ቀቅድሚ ኤርትራ ናጽነታ ዝረኸበት ሃገር ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ክትመርጽ ትሸባሸብ

ነቱምቦ ናንዲ-ንዳእትዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ናይታ ድሕሪ ናጽነታ ሰላም ዝዓሰላ ናሚቢያ ክትከውን ትወዳደር ዘላ መራሒት
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ናሚቢያ: ንኤርትራ ብሓደ ዓመት ብምቕዳም'ያ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ገድሊ ናጽነታ ተጓናጺፋ።

እታ ንዝሓለፈ 34 ዓመታት ብደቂ ተባዕትዮ ክትምራሕ ዝጸንሐት ሰላም ዝሰፈና ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብዚ ሰሙን ንፈለማ እዋን ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ክትሓሪ ትሸባሸብ ኣላ።

ኣብ መጋቢት 1990 ናጽነታ ካብቲ ዓሌታዊ ናይ ጸዓዱ ምምሕዳር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኸበት ሃገረ ናሚቢያ፡ ቅድሚ ናጽነታ ብወግዒ ምእዋጃ'ያ ኣብ ለካቲት ናይቲ ዓመት ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ኣጽዲቓ።

ናጽነት ኣብ ምምጻእ ዓቢ ተራ ዝተጻወታ ሓርነታውያን ውድባት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ዓወት ብምልካውነት፡ ብልሽውናን ምንቁልቋልን ስለዝፍለጣ ግን ዓቢ ብድሆ ከይከውን ስክፍታ ካብ ምፍጣር ዓዲ ኣይወዓለን።

ምክትል ፕረዚደንት ናሚቢያ ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ነቱምቦ ናንዲ-ንዳእትዋ፡ ንገዛኢ ሰልፊ ስዋፖ ብምውካል'ያ ኣብቲ ምርጫ ትወዳደር ዘላ።

ኣብ 1960 ዝተመስረተ 'ህዝባዊ ውድብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ' (SWAPO) ክሳብ ናጽነት በቲ ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳይ ሳም ኒዮማ ዝምራሕ ዝነበረ'ዩ። እቲ ውድብ ዘይጎነጻዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ድሕሪ ምፍታኑ ኣብ 1966 ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣዊጁ።

ናይ ቀደም ሽም ናሚቢያ 'ደቡብ ምብራቕ ኣፍሪቃ' ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣብ 1990 ብቅዋማዊ ባይቶ ፈላሚ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ምስተመርጸ ንሓደ እብረ ዘገልገለ ሳም ንዮማ፡ ንክልተ ተወሳኺ እብረታት ብቐጥታ ብህዝቢ'ዩ ተመሪጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቀዳማይ እብረ ብቐጥታ ኣይተመርጸን ብዝብል'ዩ ንዕኡ ጥራይ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ሳልሳይ እብረ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዕድል ተዋሂብዎ።

ነቲ ኣብ 2005 ስልጣን ብሰላም ዘረከበ ፈላሚ ፕረዚደንት ሓዊሱ፡ ዛጊት ናሚቢያ ኣብ ዝሓለፈ 34 ዓመታት ኣርባዕተ መራሕቲ መሪጻን ኣፋንያን ኣላ።

እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ናንጎሎ ቡምባ፡ ነቲ ኣብ መንበረ-ስልጣኑ እንከሎ ዝዓረፈ ሃገ ጌንጎብ ብምትካእ'ዩ ክመርሕ ጸኒሑ።

እዛ መበል 5ይቲ ክትከውን ትጽበ ዘላ ጓል 72 ዓመት ናንዲ-ንዳእትዋ ኣብቲ ጽባሕ ረቡዕ ዝካየድ መረጻ እንተ ተዓዊታ፡ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ጓልኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ኮይና ዘላ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሳን ድርዒ ክትኮና'ያ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ሰልፊ ዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ እናንቆልቆል'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝነበረሉ ዝተመልሰ 19 ሚእታዊት ዝበጽሕ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ናይ ባጀት ቅልውላው፡ ሕቶታት ብልሽውናን ዘይምዕሩይነትን ቀንዲ ካብቶም ዓበይቲ ብድሆታት እታ ሃገር'ዮም።

ናሚቢያ ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈቶ ሓርነታዊ ኲናት ሰላም ዝሰፈና ሃገር ኮይና ትቕጽል ምህላዋ ሓደ ካብቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ዘረጋገጾ ዓወት'ዩ።

ካብቶም ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝሳተፉ ዘለዉ 14 ተወዳደርቲ፡ እቲ ክብድሃ ይኽእል'ዩ ዝብሃል ቀንዲ ተቐናቓኒ መራሒ ናይቲ 'ናጻ ሓርበኛታት ንለውጢ' (IPC) ተባሂሉ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ሰልፊ ፓንዱለኒ ኢቱላ እዩ።

