እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ: ውሩይ ደራፋይ ቦብ ጌልዶፍ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪቱ
ኣየርላንዳዊ ሰር ቦብ ጌልዶፍ ብሰንኪ ኲናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናዎም፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንዝበኾሩ ተምሃሮ ንምሕጋዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪቱ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ክልተ ሚልዮን ብር ዝተዓደጉን ን10 ሽሕ ተምሃሮ ዘገልግሉን ምሉእ ናውቲ ትምህርቲ ብገባር ሰናይ ትካል ኣይስ ኣቢሉ ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ በጺሑ ኣሎ።
እቲ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ወረዳታት እንደርታን ሕንጣሎን ንዝርከባ ኣስታት 20 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓዲሉ።
ኣብ ጽምብል እቲ ምርኽኻብ ናውቲ ተረኺቦም ነቲ ናውቲ ንቢሮ ትምህርቲ ዘረከቡ ኣመሓዳሪ ትካል ገባር ሰናይ ኣቶ ብስራት መስፍን፣
"ህጻናት ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱን ብጠንቂ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ፡ ዓቕሚ ዘይብሎም ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይፍለዩን፡ ዘድልዮም ናውቲ ትምህርቲ (ንነፍሲወከፍ) ንምምላ፡ ትካልና ገባሪ ሰናይ ኣይስ/EYES) ነቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ብቢሮ ትምህርቲ ኣቢሉ ብቐጥታ ንወከልቲ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣረኪቡ ኣሎ" ኢሉ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ "ንእሽተይ ድጋፍ ዝበሃል የለን። ሓንቲ ደብተር ንሓደ ተምሃራይ ናይ ህይወት መስመር ናይ ምቕያር ተኽእሎ ኣለዋ፤ ነታ ደብተር ብምርካቡ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸይድ ህጻን ክህልወና እዩ። ስለዚ ነቲ ዝተገበረልና ድጋፍ ነመስግን፤ ካብ ሰር ቦብ ጌልዶፍ ምዃኑ ድማ ልዑል ትርጕም ኣለዎ" ብምባል ተዛሪቦም።
ካብ ወረዳ ሕንጣሎ ቤት ትምህርቲ ሓድሽ ዓዲ ነቲ ሓገዝ ክርከባ ዝመጻ መምህርት በላይነሽ መለስ፡ እቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገጠር ወለዲ ብሕጽረት ዓቕሚ ደቈም ናብ ትምህርቲ ንኽልእኩ ዓቢይ ድጋፍ ከምዝኸውን ገሊጻ።
መምህርት በላይነሽ፡ ክንዲ ዝድለ ኣይዅን እምበር ትምህርቲ ተጀሚሩ ከምዘሎን፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ 5 ክሳብ 8 ተምሃሮ ጥራይ ከምዝኣቱ ጠቒሳ፡ ናውቲ እንተተረኺቡ ግን ቍጽሪ ተምሃሮ ክውስኽ ተስፋ ከምዘሎ ገሊጻ።
ኣቶ ብስራት መስፍን ብተወሳኺ፡ "ፈታዊኻ ንምፍላጥ፡ ቍርፂ እዋን ተፀበ" ከምዝበሃል፡ ኣብ ታሪኽ፡ ፈታዊ ህዝብና ዝዀነ ሰር ቦብ ጌልዶፍ፡ እቲ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር ኣዚዩ ዝነኣድ ምዃኑ ገሊጹ።
ገባር ሰናይ ትካል ኣይስ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኰይኑ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ወረዳታት እንደርታ: ሕንጣሎ ወጀራትን 12 ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናጽ ናውቲ ትምህርቲ ብምምላእ ንህዝቢ ከምዘረከበ ኣቶ ብስራት ኣዘካኺሩ።
እንተዀነ ብሰንኪ ኲናት ናውቲ ትምህርቲ ተዘሪፉ እተን ኣብያተ ትምህርቲ እውን ዕንወት ኣጋጢሙወን እዩ።
ኣብያተ ትምህርቲ መሰረት ኵሉ ሞያ ምዃነን ብምእማን ትምህርቲ ንምርብርባር፡ ትካል ኣይስ ምስ ገበርቲ ሰናይ ውልቀሰባትን ትካላትን ብምትሕብባር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣቶ ብስራት ይገልጽ።
ሰር ቦብ ጌልዶፍ ኣብ ኢትዮጵያ ብ1977 [ግእዝ] ኣብ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ "ባንድ ኤይድ" ብዝብል ስያመ ዘቘሞ ጕጅለ ሙዚቃ ብጥሜት ንዝተሃስየ ህዝቢ ከምዝረደአ ብታሪኽ ይዝከር።