ጃልባ ስደተኛታት ብምጥሓላ 10 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ
ስደተኛታት ከም ዝፀዓነት እትእመን ጃልባ ኣብ ጥቓ እታ ደሴታዊት ሃገር ማልታ ብምጥሓላ፡ 10 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።
እታ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፡ እዚ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኣስታት 60 ሰባት ፅዒና ከም ዝነበረት ሰብመዚ ገሊፆም።
"እታ ስደተኛታት ከም ዝፀዓነት እትእመን ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ"፡ ማልታ ስርሒት ህይወት ኣድሕንን ኣለሻን ክግበር ሓገዝ ከም ዝሓተት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።
ጃልባ ህይወት ምድሓን ኢጣልያ፡ 10 ሬሳታት ክትረክብ እንከላ፡ ጕጅለታት ኣለሻ ክሳብ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ከባቢ ጻዕሮም ከም ዝቐፀሉ ገሊፁ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ህይወት ኣስታት 48 ሰባት ኣብ ምድሓን ከም ዝሓገዘት'ውን፡ እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ።
ከም ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት-ኣይኦኤም፡ ኣብዚ ዓመት ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ማእከላይ ባሕሪ (ሜዲትራንያን) ክሰግሩ ዝፍትኑ ብውሑዱ 827 ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ጥቓ ባሕሪ ሜዲትራንያን ካብ ዝርከባ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝብገሱ ሰባት ናብ ኢጣልያን ማልታን ንምብፃሕ ነዚ መስመር ባሕሪ ይጥቀሙ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ መስመር ልዕሊ 1300 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣይኦኤም ገሊፁ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

