ንመማህርታ ብ ‘ድግምቲ ኣዐንዚዛ’ ተባሂላ ዝተኣስረት ኢትዮጵያዊት ተመሃሪት

ብፖሊስ ተሰንያ ናብ ቤት ማእሰርቲ እትኣቱ ዘላ ተመሃሪት

ምንጪ ስእሊ, Social Media

Published

ሊድያ ኣበራ ኣብ ክልል ደቡብ፡ ዞባ ሃላባ፡ ከተማ ቁሊቶ ትነብር ተመሃሪት 10ይ ክፍሊ እያ።

እዛ ጓል 14 ዓመት ጐርዞ፡ ብ22 ለካቲት 2015 [ግእዝ] ካብቲ ትመሃረሉ ሓፈሻዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሃላባ ተወሲዳ ተኣሲራ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ማእሰርታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዛረቢ ኰይኑ ይርከብ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣቦኣ ኣቶ ኣበራ ሻሞሮን ጠበቓኣ ኣበባየሁ ጌታን፡ ሊድያ ንሓሙሽተ መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ውን ሰብኣዊ መሰላ ከምዝተጋህሰን ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንጉዳይ ሊድያ ይከታተሎ ከምዘሎ ዳይረክተር ክፍሊ ሕግን ፖሊስን እቲ ትካል ወይዘሮ ታሪኳ ጌታቸው ንቢቢሲ ሓቢራ’ላ።

እቲ ጉዳይ ከመይ እዩ?

ኣብ ከተማ ሃላባ ቁሊቶ ን30 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣቶ ኣበራ ሻሞሮ፡ ክልተ ኣዋልድ ኣለዎ፤ ንሰን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሃላባ ተመሃሮ 10ይን 11ን ክፍሊ እየን።

ሊድያ ብ22 ለካቲት 2015 ስሩዕ ትምህርታ እናተኸታተለት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብቲ ክፍሊ ሓንቲ ተማሃሪት ምውዳቓ መበገሲ እቲ ክስተት ከምዝዀነ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"እታ ተመሃሪት ዝወደቐት፡ ሊድያ ድግምቲ ስለዝገበረትላ’ዩ" ብዝብል ዝተፈጥረ "ዕግርግር" ዕለታዊ ስራሕ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ንግዚኡ ከምዝተቛረጸ እቲ መምህር ይገልጽ።

ፖሊስ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ናብቲ ቤት ትምህርቲ መጺኦም፡ “ብዘይ ዝዀነ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ . . . ምስ ዩኒፎርማን መጽሓፋን እናበኸየት” ካብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝወሰድዋ ዝሓበረ እቲ መምህር፡ እቲ ክስተት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዘሕዝንን" እዩ ይብል።

ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣቶ ወንድሙ መርጋ ብወገኑ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካልእ ተመሃሪት ብምውዳቓ ምኽንያት ማእሰርቲ ሊድያ ምዃኑ ገሊጹ።

ወሲኹ’ውን፡ ቅድሚኡ ጀሚሩ ተመሃሮን ወለዲን ኣብ ልዕሊ ሊድያ ጥርዓን የቕርቡ ነይሮም ኢሉ።

"ምስኣ ሓቢርና በሊዕና" ናይ ዝብሉ ሸሞንተ ተመሃሮ ወለዲ፡ ጥርዓን ከምዘቕረቡን እቲ ቤት ትምህርቲ "ስጕምቲ ይውሰድ" ዝብል ጸቕጢ እናወሰኸ ምምጽኡን ኣቶ ወንድሙ ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት እቶም ወለዲ ነቲ ጉዳይ ናብ መደበር ፖሊስ ከምዝወሰድዎ እቲ ቤት ትምህርቲ ጠቒሱ።

"ምስኣ [ሊድያ] ርክብ ነይሩና፡ ብሓባር መግቢ በሊዕና ዝበሉ ሸሞንተ ተመሃሮ ከምዝወደቝ" ዝገልጽ እቲ ርእሰ መምህር፡ እዚ ጉዳይ ምስኣ ዝተኣሳሰር ድዩ? ወይስ ኣይኮነን? ዝብል ንምጽራይ ክሲ ተመስሪቱ ኣብኡ ይምርመር ኣሎ” ኢሉ።

ኣብታ መዓልቲ እቶም ካልኦት ተመሃሮ ስለዝተረበሹን "ስጕምቲ ክንወስድ ኣለና . . . ብህጹጽ ነታ ጓል ሒዝኩም ናብ ፖሊስ እንተኸድኩም ይሓይሽ ኢልና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ርእሰ መምህር ይዅን እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ መምህር፡ ሊድያን ሓፍታን ኣብ ትምህርተን ኣዝየን ዕዉታት ምዃነን ይገልጹ።

እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ሓፍታ ተመሳሳሊ "ጥርዓን" ኣይቀረበን።

ሊድያ ዝተኸሰሰትሉ ጉዳይ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሊድያ ናብ መደበር ፖሊስ ምስተወስደት ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበት ንሓሙሽተ መዓልታት ተኣሲራ ከምዝጸንሐት ጠበቓኣ ኣቶ ኣበባየሁ ሓቢሩ።

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ተወሳኺ መርመራ ክግበር ን14 መዓልታት ቈጸራ ተዋሂብዋ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሃላባ ቁሊቶ ተወሲዳ።

