ኬንያ፡ ሓደ ኣባል ባይቶ ኣብ ጐደና ናይሮቢ ብጥይት ተቐቲሉ

ኣባል ባይቶ ቻርለስ ኦንግእንዶ ዌረ

ምንጪ ስእሊ, Kenyan parliament

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ባይቶ ቻርለስ ኦንግእንዶ ዌረ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

እቲ ቻርለስ ኦንግእንዶ ዌረ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ብመኪና እናተጓዕዘ እንከሎ፡ ካብቶም ክስዕቡዎ ዝጸንሑ ኣብ ሞተር ብሽክለታ ዝተወጥሑ ሰባት ሓደ ወሪዱ ካብ ቀረባ ርሕቀት ከም ዝተኰሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሙቺሪ ንያጋ፡ "እዚ ገበን ዝተወጠነን ንፍሉይ ሰብ ዝዓለመን ይመስል፡" ኢሉ።

እቲ ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ገሊጹ ከም ዝነበረ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን።

ድሕሪ እቲ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ዝተፈጸመ ተዅሲ፡ እቶም ዘይተጐድኡ መራሒ መኪናኡን ሓላዊኡን ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ናይሮቢ እኳ እንተ ወሰዱዎ፡ ኣብኡ ምስ በጽሐ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዓቢይ ጽርግያ ንጎንግ ኣብ ጥቓ ጻዕቂ ምንቅስቓስ ዘለዎ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ከባቢ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ክትትል ፖሊስ ትራፊክ ኰይኑ፡ ናይ ጸጥታ ካሜራታት'ውን ኣለዎ።

ድሕሪ እቲ ተዅሲ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ፖሊስን መርመርትን ናብቲ ቦታ ከም ዝበጽሑን መርመራታት ይካየድ ከም ዘሎን ፖሊስ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዕሙቕ ዝበለ መርመራ ከካይዱ ኣዚዙ፡ "እቶም ፈጸምቲ ክሕተቱ ኣለዎም፡" ኢሉ።

ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ብጾቱ ኣባላት ባይቶ፡ በቲ ቅትለት ዝተሰምዖም ስንባደን ቍጥዐን ብምግላጽ፡ ቅልጡፍ መርመራን ፍትሕን ክካየድ ጸዊዖም።

ክኢላ ፎረንሲክስ ንመኪና ዌረ እናመርመረ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ክኢላ ፎረንሲክስ ንመኪና ዌረ እናመርመረ

ኣፈኛ ባይቶ ሙሴ ዌታንጉላ፡ ነቲ ኣባል ባይቶ "ዘይፈርሕን ክቡርን" ሓጋጊ ኣካል ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ብጥይት ዝተፈጸመሉ ቅንጸላ፡ "ኣዕናዊ" ክብል ኰኒኑዎ።

ኣብ ምዕራብ ኬንያ ንካሲፑል ወኪሉ ኣባል ናይቲ ብገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ዝምራሕ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣራንሺ (Orange Democratic Movement) ኰይኑ ተሳቲፉ።

ኦዲንጋ ነቲ ቅትለት ብምዅናን፡ እቲ ሓጋጊ ኣካል "ብጭካነን ምሕረት ኣልቦን እዩ ተሃሪሙ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ሓደ ጅግና ወዲ መሬት ኢና ከሲርና፡" ክብል መስኪሩ።

ኦዲንጋ ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብፕረዚደንት ሩቶ እኳ እንተ ተሳዕረ፡ እቲ መረጻ ዘይፍትሓዊ እዩ ብምባል ነቲ ውጽኢት ነጺጉዎ ምንባሩ ይዝከር።