ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥም መኣዛዊ ጉድለት ኣብ መዋእል ባህሪ ዕሸላት ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ መኣዛዊ መግቢ ክንሓስብ እንከለና፡ ሕጂ ብዛዕባ ንምሰሖ፡ ንዝመጽእ ሰሙን፤ ንወርሒ ወይ ንዓመት ክዀነና ዝኸዘንናዮ ጥራይ ክንሓስብ ንኽእል ኢና።
እንተዀነ፡ ሓንቲ ኣደ ሎሚ ዝበለዓቶ መግቢ ንዓኣ፡ ንዕሸላ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ደቂ ደቓ ጽልዋ ከም ዘለዎ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።
ተመራማሪት ስነ ኣእምሮ ኪምቢለይ ዊልሰን ብስርዓተ ኣመጋግባ ክልተ ዲግሪ ኣለዋ።
ነቲ ካብ 1944 ክሳብ 1945 ኣብ ሆላንድ ዘጋጠመ ብርቱዕ ጥምየት ምርኵስ ብምግባር መጽናዕቲ ብምክያድ፡ እቲ ንሓደ ዓመት ጥራይ ዝነበረ ብርቱዕ ጥምየት ኣብ ባህሪ ወሎዶታት እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ከም ዝፈጠረ ከተረጋግጽ ክኢላ።
ኪምቢለይ ዊልሰን ነዚ ከተብርሆ እንከላ፡ ኣብ መወዳእታ ካልአይ ኵናት ዓለም ጀርመን ናብ መላእ ሆላንድ ዝዀነ ቐረብ መግብን ነዳድን ከም ዘይኣትዋ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ከበባ ኣእተወታ።
ብሰንኪ እዚ ዝሰዓበ ክቱር ጥምየት ከኣ ብውሕዱ 18 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ትብል።
ካብ ሕዳር 1943 ክሳብ ለካቲት 1947፡ ኣብቲ ብጥምየት ዝተሃሰየ ከባቢታት፤ ካብተን ብጥምየት ዝሳቐያ ዝነበራ ኣዴታት 2414 ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ተወሊዶም።
ተመራመርቲ ነዚ ከም መበገሲ ወሲዶም ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ዘጋጠመን ወለዲ ኣብቶም ዝወልደኦም ዕሸላት እንታይ ጽልዋ ይህልዎ ዝብል ዛዕባ ኣልዒሎም መጽናዕቲ ከካይዱ ጀሚሮም።
እቲ ውጽኢት ከኣ ኣብቶም ኣብ ማህጻን ዝነበሩ ዕሸላት ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ወለዶታት’ውን ነባሪ ዝዀነ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ’ዮም ከረጋግጹ ክኢሎም።
እቶም ህጻናት ካብ ካልኦት ሕማም ልቢ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣካላቶም ኣብ ውሽጦም ንዘሎ ግልኮስ ትሑት ናይ ምቁጽጻር ብቕዓት ስለ ዝህልዎ ኣብ ሰብነቶም ብዙሕ ስብሒ ይኽዝኑ።
እተን ዝውለዳ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ኣብ ከባቢ ማዕጥቖአን ብዙሕ ስብሒ የማዕብላ።
እቶም ዕሻላት ኣብ ማህጸን እንከለዉ እታ ኣደ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ምስ ዘጋጥማ፡ እቲ ጂን ወይ ስነ ተወርስኣዊ ስርዓቶም፡ እቲ ዝውለዱሉ ዘለዉ ከባቢ እንታይ ዓይነት ምዃኑ መልእኽቲ ሒዙ ይጸንሕ።
እቶም ዕሸላት ኣብ ማህጸን እንከለዉ ዝተላመድዎ ውሑድ ጻዓት፡ ጂን ናቶም ምስ ተወለዱ’ውን ተመሳሳሊ ነገር ክጸንሕ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ንዝኸፈአ ነገር ተዳልዩ ይጸንሕ።
ካብዚ ብምብጋስ ኣካላቶም ጸዓትን ስብሕን ናይ ምእካብ ልምዲ የማዕብል።
ብኻልእ ኣዘራርባ ንጥምየት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ የማዕብሉ ማለት’ዩ።
