ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጸሕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ ሓቢሩ።
ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ርክብ ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ኲናት ትግራይን ጉዳያት መሰጋገሪ ፍትሒ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ሰብኣዊ ረዲኤትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ቀረባትን ምብጻሕን ሰብኣዊ ደገፍ፡ ውሕስነት መግቢን ሰባዊ መሰላትን ክላዘብ'ዩ።
እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን፡ ኣብቲ ካብ ሰሉስ ክሳብ ዓርቢ ዝጸንሕ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ናብ ሃገረ ኒጀር ክበጽሕ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ብምርኻብ ዓለምለኻዊን ዞባውን ጉዳያት ብምልዓል ክዝቲ መደብ ከም ዘለዎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ፡ ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ ጻዕርታት ከተካይድ ምጽንሓን፡ ኣብ ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ግደ ከም ዝተጻወትትን ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, REDWAN HUSSIEN/TWITTER
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዝምድና እናሓርፈፈ'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።
ኣመሪካ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ምእታውን፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ተሓሪምዎ ብምንባሩ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ጸቕጢ ትገብር ምንባራ ይዝከር።
ገለ ካብቲ ዝወሰደቶ ተሪር ስጉምቲ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ፍርያታ ብናጻ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ዘፍቅድ ስምምዕ ኣጎዋ ምእጋዳ እዩ።
"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋንን መሰጋገሪ ፍትሒ ንምድንፋዕን፡ ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክመያየጥ" ይብል እቲ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጽአ መግለጺ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ ግን፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እናተመሓየሸ ይመጽእ ኣሎ።
ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ተዓዲሙ ተሳቲፉ ነይሩ።
ብሊንከን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕ ዘሎ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን እዩ።
እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ክልተ ግዜ ናብታ ኣህጉር ዑደት ብምክያድ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት በጺሑ ነይሩ'ዩ።
"እቲ ጸሓፊ [ጉዳያት ወጻኢ]፡ ኣፍሪካ ኣብ ዓለምለኻውያን ውድባት ቀዋሚ ውክልና ክህልዋ ኣመሪካ ዘለዋ ጽኑዕ ደገፍ" ደጊሙ ከረጋግጽ ምዃኑ እቲ ሎሚ ዝወጽአ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኣመሪካ፡ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ጽልዋ ቻይናን እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ተገዳስነት ሩስያን ንምግታእ ዝዓለመ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ጀሚራ ከም ዘላ ይንገር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
