ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ነበር ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብዋሕስ ተፈቲሑ

ምንጪ ስእሊ, Amhara Region
ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ፡ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብ 30,000 ብር ዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ድሕሪ ምውሳኑ ትማሊ ዓርቢ ከም እተፈትሐ ጠበቓኡ በሙሉ ታደሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ዓርቢ መጋባእያ፡ ብሓሙስ ንዝቐረበ ናይ ውሕስና ጠለብ ብምርማር ብይን ንምሃብ እዩ ቈጸራ ሒዙ ነይሩ።
በዚ ከኣ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ በቲ ዝተጠርጠረሉ ገበን ሽበራ ብ30 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ እቲ ቤትፍርዲ በዪኑ።
ኣብቲ ብሓሙስ 2 ሰነ 2014 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ዝወዓለ መጋባእያ፡ ዓቃብ ሕጊ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብሽብርን ብኻልእ ተደራራቢ ገበናትን ስለእተጠርጠረ፡ ክሲ ንምምስራት 15 መዓልታት ክወሃቦ ሓቲቱ ነይሩ።
ጠበቕኡ ግን እቲ ክሲ ሽበራ ብፍሉይ፡ ዋሕስ ዝኸልእ ስለዘይኮነ ብዋሕስ ክፍታሕ ናይ ምጉት ሓሳብ ምቕራቡ ገሊጹ።
ቤት ፍርዲ ነቲ ሓሳባት ድሕሪ ምስማዕ ብመሰረት ኣዋጅ ሽበራ 1176/2012፡ ብፍሉይ ኩነታት ውሕስነት ዘይክልክል ብምዃኑ ብ30 ሽሕ ብር ክፍታሕ ኣብ ውሳነ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ።
እቲ ጠበቓ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ እቲ ጀነራል ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰወረ ዝተገለጸ እቲ ጀነራል፡ ‘ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምውራድ ፈቲኑ’ ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ምሕባሩ ይዝከር።
ብሓይልታት ጸጥታ ብኣስገዳድ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተዓፊኑ ብሄሊኮፕተር ናብ ከተማ ባህርዳር ከምእተወሰደ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብቲ እዋን ማህረምቲ ከምዝበጽሖ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ኔሩ።
ንሱ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ኮይኑ፡ ካብቲ ዝነብረሉ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽአ ኣብ ኣእጋሩ ንዘሎ ጠያይቲ ብዝምልከት ሕክምናዊ ክንክን ንምግባር ምንባሩ በዓልቲቤቱ ወይዘሮ መነን ሃይሌ ንቢቢሲ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።
ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ንዓመታት ከም ላዕለዋይ መኮንን ዘገልገለ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዕልዋ መንግስቲ ንምፍጻም ተሊምካ ብዝብል ምስ ካልኦት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተከሲሱ ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ እዩ።
ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ከገልግል ጸኒሑ።
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝደፍኡሉ እዋን ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብምዃን ክመርሕ እንከሎ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ግና ካብ መዝነቱ ከምዝተኣለየ ተገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
