እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሕዚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምተመረቕኩ ነይረ' -ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፀአ ተምሃራይ
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ሞንጐ ዝወሰዱ ተመሃሮ፡ ልዕሊ 66 ሚኢታዊት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ውጽኢት ከም ዘምጽኡ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
እቲ ፈተና ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ከም ዝተዋህበ ዝዝከር ኰይኑ፡ ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ እቲ ውጽኢት ዕላዊ ዀይኑ ኣሎ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ ፈተና (ማትሪክ) ካብ ዝወሰዱ ተመሃሮ ካብ 50 ሚእታዊት ንላዕሊ ውጽኢት ዘመጽኡ 3.2 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኖም ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ምግላጹ ይዝከር።
ኣብቲ ብዙሓት ተማሃሮ ዝወደቑሉ ፈተና፡ ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝገበት ተማሃሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ኰይና 649 ካብ 700 እያ ኣመዝጊባ ነይራ።
መብዛሕትኦም ተመሃሮ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ዝዀኑ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ልዕሊ 600 ብምምጻእ ከም ዝሓለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ውጽኢት ናይቲ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝተወሃበ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ኣዘራረቢ ዀይኑ ዝርከብ ኰይኑ፡ ሚኒሰተር ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ዛጊድ ብዛዕባ እዚ ውፅኢት ዕላዊ መግለፂ ኣይሃበሉን።
ኣዘራራቢ ልዑል ውፅኢት
ተመሃራይ ሙሴ ኪዳነን ተመሃራይ ክንደያ ኣርኣያን ተመሃሮ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ’ዮም፤ ክልቲኦም እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዘፈተኖም 106 ተመሃሮ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት ብምምጻእ ፈተና 12 ካብ ሞንጐ ዝሓለፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኣለው።
ተመሃራይ ሙሴ፡ ካብ ዝወሰዶም 7 ዓይነታት ትምህርቲ 657 ነጥቢ ብምምጻእ ክሳብ ሕጂ ብሃገር ደረጃ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽአ ተመሃራይ ክኸውን እንከሎ፡ ክንደያ ኣርኣያ ብወገኑ 655 ብምምጻእ ይስዕብ።
ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19ን ዝሰዓበ ኲናትን ተማሃሮ ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣጓጒሎም ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ዕንወትን ኣስዒቡ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሰንኩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቈልዑ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ከም ዝበዀሩን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ትምህርቲ ከም ዝተሓረሙን ጸብጻባት ይገልጹ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝሞቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ንስድራቤታት ኣብ ዝንገረሉ ዝነበረ እዋን እዩ እቲ ሃገራዊ ፈተና ተዋሂቡ።
እዚ ድማ ኣብ ስነልቦና እቶም ተፈተንቲ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ካልእ ብድሆ ከምዝነበረ እቶም ልዑል ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ንቢቢሲ ይዛረቡ።
