‘ፑቲን እንታዋይ’ዩ?' ዝበለት ሩስያዊት ምዃና ከይፈለጠት ዝዓበየት ጓል'ቶም ሰለይቲ

ህይወት እቶም ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወልዱ ጓል 11 ዓመት ሶፍያን ወዲ 8 ዓመት ጋብሪኤልን ድማ፡ እግሪ እዛ ስድራቤት ኣብ ሞስኮ ምስ በጽሐ ተቐይሩ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህይወት እቶም ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወልዱ ጓል 11 ዓመት ሶፍያን ወዲ 8 ዓመት ጋብሪኤልን ድማ፡ ኣብ ሞስኮ ምስ በጽሑ ተቐይሩ ኣሎ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ጓል እቶም ብሓሙስ ኣብ መንጐ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ድሕሪ ዝተኻየደ እቲ ዝዓበየ ምልውዋጥ እሱራት፡ ናብ ሩስያ ዝተመልሱ ሰለልቲ ሰብ ሓዳር ዝዀነት ቈልዓ ዜግነታ ኣብቲ ናብ ሞስኮ ዝገበሩዎ በረራ ፈሊጣ።

እዚ ምልውዋጥ እሱራት እዘን ሃገራት፡ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዓለም ዝተኻየደ ዝዓበየ ምልውዋጥ እሱራት ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ።

ኣርተም ቪክቶሮቪች ዱልትሰቭን ኣና ቫለረቭና ዱልሰቫን ኣርጀንቲናውያን መጻምድቲ ኰይኖም ኣብ ስሎቨንያ ዝነብሩ ዝነበሩን ኣብታ ሃገር እንከለው ተኣሲሮም ዝጸንሑን’ዮም።

ደቈም ቋንቋ ሩስያ ኣይዛረቡን፤ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን’ውን መን ምዃኑ ኣይፈልጡን’ዮም።

ብሓሙስ ናብ ሞስኮ ምስ ኣተው እቲ ፕረዚደንት ክቕበሎምን ክስዕሞምን ምስ ርኣዩ ግን መን’ዩ ኢሎም ከም ዝሓተቱ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲመትሪ ፖስኮቭ ገሊጹ።

ብድምር ኣብ ሸውዓተ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣስሩ 24 ሰባት ተፈቲሖም ኣለው።

እቶም 16 ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ዝተኣስሩ ምዕራባውያን እሱራት ክዀኑ እንከለዉ፡ ሸሞንተ ድማ ኣብ ኣመሪካ፡ ኖርወይ፡ ጀርመን፡ ፖላንድን ስሎቬንያን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሩስያውያን እሱራት እዮም።

ካብ መንጐ እዚኦም ሪፖርተር ዎል ስትሪት ጆርናል ኢቫን ገርሽኮቪች ይርከቦም።

ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈት ሩስያዊት ስድራቤት ምዉቕ ኣቀባብላ ክግበረላ እንከሎ፡ ዱልሰቫን ጓላን ካብ ፕረዚደንት ፑቲን ዕምባባታትን ምዉቕ ሕቑፍን ጸኒሑወን።

እቲ ፕረዚደንት ንደቂ እቶም ሰለይቲ ብቋንቋ ስጳኛ እዩ ኣዛሪቡዎም።

ከም ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ኣርጀንቲና፡ እቶም መጻምድቲ ማሪያ ማየርን ሉድቪግ ጊሽን ብዝብል’ዮም ክፍለጡ ጸኒሖም።

ኣብ 2017 ድማ ፓስፖርት ኣርጀንቲና ሒዞም ናብ ስሎቬንያ ኣትዮም።

እቲ በዓል ቤት ብሽሙ ዝጽዋዕ ትካል ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ከቕውም እንከሎ፡ በዓልቲ ቤቱ ድማ ናይ ኦንላይን ቤተ መዘክር ስነ-ጥበብ ነይርዋ።

ብ2022 ግን ፖሊስ ስሎቬንያ ብስለያ ከሲሱ ኣሲሩዎም።

ቅድሚ እቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ዝተኻየደ ምልውዋጥ እሱራት፡ እቶም መጻምዲ ብክሲ ስለያ ገበነኛታት ምዃኖም ድሕሪ ምእማኖም፡ ነፍሲ ወከፎም ን19 ኣዋርሕ ክእሰሩ ብሮቡዕ ተፈሪዶም ነይሮም።

ኣብ 2022 ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ኣብ ግምት ብምእታው ግን ብኣሞክሮ ተፈቲሖም ካብ ስሎቨንያ ክወጽኡ ከም ዝተኣዘዙ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ህይወት እቶም ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወልዱ ጓል 11 ዓመት ሶፍያን ወዲ 8 ዓመት ጋብሪኤልን ድማ፡ እግሪ እዛ ስድራቤት ኣብ ሞስኮ ምስ በጽሐ ተቐይሩ ኣሎ።

እቶም ቈልዑ፡ እታ ነፋሪት ካብ ኣንካራ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ቭኑኮቮ ምስ ተበገሰት ጥራይ ሩስያውያን ምዃኖም ከም ዝፈለጡ ክረምሊን ገሊጹ።

“ትማሊ፡ ንወለዶም መን’ዩ ሰላም ዝብለና ዘሎ ኢሎም ሓቲቶምዎም" ዝበለ ፔስኮቭ፡ "ፑቲን መን ምዃኑ’ኳ ኣይፈልጡን ነይሮም" ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ሕቡኣት ሰለይቲ ("ዘይሕጋውያን") ከምኡ እዮም ዝሰርሑ፤ ንስርሖምን ነቲ ኣገልግሎቶም ንዝገብርዎ ተወፋይነትን ክብሉ ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ’ዮም ዝኸፍሉ" ኢሉ።