ጌታቸው ረዳ: ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝነበሮም ርክብ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 3 ጥሪ፡ መራሕቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ምዝታዮም ይዝከር።
ኣብቲ ኣብ ክልል ደቡብ ዝተኻየደ ዘተ ብወገን መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ተወኪሎም ስምምዕ ሰላም ዝተፈራረሙ ኣካላት እዮም ተራኺቦም።
መራሒ ጉጅለ ተዛተይቲ ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ንማዕኸናት ዜና ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ብዛዕ'ቲ ዝነበሮም ፃንሒትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣልዒሉ ተዛሪቡ ኣሎ።
“ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ሰለስተ ወርሒ መሊእዎ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ዝኸድናዮ ርሕቐት እንታይ ይመስል? እንታይ ይጎድል፤ እንታይ ፀገማት የጓንፉና ኣለዉ፤ ብኸመይ ንፍትሓዮም ኣብ ዝብል ገምጋም ንምግባር ዝዓለመ መድረኽ እዩ ነይሩ” ይብል ኣይተ ጌታቸው።
ጉዳይ ሰራዊት ኤርትራ
ኣብ ኲናት ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተሰለፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍፃም ዝኽሰስ ኮይኑ፡ ነቲ ምፍራም ውዕል ሰላም ስዒቡ፡ ካብ ትግራይ ንኽወፅእ ብማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክግበረሉ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።
እዚ ጉዳይ ኣብቲ ዘተ ከምዝተልዓለ ዘመልከተ ኣይተ ጌታቸው፡ “ብውሑድ ከም ኣሃዱታት ካብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ትግራይ ወፂኦም እዮም። ሕዚ’ውን ዘይወጽኡሎም ከባብታት ግን ኣለዉ” ኢሉ።
“ብዝተወደበ መንገዲ ዝንቀሳቐሰሎም ከባብታት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ዘተ’ውን ኣቕሪብና ኢና። ንኽወፅኡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ቀሪቡሎም እዩ። ኣብ ዝወፅኡሉ ድማ ‘ብሰላም ንኽወፅኡ ምድላው ጌርና ኢና ኣፋኒናዮም’ ዝብል እዩ ተነጊሩና” ክብል ገሊፁ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ እዚ ምውፅእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ገሊኡ ከባብታት በቶም ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቖሞም ተቖፃፀርቲ ኣካላት ተረጋጊፁ ኣሎ።
ይኹን እምበር ኣብ ገለ ከባብታት ሕዚ’ውን እትው ውፅእ ምባል ከምዘሎን መሊእኻ ክፍጸም ከምዝግባእን ብምጥቃስ “ብፍላይ ኣብ ከባብታት ኣድያቦ ከምኡ ድማ ኢሮብ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ብምዃኑ ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ኣብዚ ከባብታት ዶብ ናይ ምሕላው ስራሕ መሊኡ ክሰርሕ ተረዳዲእና ኣለና” ክብል ሓቢሩ።
ኣብ ኢሮብ ምሉእ ብምሉእ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኽኣትው ኣብቲ ዘተ ከምዝተረዳድኡሉ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ'ሎ።
“ብሓፈሻ ግን ኣብቲ ዝገበርናዮ ዘተ ምስ ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ብዝተሓሓዝ ዝተወገነ ዘተባብዕ ስራሕ ከምዘሎ ኢና ርኢና። ብተመሳሳሊ ሓይሊታት ኣምሓራ እውን ካብ ብዙሕ ከባብታት ክወፅኡ ዝተገበረሉ ኩነታት ኣሎ። ግን ድማ ኣብ ከባቢ ፀለምቲ፣ ምዕራብ ትግራይ፣ ውሱናት ከባብታት ደቡብ ትግራይ መሊኡ ዘይተሰርሐ ስራሕ ከምዘሎ ንረዳዳእ ኢና” ኢሉ።
እቲ ኣብ ፕሮቶርያን ኣብ ናይሮቢን ዝተፈጸመ ውዕል፡ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ዕጥቂ እንተረክቡ፡ ካብ ሰራዊት ፌዴራል ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ'ቲ ክልል ክወጽኡ ከምዘለዎም ይእዝዝ።

ምንጪ ስእሊ, EBC/FACEBOOK
በጀትን ጉዳይ ምጥያሽ ጊዚያዊ መንግስትን?