እንተዀነ እቲ ኣብ ማህጻን እንከለዉ ዘማዕብልዎ ባህሪ ምስ ተወለዱ ምሉእ ንምሉእ ኣይቅጽልን’ዩ።
ናብቲ ኣብ ሆላንድ ዘጋጠመ ምስ እንምለስ፡ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብቂዑ።
እታ ሃገር ነጻ ወኢኣ።
ኣብታ ሃገር ከኣ መግቢ ከም ድላይካ ኰይኑ።
እቶም ኣብ እዋን ጥምየት ዝተጠንሱ ዕሸላት፡ ኣብ ማህጻን እንከለዉ ንዝበርተዐ ጥምየት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዮም’ኳ እንተተወለዱ ምስ ተወለዱ ዝተፈለየ ነገር ስለ ዘጋጠሞም መብዛሕትኦም ሕማም ልቢ ከጥቅዖም ጀመረ።
እቲ ጽልዋ ኸኣ ከምኡ እናበለ ናብ ወለዶታት ክሰጋገር ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣብነት ካብቶም ኣብቲ እዋን ጥምየት ሆላንድ ህጻናት ዝነበሩ ንዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ምስ ወለዱ፡ እቶም ዝወለድዎም ህጻናት ክብደቶም ልዕሊ ሚዛን ክኸውን ተራእዩ።
ብዘይካ እዚ መብዛሕትኦም ኣብ እዋን ጥምየት ዝውለዱ ህጻናት ኣእምሮኣዊ ዝሕታለ የማዕብሉ’ዮም።
ናብ ባህሪ ምስ እንመጽእ’ውን እቶም ህጻናት ተባኣስትን ጎነጽ ዘዘውትሩን’ዮም ዝዀኑ።
ንኣብነት ኣብ ሞሪሽየስ ድርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተወለዱ ህጻናት፤ ደቂ ሰለስተ ዓመት ምስ ኰኑ ሸውሃቶም ይጎድል።
ደቂ ሸሞንት ዓመት ምስ ኰኑ ተጓነጽቲ ይዀኑ።
ደቂ 11 ዓመት ምስ ኰኑ ኸኣ ምትህርራም፤ ምንኻስን፤ ሓሶትን ስርቕን ዘዘውትተሩ ከም ዝዀኑ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።
እቲ ጽልዋ ኣብዚ ከይተሓጸረ ደቂ 17 ዓመት ኣብ ዝበጽሕሉ ኸኣ ባእሲ ዝፈትዉን ነገራት ምዕናው ዝብርሆምን ኰይኖም ተረኺቦም።
ተመራመርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መጽናዕቲ ብምክያድ፤ ንሓንቲ ወላዲት ኣብ እዋን ጥንሳ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ምስ ዘጋጥማ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ዕሸል ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ ሓንጎል ኣብ ዘማዕብለሉ እዋን እንተዀይኑ፡ እቲ ዕሸል ናይ ምግንዛብ ዓቕሚ ከም ዝሓጽሮን ዝያዳ ተባኣሳይ ናይ ምዃን ዕድል ከም ዘለዎን ውጽኢት መጽናዕቶም የረድእ።
ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ፡ ወላዲት ኣብ እዋን ጥንሳ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ምስ ዘጋጥማ እቲ ዝውለድ ዕሸል ናይ ምሕሳብ፡ ተገንዝቦን፡ ውጥንን ናይ ምውጻእ ሕጽረትን ስምዒት ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ከም ዝሓጽሮ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
መኣዛዊ መግቢ እኹል ሓይሊ ንኽህልወና ጥራይ ኣይኰነን ዝሕግዘና።
ንኣእምሮኣዊ ምዕባለናን ንንጥፈታት ናይ ስነ ተወርሶ'ውን ዓቢ ተራ’ዩ ዘለዎ።
እቲ ሎሚ ንበልዖ ወይ’ውን ክንበልዖ ዝግብኣና ዘይበላዕናዮ ኣባና፡ ኣብ ደቕናን ኣብ ወለዶናን ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ’ያ ተመራማሪት ስነ ኣእምሮ ኪምቢለይ ዊልሰን ትምዕድ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
