ቅድሚ 51 ዓመት ብቘልዓኣ ዝጠፍአት ሰብ ምስ ወለዳ ተራኺባ

ምንጪ ስእሊ, Sharon Highsmith (Facebook)
መሊሳ ሃይስሚዝ እተባህለት ጓል 53 ዓመት ነባሪት ቴክሳስ ብመርመራ ዲኤንኤ ምስ ወለዳ ተራኺባ።
እታ ብ1971 ጓል 22 ወርሒ እንከላ ኣብ ፎርት ዎርዝ ካብ ዝርከብ ቤት ስድራቤታ ብኣላይታ ሰራሕተኛ ተጨውያ ዝተሰወረት መሊሳ፡ ን50 ዓመታት ደሃይ ዝበሃል ኣይነበራን።
ወለዳ ንነዊሕ ዓመታት ክደልይዋ'ኳ እንተፈተኑ፡ ሃለዋታ ኣይረኸቡን። ዳሕራይ ቅምሶ ዲኤንኤ ስድራ ቤታ ናብቲ ወለዶታት ሰባት ዘገናዝብ ናይ ዲኤንኤ “መርበብ ኣበዋት” ምስተላእከ እዩ ደሃያ ተሰሚዑ።
እቲ ንዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን "መላኔ" ሃይስሚዝ ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝተሰወረት ጥፋእ ውላድ፡ ሕጂ ዓባይ ሰበይቲ ኰይና ዘላ ኣደ፡ ስማ ክትቅይር መደብ ኣለዋ።
ዛንታ ናይዛ ሕጂ ምስ ወለዳ ዝተራኸበት ኣብ ነሓሰ 1971 ተሰሪቓ ዝተሰወረት መላኒ ሃይስሚዝ ብኸምዚ እዩ ዝጅምር።
ወላዲታ ኣልታ ኣፓተንኮ ኣብ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ እትሕተም ጋዜጣ፡ ንህጻን ጓላ እትኣልየላ ሰብ ከም እተደሊ ምልክታ ኣቕሪባ። ብመሰረት ሕቶኣ ከኣ እታ ዳሕራይ ሰሪቓታ ዝተሰወረት ኣላይት ህጻን ኣብ ገዛኣ ኮይና ክትኣልያ ስራሕ ተቘጺራ። ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ነታ ምንም ዘይትፈለጥ ጓል 22 ኣዋርሕ ህጻን ሒዛታ ጠፊኣ።
ወለዲ እታ ህጻን ንጓሎም ንኽረኽቡ ምስ ፖሊስን ምምሕዳርን ብምትሕብባር ኵሉ ዝከኣሎም ገይሮም። ግን ደሃይ እታ ህጻን ኣይተረኽበን። ሽርበታ ንልዕሊ 50 ዓመት ምስጢር ኰይኑ ተረፉ።
ካብ ዝሓለፈ መስከረም ኣቢሉ ግን እቶም ስድራ እታ ጓሎም ክትኣልየሎም ዝቘጸርዋ ሰብ ኣብ ደቡብ ካሮላይና ከምዘላ ደሃይ ሰሚዖም።
ዓመታት ምስ ሓለፈ እታ ቘልዓ ሰሪቓ ዝተሰወረት ወ/ሮ ሃይስሚዝ ዝከታተላ ሰብ ክህሉ ከምዝኽእል ረሲዓቶ ነይራ። ኣብ መጀመርታ እቶም ጓሎም ዝጠፍኣቶም ስድራ ከዘራርብዋ ከምዝደልዩ ዝበጽሓ ሓበሬታ ሓሶት ኰይኑ ስለዝተሰመዓ ግምት ኣይሃበቶን።
ኣብ መወዳእታ፡ ብ6 ሕዳር ዝምድና ወለዶታት ኣብ ዘገናዝብ መርበብ ሓበሬታ ኣበዋት፡ “23 And Me” ብዝብል ዲኤንኤ ስድራ እቶም ጓሎም ዝጠፍኣቶምን ደቂ እታ ቘልዓ ዝሰረቐትን (ደቂ ወ/ሮ ሃይስሚዝ) ምስ ተመርመረ እያ ሓቀኛ ወለዳ መን ምዃኖም ፈሊጣ። እቶም “23ን ኣነን” ብዝብል ምርምር ውጽኢት ናይ ዲ.ኤን.ኤ. ዘረጋገጹ ጂኖሎጂስት ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመታት ምስጢር ፈቲሖምዎ።