ኣብ ካልእ ክፋላት ኢትዮጵያ 3.2 ሚእታዊት ጥራይ ምሕላፎም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብቶም ኣብ ትግራይ ነቶም ብድሆታት ተጻዊሮም ዝተፈተኑ ተማሃሮ ኣስታት 67 ሚእታዊት ናብ ዩንቨሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ምርካቦም ንብዙሓት የዘራርብ ኣሎ።
‘ብሓቦ ተፈቲነ’
ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዑል ውጽኢት ሒዙ ዝርከብ ሙሴ ኪዳነ፡ "እቲ ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ" ክብል ይዝክር።
ኣብቲ እዋን ብሰንኪ መርድእ ኣብ ትግራይ ሓዘን ኣንጸላልዩ'ኳ እንተነበረ፡ ዝተሰምዖ ሓዘን ተጻዊሩ "ብዝተኸኣለኒ ክሰርሕ" ኣለኒ ኢሉ'ዩ ወሲኑ።
ካብቲ ዘስካሕክሕ ኵነታት ብዕድል ከም ዝተረፈ ዝገልጽ ክንደያ ብወገኑ፡ “እቲ ኣብ እዋን ኲናት ዘማዕበልክዎ መንፈስ፡ ሕማቕ ጸገም ናብ ዕድል ክቕየር ይኽእል እዩ ዝብል መንፈስ ሓጊዙኒ ብሓቦ ተፈቲነ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት ከይዲ ትምህርቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ንፈተና ምድላዋት ንምግባር “በስሩ’ውን ክሕሰብ ኣይኽእልን” ይብል።
ብዙሓት መናእሰይ ካብዛ ዓለም ኣብ ዝፍለይሉ ዝነበሩሉ ኵነታት “ኣብዚ ዕድመይ እንታይ ኰን ክዀን’የ?” ካብ ምባል ሓሊፉ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝሓስበሉ ግዜ ከም ዘይነበረ’ዩ ዘረድእ።
ይኹን እምበር፡ የግዳስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ምስ ዝርከቡ ንፉዓት ተማሃሮ ብዝገበሮ ጽቡቕ ምትሕብባር “ከንብብን ከጽንዕን ኣብ ዝኸኣልኩሉ እዋን እናጽናዕኹ፡ ክሳብ እቲ ፈተና ዝወሃብ ብዝከኣለኒ ተዳልየ’የ” ብምባል ኣብ ሓጺር እዋን ብዝገበሮ ምድላው ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽእ ከም ዝኸኣለን ይገልጽ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝሞቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ንስድራቤታት ዝንገረሉ እዋን ብምንባሩ ድማ እቲ ውጽኢት ክረክብ ትጽቢት ከም ዘይነበሮ ሓቢሩ።
ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሃቡ ናይ 12 ክፍሊ ፈተናታት ኣስታት 96 ሚእታዊት መሕለፊ ነጥቢ ከምጽኡ ዘይምኽኣሎም ተገሊጹ ነይሩ። ብዙሓት ተመሃሮ ወዲቖም ክበሃል ከሎ ኣብ ተፈተንቲ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝህሉ ኣየካትዕን።
“መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ተማሃሮ ይወድቁ ከም ዘለዉ ክንሰምዕ ከለና ንሓዝን ነይርና፤ ብወገንና ግና ጥርጣረ ኣይነበረናን። ኣብ 10ይ ክፍሊ ብሉጻት ተማሃሮ ስለ ዝነበርና፡ ከምኡ ከጋጥመና’ዩ ዝብል ፍርሒ ኣይነበረናን” ብምባል እቲ ኣብ ካልእ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተረኣየ ውፅኢት ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘየሕደረሎም ኣብሪሁ።
ክንደያ ዝባኸኑ ኣርባዕተ ዓመታት ክሓስብ ከሎ “ሕዚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ክምረቕ ነይረ፡ እዚ ግን ተሰናኺሉ ጸኒሑ’ሎ” ይብል።
እቲ ውጽኢት ብኸመይ ኢሉ ክርከብ ክኢሉ?
ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖም ካብ ሞንጐ ዘፈተኖም 53 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 106 ተመሃሮ፡ ናይቶም 98 ተመሃሮ ውጽኢት ከም ዝበጽሖን ካብዚኦም እቶም 12 ተመሃሮ ልዕሊ 600 ነጥቢ ከም ዘምጽኡን ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ኣቶ ጸጋይ ገብረመድህን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ናይቶም ዝተረፉ ሸሞንተ ተመሃሮ ውጽኢት ይጽበዩ ከም ዘለው ዝገልጽ ኣቶ ጸጋይ፡ ካብዚኦም ልዕሊ እቲ ሕዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት ዘምጽኡ ተመሃሮ ክህልው’ዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ጠቒሱ።
