲ ከባቢ ወትሩ ኣብ "ሓደጋ" ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ኣመሓዳሪ፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ጣብያታት እታ ወረዳ "ሓሙሽተ፡ ሸውዓተ፡ ዓሰርተ ኪሎሜተር ርሒቖም፡" ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ኣመሓዳሪ፡ እቶም ዕጡቓት ንጣብያታት ወረዳ ቡለን እኳ እንተ ዘይተቘጻጸሩ፡ ኣብ ጐረባብቲ ወረዳታት ግን ካብ 4 ክሳብ 12 ጣብያታት ተቘጻጺሮም ኣለዉ።
ይዅን'ምበር ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዶክተር መብራቱ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ወረዳታት ድባተ፡ ወንበራን ቡለንን ዝተወሰኑ ከባቢታት ካብ ዝቈጻጸሩ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቝጺሮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ምምሕዳር ወረዳ ነቲ ከባቢ ካብ ስግኣቶም ንምእላይ ወፍሪ ምስ ጀመረ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ እቶም ዕጡቓት ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝረኸቡ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ከበቢ ተዋፊሮም ምህላዎም ዝገልጽ እቲ ኣባል ባይቶ፡ እቶም ዕጡቓት ገና ሕጂ'ውን ከም ዘይርሓቑ ሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