ንኣስታት ክልተ ዓመት ተዓፅዩ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ባንኪ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ’ኳ እንተተብሃለ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገንዘብ ከውፅኡ ከምዘይከኣሉ እዮም ዝሕብሩ።
ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ዘተ እዚ ጉዳይ ከምዝዘተየሉ ዝሓበረ ኣይተ ጌታቸው “ባንክ ናብ ኣገልግሎት ከምዘይተመለሰ ኢና ንቖፅሮ። ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ዝገበርናዮ ዘተ ናብ ትግራይ ገንዘብ ብምልኣኽ ባንክታት ናብ ኣገልግሎት ንኽምለሳ ተወሲኑ’ሎ” ክብል ኣረዲኡ።
በጀት ክልል ትግራይ ክልቀቕ ዝብል ሕቶ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዘቕረቡ ኮይኖም ብመሰረት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈጸመ ውዕሊ ሰላም ኣብ ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ምግባር ብቐዳምነት ክውገን ዘለዎ ተግባር ምዃኑ ዘትዮምሉ እዮም።
“ኣብ ሞንጎና ሙሉእ ምትእምማን ተፈጢሩ ኣሎ ኢልካ ምውሳድ ኣይከኣልን። ሰፊሕ ዘይምትእምማን እዩ ዘሎ። ስለዚ ‘ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናይ ግዚያዊ መንግስቲ ጉዳይ እንተወዲእኩም በጀት ብቕልጡፍ ክንለቀልኩም ኢና’ ዝብል ድልውነት ኣሎ” ኢሉ ኣይተ ጌታቸው።
ወሲኹ ድማ፡ “ንህዝብና ዝረብሕ ምትዕርራያት ክንገብር ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ንኹሉ ዘሳተፈ ስራሕ ብምስራሕ ግልፅነትን ተኣማንነትን ብዘለዎ መገዲ ነዚ ክንሰርሕ ኢና። ስለዚ ናይ በጀት ሕቶ ኣይተመለሰን ዘሎ፤ ምኽንያቱ ድማ ናይ ጊዚያዊ መንግስቲ ጉዳይ ከም ሓደ ቅድመ ኩነት ስለዝተቐመጠ እዩ” ክብል ኣረደኡ።
ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዘካየድዎም ፅዑቓት ኣኼባታት “ንኹሉ ዘሳተፈ ናይ ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ ንሰርሕ ኣለና” ክብሉ ዝስምዑ ዘለዉ ኮይኖም፡ ብዙሓት ነዚ ከይዲ ዝቃወሙ ኣካላት ግን ሕዚ’ውን ህወሓት ዝደልዮ መንግስቲ የቕውም ምህላዉ ክነቕፉ ይስምዑ።
ክልከላ ሸቐጣት
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ፅዒነን ዝጓዓዛ ዝነበረ ብኣማኢት ዝቑፀራ መኻይን ኣብ ከባቢ ቆቦ ከምዝተዓገታ ዘመልክቱ ፀብፃባት ይስምዑ ኣለዉ።
ቴለቪዥን ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝዘርግሐቶ ነዚ ዝምልከት ፀብፃብ “ሸቐጣት ዝፀዓና ልዕሊ 300 መኻይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ተዓጊተን” ክትብል ሓቢራ ነይራ።
እዚ ጉዳይ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝተዘተየሉ ኣይተ ጌታቸው ኣብ መግለፂኡ ሃቢሩ’ሎ
“ሸቐጣት ዝፀዓና መኻይን ከይኣትዋ ዝኽልከለሉ ኩነታት ከምኡ’ውን ኣብ ብዙሕ ከባብታት ተወሳኺ ቀረፅ ምሕታት ኣሎ። ስለዚ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ኢዱ ሓዊሱ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ክገብር ተረዳዲእና ኣለና” ኢሉ።
ምምላስ ተፈናቐልትን ነባር ምምሕዳርን
ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ሚልዮናት ንኸቢድ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ተቓሊዖም ይርከቡ።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተፈናቒሎም ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ኣዕቊቦም ዘለዉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ድማ ኣብ ሕሱም ኵነታት ከምዝርከቡ ይግለጽ።
እዞም ኣብ ከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ናብ ዝነበሩሎም ከባብታት ብዛዕባ ዝምለሱሉ ኩነታት ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝተዘራረበሉ ዝሓበረ ኣይተ ጌታቸው “ናይ ዞባን ወረዳታትን ኣመሓደርቲ እውን ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ቕነ ኣመሓደርቲ ናብ ከተማታት ኣኽሱምን ሽረን ክምለሱ ዝተገበረ ኮይኑ ካብ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝተመልመሉ ፖሊስ እውን ናብተን ከተማታት ተመዲቦም ኣለዉ።
“እቲ ዝነበረ ምምሕዳር ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ግዚያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝጣየሽ ስርሑ ክቕፅል ክግበር እዩ። ተፈናቐልቲ እውን ናብ ቦትኦም ክምለሱ ኣለዎም። ግን ድማ ኣብ ገሊኡ ከባብታት ሕዚ ብቐጥታ ክምለሱ እንተተገይሩ ኣብ ሓደጋ ክወድቁሉ ዝኽእሉ ኩነታት ስለዘሎ ተወሳኺ ስራሕ ዝጠልብ እዩ” ኢሉ ኣይተ ጌታቸው ኣብ መግለፂኡ።
ወሲኹ “ዘይስሩዕ ዕጡቓት ኣብ ዝዕንድሩሉ ኩነታት ንተፈናቐልቲ ኣብ በቢቁሸቶም ወተሃደራት ደው ኣቢልካ ክትመልሶም ከቢድ ስለዝኸውን ምስ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ምስ ካልኦት ኣካላት ሓቢርካ ብምስራሕ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ኽምለሱ ክግበር ምርድዳእ ጌርና’ለና” ኢሉ።
ኣይተ ጌታቸው ከምዝበሎ፡ እቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዘካየድዎ ዘተ “ብፅቡቕ ምርድዳእ” ዝተወደእ ኮይኑ፤ ንዝተወሃቡ ኣንፈታት ብምፍፃም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን መሊሶም ክራኸቡ እዮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
