ትራምፕ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ከይቅተል ንእስራኤል ኣተሓሳሲቡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ንምቕታል እስራኤል ዝሓንጸጸቶ ውጥን ከም ዝነጸጎ፡ ሰለስተ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኒውስ ገሊጾም።

ሓደ ብዓል ስልጣን፡ ትራምፕ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ምቕታል ኻሜኒ "ጽቡቕ ሓሳብ ከም ዘይኰነ" ከም ዝገለጸሉ ይሕብር። እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብግልጺ ርእይቶ ኣይሃበን።

እቲ ኣብ መንጐ ትራምፕን ናታንያሁን ዝተኻየደ ዝርርብ፡ እስራኤል ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማራ ከም ዝተገብረ ይንገር።

ናታንያሁ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ትራምፕ ኣያቶላህ ንምቕታል ዝነበረ ውጥን ከም ዝተቓወመ ብሮይተርስ ንዝወጽአ ሓበሬታ፡ ብቐጥታ ኣየረጋገጸን ወይ ኣይነጸገን።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል፡ "ብዛዕባ ዝተዘራረብናዮ ብዙሕ ናይ ሓሶት ጸብጻባት እዩ ዘሎ፣ ኣነ'ውን ናብኡ ኣይኣቱን'የ፡" ኢሉ።

ወሲዅ፡ "ክነግረኩም ዝኽእል ግን፡ ክንገብሮ ዝግብኣና ንገብር እመስለኒ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ክንገብር ኢና። ኣመሪካ ድማ ንኣመሪካ ጽቡቕ ዝዀነ ትፈልጥ እመስልኒ። ስለዝዀነ፡ ኣነ ኣብኡ ኣይኣቱን እየ" ኢሉ።

ሓደ እስራኤላዊ ብዓል ስልጣን ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እስራኤል "ብመትከል ንፖለቲካዊ መራሕቲ ኣይትቐትልን እያ። ኣብ ንዩክለሳውን ወተሃደራውን ኢና ኣተኲርና ዘለና። እቲ ብዛዕባ እቶም መደባት እቲኦም ውሳነ ዝህብ ሰብ ግን ብናጻን ቀሊልን ክነብር ዘለዎ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

እስራኤል ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ንዩክለሳዊ መደበራት ኢራንን ካልኦት ዒላማታትን ብዓርቢ መጥቃዕቲ ፈጺማ። ክልተአን ሃገራት ካብ ሽዑ ጀሚረን ኣብ ሓድሕደን መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምክያድ ቀጺለን ኣለዋ።

ትራምፕ ብዛዕባ እቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ኢራንን እስራኤልን ስምምዕ ክገብራ ኣለወን፡" ኢሉ። ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት እስያ ዝነበረ ወጥሪ ብምጥቃስ ከኣ፡ "ከምቲ ምስ ህንድን ፓኪስታንን ዝገበርኩዎ፡" ብምባል፡ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ትራምፕ ናብቲ ኣብ ካናዳ ዝካየድ ዋዕላ ጕጅለ 7 ቅድሚ ምብጋሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣመሪካ ንእስራኤል ምድጋፍ ክትቅጽል እያ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ ንዩክለር ዘተ ክካየድ ንሰንበት ተወጢኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣሸማጋሊ ዝነበረ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ባድር ኣልቡሳይዲ ግን ከም ዝተሰረዘ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኢራን ገና ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ እስራኤል እናሃለወት ተዅሲ ንምቍራጽ ክትዘራረብ ከም ዘይኰነት ንቐጠርን ዖማንን ከም ዝገለጸትለን ሓቢሩ።

ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስቲ ብእስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ዝዀነ ርከብ ከም ዘይብላ እኳ እንተ ገለጸ፡ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ኣብ ልዕለኦም መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺምዎም ግን፡ "ሓይልታት ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን፡" ግብረ-መልሲ ከም ዝህብ ኣጠንቂቑ።