ውጽኢት መረጻ ናይጀርያ፡ ሕጹይ ተወዳዳሪ ገዛኢ ሰልፊ ቦላ ቲኑቡ ይመርሕ ኣሎ

Published

ውጽኢት ናይቲ ናይጀርያ ቅድሚ 24 ዓመታት ናብ ደሞክራሲ ካብ እትሰጋገር ንደሓር ዝሓየለ ምውድዳር ዝተርኣየሉ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ መረጻ ክግለጽ ጀሚሩ።

እቲ ብቐዳም ዝተኻየደ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ብተዛማዲ ርጕእ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ምድንጓያትን ጐንጽን ተራእዩ።

ካብ 36 ክፍለ ግዝኣታት እታ ሃገር ውጽኢት ናይ ሓንቲ ክፍለ ግዝኣትን ፌደራላዊት ርእሰ ከተማን ዕላዊ ኰይኑ ኣሎ።

ዛጊት ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ዝኾነ ቦላ ቲኑቡ 55 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ይመርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

መቐናቕንቱ ዝኾነ መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣቲኩ ኣቡባካር ድማ ዛጊት 31 ሚእታዊት ኣዋህሊሉ ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ኤኪቲ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ‘ኦል ፕሮግረሲቭ ኮንግረስ’ ብምውካል ዝተወዳደረ፡ ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ ምዕዋቱ ተገሊጹ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ውድድር ፕረዚደንትነት እታ ሃገር መን ከምዝዕወት ንምግማት ኣጸጋሚ እዩ።

እታ ሃገር ሓድሽ ዘተኣታተወቶ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ ሓበሬታ ካብ ማእከላት መረጻ ብቕልጡፍ ንምልኣኽ ዘኽእል'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ውጽኢት መረጻ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ካብ ዝዛዘም ድሕሪ 24 ሰዓታት እዩ ተገሊጹ።

እዚ ምድንጓይ፡ ኣብታ ብዙሕ ታሪኽ ምጥፍፋእን ምስራቕን ድምጺ ዘለዋ ሃገር፡ ብዙሕ ቤላቤለው ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ሰልፍታት ናይ’ቶም ክልተ ቀንዲ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኣቲኩ ኣቡበከርን ፒተር ኦቢን፡ ነቲ ምድንጓይ ኰኒኖም።

ኮሚሽን መረጻ ንምድንጓይ እቲ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓት ኣመልኪቱ ይቕረታ ክሓትት እንከሎ፡ ግዝያዊ ጸገም ምዃኑ ሓቢሩ።

ዝቕጽል ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ዘይጠዓየ ቁጠባን ጸገማት ጸጥታን ዝርከብዎም ብዙሓት ብድሆታት ከምዘለዎ ይግለጽ።