ኢትዮጵያ ሳልሰይቲ ሳተላይት ንምውንጫፍ ኣብ ምድላው ከምዘላ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AIRBUS
ኢትዮጵየ ሳልሰይቲ ሳተላይት ናብ ህዋ ንምውንጫፍ ኣብ ምድላው ከምዘላ ሃገር ትካል ሳይንስን ቴክኖሎጂን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ምክትል ዳይረክተር እቲ ትካል ዶክተር የሹሩን ኣለማየሁ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ ETRSS-2 ተባሂላ እትጽዋዕ ሳልሰይቲ ሳተላይት ልክዕ ከምተን ካልኦት ሳተላይታት ናይ መሬት ምስሊ ትስእል ኮይና ካብ'ተን ካልኦት ዝጸረየ ምስሊ ክትልእኽ ትጽቢት ከምዝግበረላ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ETRSS-1 ከምኡ ከኣ ET-Smart-RSS ዝተብሃላ ክልተ ሳተላይታት ናብ ህዋ ከምዝወንጨፈት ዝዝከር’ዩ።
ሓንቲ ሳተላይት ናብ ህዋ ምስ ተወንጨፈት ኣብ ህዋ ናይ ምጽናሕ ዕድሜኣ ክልተ ዓመትን መንፈቕን’ኳ እንተኾነ እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተወንጨፈት ሳተላይት ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎተ ትህብ ምሃላዋ ዝገለጸ ዶክተር የሹሩን ኣለማየሁ፡ እታ ካልኣይቲ ሳተላይት ግን ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕድሚኣ ከምዝወደአት ሓቢሩ።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታኣ ዝኾነት ሳተላይት ETRSS-01፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት’ያ ካብ ናይ ቻይና ማእከል መወንጨፊ ሳተላይት ናብ ህዋ ተወንጪፋ።
እታ ሳተላይት ንሕርሻ፡ ንማዕድን፡ ንሓለዋ ከባቢ፡ ንኹነታት ኣየርን ንቅርጺ መሬትን ዝምልከት ሓበሬታታት ክሳብ ሕጂ ትሰድድ ምህላዋ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
እታ ሳተላይት ብመንግስቲ ቻይና ዝተሰርሐት ኮይና፡ ኣብ ምስራሓ ሓያለ ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ኣብ ጎኒ ቻይናውያን ብምዃን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ዶክተር የሽሩን ኣለማየሁ ጠቂሱ።
ዶክተር የሽሩን ኪኖ ሳልሰይቲ ሳተላይት ንምውንጫፍ ኣብ ምድላው ከምዘሎ ምግላጽ ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።
እታ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ሳተላይት ካብ ቻይና ብዝተረኸበ 6 ሚልዮን ዶላር ዝተሰርሐት ኮይና ብሓፈሻ 210 ሚልዮን ዶላር ከምዝወደአት ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ዶክተር የሹርን ሳልሰይቲ ሳተላይት ንምውንጫፍ ዘድለየሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተወንጨፈት ሳተላይት ዕድሚኣ ትውድእ ስለዘላ፡ እዛ ሳልሰይቲ ሳተላይት ንዕኣ ንምትካእ ክትውንጨፍ ምዃና ሓቢሩ።
ነዚ ንምግባር ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ ተወዲኡ ንምህናጻ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ይግበር ምህላዉ’ውን እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSAL HISTORY ARCHIVE
እቲ ምድላዋት ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእልን እታ ዝጸረየ ምስሊ ካብ ህዋ ክትልእኽ’ያ ተባሂላ ትጽቢት ተገይርላ ዘሎ ET-Smart-RSS ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ናብ ህዋ ክትውንጨፍ ምዃና እቲ ሓላፊ ጠቂሱ።
ቅድሚ ሕጂ ናብ ህዋ ዝተወንጨፋ ክልተ ሳተላይታት ኢትዮጵያ፡ ግድብ ህዳስ ማይ ከይመለአ እንከሎ ጀሚረን፡ ንሓለዋ ከባቢ፡ ንሕርሻን ናይ ከተማታት ኣሳእልን ከምኡ ከኣ ንካልኦት ትካላት ጠቃሚ ዝኾኑ ዝተፈላለየ ምስልታት ምልኣኸንን፡ እቲ ዝሰድኦ ዝነበራ ምስልታት ከኣ ኣዝዩ ጠቃሚ ምንባሩን ዶክተር የሹሩን ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሳ ሳተላይት ቅድሚ ምውናና፡ ብብዙሕ ክፍሊት ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ሳተላይታት ጠለባታ ተማልእ ምንባራ’ውን እቲ ምክትል ዳይረክተር ጠቂሱ።
ኢትዮጵያ ናይ ሳተላይት ኣገልግሎት ካብ ካልኦት ሃገራት ንምርካብ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 250 ሚልዮን ብር ወጻኢታት ትግበር ምንባራን እቲ ዋጋ’ውን ዓመታዊ ይውስኽ ምንባሩ ብክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ይጠቅስ።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መጽናዕቲ ህዋ፡ ናይጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣልጀርያን ግብጽን ዓቢ ስም ዝረኸባ ሃገራት ክኾና እንከለዋ ምስአን ብምውድዳር ኢትዮጵያ ኣብ ምጅማር ዘላ ሃገር ተባሂላ’ያ ክትጥቀስ ትኽእል።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
