ንሩስያ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ 'ሓደገኛ' ኣሜሪካዊ ሰላሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ

Published

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ሰለይቲ ከምዝዀነ ዝንገረሉ፡ ወኪል ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ።

ሮበርት ሃንሰን ትማሊ ንግሆ ኣብ ፍሎረንስ ኮሎራዶ ኣብ ዝርከብ ዝለዓለ ጸጥታ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ወዲ 79 ዓመት ሃንሰን፡ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብን ኣልማዝን ናብ ሕሳብ ሩስያ ዝተኸፍለ ገንዘብን ተቐቢሉ።

ሰለስተ ሚእቲ ወከልቲ ኣብ ጉዳዩ ሰሪሖም።

ንሱ፡ ኣብ 2002 ብገበን ስለያ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ክከውን እንከሎ፡ ጠንቂ ሞቱ ግን ኣይተረጋገጸን።

ሃንሰን ቅድሚ ምእሳሩ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሽዱሽተ ደቁን ኣብ ከባቢ ከተማ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ኣርባዕተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ይነብር ነይሩ።

ብሰንኪ ጸረስለያ ዝነበሮ ተራ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ክረክብ ስለ ዝኸኣለ፡ ኣብ 1985 ገበናዊ ንጥፈታቱ ጀሚሩ፡ ናብ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ሩስያን መረዳእታ ሰዲዱ።

ብ12 ጥሪ 1976 መኮነን ኤፍቢኣይ ዝዀነ ሃንሰን፡ ክጸሓሓፍ ከሎ "ራሞን ጋርስያ" ዝብል ሳጓ ይጥቀም ነይሩ።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ኤፍቢኣይ፡ "ንብዙሓት ምንጭታት ሰብ፡ ሜላታት ጸረስለያ፡ መርመራታ፡ ዓሰርተታት ምስጢራዊ ሰነዳት መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ከምኡ'ውን ፍሉይ ኣገዳስነትን ዋጋን ዘለዎም ቴክኒካዊ ስርሒታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ።"

ኣብ ክሊ'ቲ ዘይተለምደ ንጥፈታቱ፡ ሓሓሊፉ ገለ ጥርጣረታት'ኳ እንተነበረ፡ ንዓመታት ግን ኣይተታሕዘን ነይሩ።

ሰላይ ኣልድሪክ ሃዘን ኤምስ፡ ኣብ 1994 ብኤፍቢኣይ ምስተታሕዘ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ምስጢራዊ ሓበሬታ ምውጻእ ከምዝቐጸለ ተገንዚቡ፣ እዚ ድማ እዩ ነቲ መርመራ ኣብ ልዕሊ ሃንሰን ዘበገሰ።

ሃንሰን ጥሮታ ክወጽእ ቀሪቡ ስለዝነበረ፡ ኤፍቢኣይ ‘ኢድ ብኢድ’ ንምሓዝ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ቀልጢፉ ስጕምቲ ወሲዱ።

ምክትል ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ክፍሊ ጸረስለያ ነበር ደብራ ኢቫንስ ስሚዝ፡ "እቲ ክንገብሮ ዝደለና እዅል መርትዖ ምርካብ እዩ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ድማ ኣብቲ ተግባር ምሓዝ እዩ ነይሩ" ትብል።

ብቐረባ ንምክትታል ድማ፡ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኤፍቢኣይ ብምምጻእ፡ ናይ ሓሶት ተልእዀ ተዋሂብዎ።

ሃንሰን ኣብቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈቱ፡ ብሕቡእ ካሜራታትን ማይክሮፎናትን ዝተማልአ፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኤፍቢኣይ ኣብ ጥሪ 2001 ክሰርሕ ጀሚሩ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ መርመርቲ ኣብ ሓደ መናፈሻ ‘ዝዀነ-ኣቕሓ’ ክገብር መደብ ከም ዝነበሮ ፈሊጦም።

እዚ ማለት፡ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ድሒሩ ንኽወስዶ ኣብ ዝዀነ ቦታ ንብረት ክገድፈሉ ከሎ እዩ ይብል ትካል ማእከላይ ስለያ።

ሃንሰን፡ ብ18 ለካቲት 2001፡ ብሚስጢራዊ ንብረት ዝተመልአ ፕላስቲክ ቦርሳ ሒዙ ናብ ኣብ ቨርጂንያ ዝርከብ ፎክስስቶን ፓርክ ከደ።

ኤፍቢኣይ ቅድሚ ሕጂ ናብቲ መናፈሻ ብተደጋጋሚ ክኸይድ ርእይዎ ስለዝነበረ፡ ናብ መኪናኡ ክምለስ እንከሎ ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ እዋን ማእሰርቱ ንወከልቲ ኤፍቢኣይ፡ "እንታይ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ወሲዱልኩም?" ክብል ኣናኢስዎም።

ንሱ ንመርመርቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጸጥታ ኤፍቢኣይ ዘሕዝን ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ንምድሓን ግን ከምዝተሓባበረ ይዛረብ።

ፈተውቱን ጐረባብቱን ብማእሰርቱ ከምዝተሰናበዱን ስቕ ዝበለን ትሕትና ዝመልኦን ከምዝነበረን ገሊጾሞ።

ስድራኡ ሰንበት ሰንበት ናብ ቅዳሴ ቤተክርስትያን ዝወስድን ንደቁ ድማ ተለቪዥን ዝድርት ጽኑዕ ኣቦ ምዃኑ ይንገር።

እንተዀነ፡ ሃንሰን ብሕቡእ ዝተወስደ ናይ በዓልቲ ቤቱ ስእለ-ጽዩፍ ቪድዮታት ቀሪጹ ንሓደ ዓርኩ ከምዘርአየ ይንገር።

ኣብቲ ዝተኣስረሉ እዋን፡ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ኣብ ለይታዊ ትልሂት እናኸደ ሰባት ናብ ካቶሊክ ክቕይሩ ብተደጋጋሚ ይኸይድ ከምዝነበረ ጸብጺቡ።

ብተወሳኺ ብዛዕባኡን ብዛዕባ በዓልቲ ቤቱን ዝነበሮም ጾታዊ ርክብ ዝገልጽ ዛንታታት ኣብ ኢንተርነት ይዝርግሕን ዕርቃና ዝወጸ ስእልታት የካፍልን ነይሩ።

ኣብ ቺካጎ ድሕሪ ምዕባዩ፡ ኣብ ቃለ መሓላ ኤፍቢኣይ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ በቲ ብሪጣንያዊ ሰላዪ ኪም ፊልቢ ከምዝተደፋፍአ ገሊጹ።

"ነዚ ኮርስ ወዲ 14 ዓመት ከለኹ እየ ወሲነ" ክብል ንሩስያውያን መሳርሕቱ ከም ዝጸሓፈ እቲ ቃለመሓላ ይሕብር።

ንሱ ብ15 ገበናት ስለያ ገበኑ ተኣሚኑ ኣብ ግንቦት 2002 ብዘይ ምሕረት ንዕድመ ልክዕ ተፈሪድዎ።

እዚ ቤት ማእሰርቲ ኤዲኤክስ ፍሎረንስ ዝተባህለ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ውሑሳት ፈደራላዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ሓደ እዩ፤ ካልኦት ላዕለዎት እሱራት ግብረሽበራውያን ኣልቓዒዳ ይርከቡ።