ኣብ ትግራይ እቶም ኣብ 2020 ፈተና ክወስዱ ዝነበሮም ግን ድማ ብሰንኪ ኮቪድ-19ን ኲናትን ዝተኣጓጎሉ ተምሃሮ፡ ድሕር ኣርባዕተ ዓመት እዮም እቲ ፈተና ወሲዶም።
ብፍላይ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ስድርኦም ናብ ዝርከብሉ ከባቢ ምኻድ ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ኰይኖም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዘሕለፉዎ’ዮም ዝዛረቡ። እቲ ፈተና ንምድላው ግን ዝምችእ ኵነታት ኰነ ስነ ልቦናዊ ምድላው ከም ዘይነበረ እቶም ተመሃሮ ይዛረቡ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ሕጂ ዝተመዝገበ ውጽኢት ተመሃሮ ከመይ ኢሉ ክርከብ ክኢሉ ክንብል ንሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ተወኪስና።
እቲ ዶክተር ከም ዝብሎ “እቲ ዘሕለፍዎ ዘስካሕክሕ ዓመታት ክሕርኑ ገይርዎም” እዩ።
ካልእ ምኽንያት ድማ ዕድመ እቶም ተማሃሮ’ዩ፤ “ወዲ 17ን 18ን ዓመት ኰይንካን ወዲ 22 ዓመት ኰይንካን ህይወት እትርደኣሉ መንገዲ’ውን ይፈላለ’ዩ” ብምባል እቶም ተማሃሮ ነገራት ናይ ምርዳእ ዓቕሞም ከም ዝወሰኸ እቲ ዶክተር ይገልጽ።
እቶም ተማሃሮ “10 ክፍሊ ማትሪክ ተፈቲኖም ልዑል ነጥቢ ኣምጺኦም ናብ መሰናድኦ ዝሓለፉ” ምኻኖም ብምጥቃስ ድማ እቲ ውጽኢት ዘገርም ከም ዘይኰነ ይሙግት።
ቀጻሊ መደባት
ካብተን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ እተን 2492 ኣብያተ ትምህርቲ ብኽፋልን ሙሉእ ንሙሉእን ከም ዝዓነዋ ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ የረድእ።
እተን ዝተረፋ'ውን ዛጊድ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ኰይነን ኣለዋ።
ብተወሳኺ ዝተቐትሉ፣ ዝተሰውኡ፣ ዝቘሰሉ፣ ዝተሰደዱ፣ ስራሕ ዝቐየሩ፣ ዝተመዛበሉ ልዕሊ 14 ሽሕ ናብ ስርሖም ዘይተመልሱ መምሃራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ፣ ሓይሊ ሰብን ኣብያተ ትምህርትን ዓንዮምን ደስኪሎምን ብምጽንሖም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓሙሽተ መሰረታዊ ነገራት ትኹረት ገይሮም ይሰርሑ ከም ዘለው ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ “ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርቲ ቅልጡፍ ናይ ምሕዋይ ስራሕቲ ምስራሕ” እዩ ይብል። ሓደሽቲ ኣብያተ ትምህርቲ ምህናጽ’ውን ከም ዘድሊ ይጠቅስ።
ሓይሊ ሰብ ምምሕያሽ እውን ካልእ ትኹረት ዝተወሃቦ መሰረታዊ ነገር’ዩ። ቁጽሪ መማህራን ኣብ ዝቐነሰሉ እዋን ብኣንፃሩ ቁጽሪ ተማሃሮ ይውስኽ ከም ዘሎ ብምግላጽ ኣብ ሓይሊ ሰብ ምስራሕ ከም ዘድሊ ይዛረብ።
ሳልሳይ መሰረታዊ መደብ፡ ድሕነት መማህራን ዝምለከት’ዩ። “እቶም ዘለዉ መማህራን ብስነልቦናን ቁጠባዊን ዝተሃሰዩ እዮም፡ ዝተደፈራ መማህራን ኣለዋና ከቢድ ማህሰይቲ ዝበጽሐን። ስለዚ ብስነልቦናን ብቁጠባዊን ክሓውዩ ኣለዎም” ብምባል ኣብዚ መዳይ ዓብዪ ስራሕ ከም ዝጽበዮም የኣንፍት።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዶክተር ኪሮስ፡ እቲ ጽልዋ ንዓበይትን ዕሸላትን ዝጸሉ ምዃኑ ይገልጽ። “ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ብርኪ ትምህርቲ እናተኻየደ ክሳዕ 2018 ብዝተወሰነ እቲ ዝባኸነ ግዜ ንምክሕሓስ” ራብዓይ መሰረታዊ ነገር ምዃኑ ይገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረን ቴክኖሎጂ ከም ዝዓነወን “ነዚ ክትክእ ዝኽእል ቴክኖሎጂ” ምርካብ ከም መደብ ዝተተሓዘ ምዃኑ እቲ ዶክተር ይሕብር።
“እዚ ድሌትና እዩ፡ ሓሳብና እዩ። እዚ ንምትግባር ጸጋታት፣ ሰፊሕ ፍልጠት፣ ሰፊሕ ክእለት የድልዮ እዩ።”
ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ዝተዋህበ ፈተና 12 ክፍሊ ብተወሳኺ፡ ብ2012 ዓ.ም ኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 10ይን 11ን ትምህርቶም ዘቋረጹ ተምሃሮ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪን ግንቦትን ክፍተኑ ምዃኖም ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ የመልክት።