ኬንያዊ ኣመሓዳሪ ሰራሕተኛታት 10 ሚእታዊ ካብ ደሞዞም ንቤተክርስትያን ክኸፍሉ ኣዚዙ

መጽሓፍ ቅዱስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሓደ ኬንያዊ ኣመሓዳሪ፡ ሓደስቲ ዝተመዘዙ ኣካየድቲ ስራሕ ኣውራጃታት፡ 10 ሚእታዊ ካብ ኣታዊታቶም ብቐጻሊ ንቤተክርስትያን ክህቡ ከም ዝኣዘዘ ሓደ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ጸብጺቡ።

ኣመሓዳሪ ናንዲ ዝኾነ ስቲቨን ሳንግ፡ እቲ መምርሒ ኣድላዪ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብያተ ክርስቲያናት እቲ ከባቢ ካብ መራሕትን መንግስቲ ኣውራጃን ደገፍ ስለዘድልየን እዩ ኢሉ።

መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ኔሽን ከም ዝጠቐሶ፡ እቲ ኣመሓዳሪ፡ "ኣብ ናይ መወዳእታ ስልጣን ዘመነይ ዘገልግሉ ዋና ሰበስልጣን ንሕብረተሰብ ብምኽሓስ ብጥበብ ክሰርሑን ዝተፈላለየ ተግባር ክፍጽሙን ኣለዎም " ኢሉ።

እቶም ሓደስቲ ሰበስልጣናት ኣብ ካፕሳቤት ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣውራጃ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዝተረኸብሉ ቃለ-መሓላ ፈጺሞም።

ስቲቨን ሳንግ፡ እቲ መደብ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝተካየደሉ ስነስርዓት እዩ ነቲ ሓዱሽ መምርሒ ሂቡ።

ንሱ፡ "ኩሎም [ዝተመዘዙ]ኣካየድቲ ስራሕ 10 ሚእታዊት ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ንቤተክርስትያን ክኸፍሉ ክጅምሩን ንስድራቤቶም ደገፍቲ ክኾኑን ኣለዎም" ከምዝበለ እቲ መርበብ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀዳማይ ዕድመ ስልጣኑ ዘገልገሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ነታ ቤተክርስትያን ምድጋፍ ከም ዝኣበዩ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ኣመሓዳሪ ነቲ ትእዛዝ ብኸመይ ከተግብር መደብ ከም ዘለዎ ንጹር ኣይኮነን።

ምስ ኣቕሽሽቲ ብምዃን ብዛዕባ መዛግብትን ኣስማትን ናይቶም ዕሽር ዘይህቡ ሰባት ምክትታል ክገብር ምዃኑ ግን ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ካብ ኣመሓዳሪ ናንዲ ዝመጸ ሓድሽን ዘይተለምደን መምርሒ ነቶም ሓደስቲ ዝተመዘዙ ሰባት ሃንደበታዊ ከም ዝዀኖም ይግለጽ።

ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኣመሓደርቲን ፈጸምቲ ሰራሕተኛታቶምን ኣብ ልዕሊ ንኣብያተ ትምህርቲ፡ ጽርግያታትን ሆስፒታላትን ዝውዕል ህዝባዊ ገንዘብ ዓቢ ቁጽጽር ኣለዎም።

መብዛሕትኡ ግዜ 10 ሚእታዊት ካብ ኣታዊ ሓደ ሰብ ንቤተ ክርስቲያን ናይ ምሃብ ልምዲ ዕሽር ወይ ኣስራት ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣካል ክርስትና፡ ግዴታ ክኸውን ኣለዎ ድዩ ወይስ የብሉን ዝብል ግን ኣካታዒ እዩ።

ኣብ ክርስትና ዕሽር ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ እዩ። እቲ ቃል ከም ዘመልክቶ ዓሰርተ ካብ ዝብል ቃል ዝመጸ ክኸውን እንከሎ ቀንዲ ሓሳቡን ትርጉሙን ድማ ሓደ ዕስሪት (10 ሚእታዊት) ካብ ኵሉ ኣታዊታት ሓደ ሰብ ንቤተ ክርስትያን ምሃብ እዩ።