እዛ ምስቲ ዝጸንሐ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ፖለቲካን ኣባታዊ ባህልን ብምርጻም ናብ ወሳኒ ፖለቲካዊ መድረኽ ደዪባ ዘላ ምክትል ፕረዚደንት፡ እምንቲ ምዃና'ዩ ዝንገረላ።

እዛ ግብራዊ መፍትሒታት ብምንዳይ እትፍለጥ ፖለቲከኛ፡ ጓል 14 ዓመት እንከላ'ያ ኣባል ምንቅስቓስ ስዋፖ ኮይና።

መራሒት ክንፊ መንእሰያት እቲ ሰልፊ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብናይ ምውዳብ ብቕዓታን ቆራጽነታን'ያ ትፍለጥ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዘኻዕበተቶ ተሞክሮን ፍልጠትን ነቲ ተቋምቶ ዘላ ሓላፍነት ኣድማዒ ንምግባር ዓቢ ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበር።

"ለባም፡ ለዋህን ጥዕምትን ኮይና'ያ ትስማዓካ፡ ዋላ እቲ ንኹሉ ንምግላጽ እትጥቀመሉ ኣገባብ፡ ከማይ ዝበሉ ክርድእዎ ዝኽእሉ'ዮም" ክትብል ነባሪት ርእሰከተማ ዊንዶክ ዝኾነት ላይሚ ቢቢሲ ተዛሪባ።

መሓዛኣ ማሪያ ብወገና፡ "ኢቱላ ምስ መነጸሩ፡ ሓዱሽ ኩቱሻ ኮይኑ ዝስመዓካ፡ ጽፉፍ ባኖኡ፡ ርእሰተኣማንነት ዘለዎ ኣሳጉምኡን፡ ምናልባት ብመልክዑ ዘዕውረካ'ዩ ዝመስል" ነቲ ተቓዋሚ መራሒ ዘለዋ ኣድናቖት ትገልጽ።

ፓንዱለኒ ኢቱላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ንባዕሉ ሓደ ካብ መስረትቲ ስዋፖ ዝነበረ ፓንዱለኒ ኢቱላ

ንባዕሉ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ስዋፖ ዝነበረ ወዲ 68 ዓመት ኢቱላ፡ ኣብ 2020 ካብቲ ሰልፊ ምስተባረረ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ናጻ ብውልቁ ኣንጻር ፕረዚደንት ነበር ጌንጎብ ተወዳዲሩ ነይሩ።

እቲ ሓኪም ስኒ ኣብዚ ምርጫ'ዚ ድማ ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ናሚቢያ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝመርሐ ገዛኢ ሰልፊ ራሕሪሑ ሓድሽ መራሒ ብምሕራይ ለውጢ ከምጽእ'ዩ ዝጉስጉስ ዘሎ።

ብኣንጻሩ ግን ተስፋ ሓበንን ብዙሓት ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር ተሓንጊጣ መጺኣ ዘላ ናንዲ-ንዳእትዋ ባዕላ ለውጢ ምዃና ንምርግጋጽ'ያ ደገፍ ህዝቢ ንምርካብ ኣብ መላእ ሃገር ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ።

ኣብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 1994 ኣትሒዙ ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ሰልፊ ኤ-ኤን-ሲ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ፓርላማ ብሒትዎ ዝጸንሐ ዓብላሊ መናብር ብምስኣን፡ ምስ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብምልፋን ሓድነታዊ መንግስቲ ክምስርት ተገዲዱ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝተኻየደ መረጻ'ውን ኣብታ ሃገር ን58 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ንፈለማ እዋን ስልጣኑ ንተቓዋሚ ሰልፊ ከረክብ ተገዲዱ'ዩ።

ደድሕሪ ናሚቢያ ኣብ 1991 ሓርነታ ዝተጓናጸፈትን፡ ኣብ 1993 ብወግዒ ልኡላውነታ ዝኣወጀትን ኤርትራ'ውን ክሳብ ሎሚ ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ብሓደ ሰብ ትምራሕ ኣላ።

ንኢትዮጵያ ን27 ዓመታት ዝመርሐ ብህወሓት ዝቕለስ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወዴግ'ውን ብዘጋጠሞ ፖለቲካዊ ቅልውላው እናተዳኸመ ክመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2018 ተፈናጪሉን መንነቱ ክቕይርን ተገዲዱ'ዩ።

ስዋፖ ድማ ንኸምዚ ዝበለ ንሓያለ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ዘጋጠሞም ዕጫ ከይደግም'ዩ ዝምህለል ዘሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀትን ዛጊት ኣፍልጦ ዓለም ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ እተካይዶ ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ምርጫታት ናእዳ ብዙሓት ወገናት ዝረክብ'ዩ።

እታ ቅድሚ 33 ዓመታት ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንራብዓይ ግዜ ኣብ ዘካየደቶ መረጻ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጻ ኣላ።