ወለዳ “ንሜሊሳ ብሓገዝ ፖሊስ ይዅን ምርመራ ስድራ ቤትን ብጽንጽንታን ምክትታልን ዘይኮነ፡ ብሓገዝ ዲኤንኤ ኢና ረኺብናያ” ክብሉ ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፎም።
እታ ኣብ 1971ዝጠፍአት ሜሊሳን ወለዳን ንፈለማ ግዜ ብ26 ሕዳር እዮም ብፈይስቡክ ተራኺቦም። ሽዑ እቶም ወለዲ ክሳብ ሕጋውን ወግዓውን ሰርቲፊኬይት መርመራን ውጽኢትን ዲኤንኤ ዝረኽቡ ተጸብዮም።
መሊሳ ሃይስሚዝ ንቢቢሲን መሻርኽቱ ሲቢኤስን ብምምስጋን፡ “ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዘሐጕስ ስምዒት ወሪሱኒ ኣሎ” ኢላ።
ወላዲታ ወይዘሮ ኣፓተንኮ፡ “እቲ ስድራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ምስ ዝጠፍአት ጓሉ ምርኻቡ ክእመን ዘይከኣል እዩ” ክትብል ስምዒታ ገሊጻ።
ቀጺላ፡ "ምስ ምንዋሕ ግዜ ድሕሪ ደጊም ዝርእያን ዝረኽባን ኰይኑ ኣይተሰመዓንን ነይሩ” ኢላ።
ብዛዕባ እታ ጨዋዪት ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ ኣይተዋህበን። ብመሰረት እቲ ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ምስ ወለዳ እተራኸበት ወ/ሮ መሊሳ ሃይስሚዝ ግን፡ እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘዕበየታ ሰብ ካብ ስርሓ ከም ዝጨወየታን ወላዲታ ዘይምዃናን ተኣሚናትላ እያ።
ወይዘሮ ሃይስሚዝ እዚ ጉዳይ ጋህዲ ምዃኑ ጥራሕ እኹል እዩ ትብል።
እታ ቘልዓ ካብ እትጭወ ነዊሕ ዓመታት ስለዝገበረት ፖሊስ ፎርት ዎርዝ ነዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓቅታት ብምግንዛብ መርመራና ክንቅጽል ኢና ክብሉ መግለጺ ሂቦም።
እቲ ኵነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ስድራ ቤት ነቲ ዝተኸስረ ዓመታት ንምክሕሓስ ድሮ ምስታ ድሕሪ 50 ዓመታት ዝረኸብዋ ጓሎም ምልምማድን ብሓንሳብ ምንባርን ከምዝጀመሩ ሓቢሮም።
ንኣብነት፡ ኣሓት ናይታ ጠፊኣ ዝተረኽበት ወ/ሮ ሃይስሚዝ ንማዕከን ዜና ዋሽንግተን ፖስት፡ መታን ናይ ስጋ ወለዲኣ ኣብ መድረኽ ብወግዒ ከሰንያ ምስ በዓል ቤታ ንመርዓኣ ዳግም ከተሐድሶ ከምዝወሰነት ገሊጸን።
“ሕጂ ልበይ ረጊኡለይ እዩ። መንፈሰይ ብታሕጓስ መሊኡ እዩ። ናይ ብሓቂ ደስ ኢሉኒ ኣሎ” ክትብል ንሲቢኤስ ተዛሪባ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