እንተኾነ፡ ዕሽር ምሃብ ግዴታ ክኸውን ኣለዎ ድዩ ወይስ የብሉን ዝተፈላለየ ርእይቶታት'ዩ ዘሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኢቨሊን ኦኬሎ ዝተበሃለት ኬንያዊት፡ ፓስተር ንክጽልየላ፡ ኣማኢት ዶላር ከፊላ ናብ ዕዳ ዕንድዳን ከም ዝኣተወት እናነብዐት ንቢቢሲ ከም ዝሓበረት ይዝከር።

እታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ፡ ኪቤራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሻውል ኣብ ንእሽቶ ኣጉዶ እትነብር ኢቨሊን ክሳብ ንደቃ እተብለዖም ነገር እትስእን ዕዳኣ ልዕሊ 300 ዶላር በጺሑ ንምኽፋል ከም ዝተጸገመት ተዛሪባ ነይራ።

ኢቨሊን ኦኬሎ
መግለጺ ስእሊ, ኢቨሊን ኦኬሎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኬንያ ጥራይ ኣይኮነን ሰባት ተኣምር ክግበረሎም ብዝብል ሽሻይ ዕዳ ዝኾኑ ዘለዉ። ኣባል ሓንቲ ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ናይጀርያ ዝኾነት ሓንቲ ሰበይቲ እውን ንሳን ሰብኣያን ሓዊሱ ናብ ብዙሕ ዕዳ ገንዘብ ከም ዝኣተዉ ትዛረብ።

እዛ “ሳራ” (ስማ ዝተቐየረ) እትበሃል ኣመንትን ኣገልገልትን እቲ ኣባል ዝነበረትሉ ቤተ ክርስትያን፡ 10 ምኢታዊት ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ነቶም ኣብ ናይጄርያ ዝርከቡ ፓሰተራትን ቤተ ክርስትያንን ክኸፍሉ ትጽቢት ይግበረሎም ከም ዝነበረ ትገልጽ። እዚ ድማ ካብቲ “ፈረስት ፍሩት” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ሙሉእ ደሞዝ ናይታ ፈላመይቲ ወርሒ ናይ ዓመት ዝኸፍልዎ ሙሉእ ደሞዞም ብተወሳኺ እዩ።

ሳራ ተደጋጋሚ ሕቶ ትሓትት ብምንባራ፡ ሰብኣያ ክገድፋ ከም ዝተነገሮ'ያ ትገልጽ፡ እንተዀነ ብኣንጻሩ ንሳን ሰብኣያን ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ዝገደፍዋ ተዛሪባ።

ኣመንቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ገንዘብ ንቤተ ክርስትያን ብምሃብ እምነቶም ክገልጹ ይተባብዑ እዮም።

ሓደ ካብዚኦም ካብቲ ወንጌል ብልጽግና (ፕሮስፐሪቲ ጎስፐል) ዝበሃል ዓስቢ እምነትካ፡ ፈጣሪ ሃብትን ጥዕናን እዩ ዝሽልመካ ዝብል ስብከት ዝነቐለ መስርሕ’ዩ። ኣመንቲ ነቲ ዝሃብዎ ገንዘብ ኣምላኽ ብብዙሕ ዕጽፊ ከም ዝመልሰሎም ይንገሮም።

ሰበኽቲ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰዓብቲ ግን እቲ ሰረተ-እምነት (ዶክትሪን) ኣብ በለጽን ስስዐን ዝተመስረተ ግጉይ ትምህርቲ'ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

ወንጌል ብልጽግና ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለዘበን ብዙሕ ተቐባልነት ረኺቡ።

ኣብ መወዳእታ 1970ታትን መጀመርታ 1980ታትን፡ ናይጄርያውያን ፓስተራት ነዚ ከጽንዑ ናብ ኣመሪካ ይጓዓዙ ነይሮም። እዚ እምነት ኣብ መጀመርታ 2000 ሽሕ፡ ብከም ብዓል ረይንሃርድ ቦንኬ ዝበሉ ኣመሪካውያን ኢቫንጀሊካውያን ተሓጊዙ፡ ካብ ሌጎስ ክሳብ ናይሮቢ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣፍርዩ።

ተቐባልነቱ ኸኣ ሐዚ እውን ብስፍሓት ይቕጽል ኣሎ።