ይዅን እምበር ጠበቓኣ፡ ብመሰረት ሕጊ ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ ብገበን ምስ ዝጥርጠር ምስ ስድራኡ ከምዝጸንሕን ንምርመራ ክድለ እንከሎ ከምዝጽዋዕን ብምጥቃስ፡ "እዚ ስጕምቲ ኣንጻር ሕጊ እዩ" ይብል።

"ብዝተጠርጠረቶ ገበን ገበነኛ ኰይና እንተተረኺባ'ውን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትእሰር ከምዘይፍረዳ ሕጊ ገበን ይጠቅስ" ይብል እቲ ጠበቓ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃላባ፡ ኣተሓሕዛ እታ መንእሰይን ንመዓልታት ምእሳራን ግቡእ ኣይኮነን ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተወሃበ እዋን ቈጸራ ይግባይ ቀሪቡሉ ኣሎ።

ከሰስቲ ሊድያ ወለዲ ናይቶም ተጐዲእና ዝበሉ ተመሃሮ ኰይኖም፡ "ኣብ ልዕሊ ደቅና ብዝፈጸመቶ ሽሕር/ድግምቲ ኣፍዚዛ ጕድኣት ኣውሪዳትሎም" ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቦም ከምዝተኸሰሰት ሓቢሮም።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ "ድግምቲ" ዝተጐድኡ ተመሃሮ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ’ውን ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣቶ ኣበባየሁ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጠበቓታታ ምስ ሊድያ ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡ ጠቒሱ።

ንሱ፡ "ውቃጦ እንተሃልዩኪ ክንርኢ ኢና ብዝብል ዕርቃና ከምዝፈተሽዋ ገሊጻ" ይብል፤ እዚ ድማ ጥሕሰት ሕጊ ከምዝዀነ ኣስሚሩ።

ሊድያ ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ማእሰርታ ትነብዕ ከም ዝነበረትን ሕጂ ግን መምህራን፡ መማህርታን ካልኦት ሰባትን ይሓትዋ ስለዘለዉ፡ ኣብ "ጽቡቕ ሞራል" ትርከብ ኢሉ።

ኣቶ ኣበባየሁ ኣብ ሕጊ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ‘ድግምቲ’፡ 'ጥንቆላ'፡ 'መንፈስ ምጽዋዕ'ን ተመሳሳልቲ ገበናትን ዝምልከት ድንጋገታት ከምዘሎ ይዛረብ።

እንተዀነ እዞም ገበናት ዝዀነ ጥቕሚን ናይ ካልእ ሰብ ገንዘብን ንምርካብ ብዝብል ዝፍጸሙ እምበር፡ "ናይ ውልቃዊ ጥቕሚ እንታይ ምዃኑ ዘይትፈልጥ ጐርዞ፡ ገንዘብ ዝርከበሉ ቦታ ክጥቁመኩም ኣብ ዘይበለትሉ ኵነታት. . . [ሕጊ] ነዚ ኵነታት ኣይቕበሎን” ክብል ይምጕት።

ሰባት ንምፍዛዝ ዝተፈላለዩ ሓርጭ ዝመስሉ ፍርያት ምፍራይን ምሻጥን ምትሕልላፍን ገበን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሊድያ እዚ ዅሉ ከምዘይፈጸመት ይዛረብ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ህይወታ ምፍርራሕን ይዝርጋሕ ከምዘሎን፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ፡ "ካብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ወጺኣ ትምህርታ ክትቅጽል እያ ምባል ኣጸጋሚ'ዩ።"

ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ጕጅለ ጠበቓታት፡ ዋላ’ኳ "ውጽኢት እንተዘይኣምጽአ" ቤት ጽሕፈት ፍትሒ እቲ ክልል፡ ኣብ ዙርያ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሑን ካልኦት ትካላትን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክፈልጡ ገይሮም ኣለዉ።

ኣቦ ሊድያ ኣቶ ኣበራ፡ ማእሰርቲ ጓሉ "ዝተደርበየ ዕዳ" እዩ ይብል።

ደቁ ኣብ ትምህርተን ካብ ሓፈሻዊ ተመሃሮ በሊጸን ተሸለምቲ ከምዝዀና ዝገልጽ ኣበራ፡ "እናጽንዓ’የን ዝሓድራ" ይብል።

ደቁ ዝተረፈ ዓመተ ትምህርተን ኣብ ካልእ ከባቢ ንኽማሃራ ይጽዕር ከምዘሎ’ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ሊድያ ክዛረቡ ከለዉ "መዓስ’የ ክወጽእ?" ኢላ ከምዝሓተተቶ ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፖሊስ ሃላባ ቁሊቶ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ይዅን እምበር ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ምምሕዳር ከተማ ቁሊቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሊድያ ጥራይ ዘይኮነትስ ኣቶ ናስር ዝተባህለ ሰብ እውን ብተመሳሳሊ ገበን ተኣሲሩ መርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ፡ ሊድያ "ኣብ ልዕሊ ኣስላም ተማሃሮ ሽሕር ፈጺማ" ብዝብል ከምዝተኣሰረት ይገልጽ።

እንተዀነ፡ "እቲ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ክመስል" ዝግበር ጻዕሪ ስለዘሎ፡ ሰባት ካብዚ ተግባር ክቝጠቡ ኣተሓሳሲቡ።