እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚእቲ ኣግማል ህይወት ሓደ ቀታሊ ኣድሒነን
ኣብ ሶማሊላንድ 100 ኣግማል ንምኽፋል ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝተበፅሐ ስምምዕ፡ ህይወት ሓደ ቀታሊ ሰብ ኣድሒኑ።
እዚ ስሙ ዘይተገለፀ ሰብኣይ፡ ካብ ሃርጌሳ - ርእሰ ከተማ እታ ንርእሳ ከም ሪፓብሊክ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ - ንሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማድሂራ፡ ትማሊ ሰሉስ ክርሸኑ ተቐሪቦም ካብ ዝነበሩ ገበነኛታት ሓደ እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ገበነኛ ቅትለት ንኽፍፀም ናይ መወዳእታ ትእዛዝ ንኽወሃብ ሒደት ደቓይቕ ምስ ተረፎ ግን፡ ካብ ስድራ እቲ ቀታልን ግዳይን ዝተዋፅኡ ሽማግለታት ዓዲ፡ ኣብ ቦታ ቅትለት በፂሖም፤ ነቲ ገበነኛ ካብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ዓንዲ ፈትሐምዎ።
እቶም ብዝተፈላለዩ ቅትለታት ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኸቡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ግና ብጥይት ተቐቲሎም’ዮም።
ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝግበር ጣልቃ ምእታው ልሙድ እዩ።
ብመሰረት ባህላዊ ስርዓተ ፍትሒ፡ ቅትለት ሰብ 100 ኣግማል እዩ ካሕሳ ዘኽፍል።
እንተዀነ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ቍፅሪ እቶም ክቡራት እንስሳት ብምንካዩ፡ መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ክንዲ ኣግማል ገንዘብ እዩ ከም ካሕሳ ዝወሃብ።
እዚ ተመዓዳዊ [ባህላዊ] ስርዓት፡ ነቲ ስሩዕ ከይዲ ቤት ፍርዲ ዝድግፍ፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዝትክእ እዩ።
እንተዀነ እዚ መስርሕ፡ ድኻታት ነፃነቶም ከሕልዉ ዝድርት፡ ብኣንጻሩ ሃብታማት ነፃነቶም ክዕድጉ ዘኽእል'ዩ ተባሂሉ ብሰፊሕ ይንቀፍ።