መን ምስ መን፡ ምድባት ኣውዲቕካ-ምሕላፍ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ተፈሊጡ

Published

ዕጫ ዙር 16 ቻምፕዮንስ ሊግ ሎሚ ኣብ ዝወደቐሉ እተን ዓሚ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዝተጋጠማ ሊቨርፑልን ርያል ማድሪድን ክራኸባ’የን።

ንቻምፕዮንስ ሊግ ክብረ ወሰን ብምሓዝ 14 ግዜ ዝተዓወተትሉ ርያል ማድሪድ ምስታ ዓሚ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ረኺባ ሓደ ንዜሮ ዝሰዓረታ ሊቨርፑል ክትገጥም'ያ።

ተዓዋቲት ፕረሚየርሊግ እንግሊዝ ዝሓለፈ ዓመት ማንቸስተር ሲቲ ብወገና፡ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ኣር ፒ ለይፕዚግ፣ ቶተንሃም ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ኤሲ ሚላን ክገጥማ ዕጫ በጺሕወን ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቸልሲ ኣንጻር ጀርመናዊት ክለብ ቦርሽያ ዶርትመንድ፣ ፈረንሳዊት ፒኤስጂ ድማ ምስ ጀርመናዊት ባየር ሙኒክ ክራኸባ'የን።

ናፖሊ ኣንጻር ፍራንክፈርት፣ ኢንተር ሚላን ኣንጻር ፖርቶ፣ ብሩዥን ኣንጻር በነፊካ ዝግበራኦ ግጥም እቲ ዝተሓተ ግምት ዝተዋህቦ ጸወታ ምዃኑ ብኣግኡ ተፈሊጡ'ሎ።

እታ ንቻምፕዮንስ ሊግ ሽዱሽተ ግዜ ዝተዓወተትሉ ሊቨርፑል ብወገና፡ ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ናይ ሕጂ ሓዊስካ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ንራብዓይ ግዜ’ያ ኣንጻር ርያል ማድሪድ ትገጥም ዘላ።

ካብዚ እቲ ክልተ ብዓወት ርያል ማድሪድ ዝተዛዘመ ግጥም ፍጻመ’ዩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ ርያል ማድሪድ ኣብ 2020-2021’ውን ንሊቨርፑል ኣብ ርብዒ ፍጻመ ክትግልፋ ክኢላ’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ወናኒት ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ክትከውን ዝኽኣለት ማንቸስተር ሲቲ ነታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከብሓ ክትሰቕላ ዘይክኣለት ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ንምዕታር መንገዲ ንኽትጸርግ ነታ ኣብ ቡንደስሊጋ ጀርመን ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ኣር ፒ ለይፕዚግ ክትስዕራ ጥራይ’ዩ ዘለዋ።

ንቻምፕዮንስ ሊግ ክልተ ግዜ ዝተዓወተትሉ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ'ውን ኣንጻር ቦርሽያ ዶርትመንድ እትገብሮ ጸወታ ካብ ሕጂ ኣቓልቦ ረኺቡ ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ 2018-2019 ኣንጻር ሊቨርፑል ናብ መዛዘሚ ጸወታ ቻምፕዮንስ ሊግ በጺሓ ዝተሳዓረት እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃምን እታ ሸውዓተ ግዜ ዘውዲ ቻምፕዮንስ ሊግ ዝደፍአት ኢጣልያዊት ኤሲ ሚላን ድሕሪ 11 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ክራኸባ እየን።

ብድሙቕ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል ሜሲ፡ ብራዚላዊ ነይማር፡ ከምኡ'ውን ፈረንሳዊ ምባፐን ዝመራሕ መስመር መጥቃዕቲ ፒኤስጂ ኣንጻር ሓያል ጋንታ ባየር ሙኒክ ዝገብሮ ጸወታ ምናልባት እቲ ክትግምቶ ኣዝዩ ዘጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ናይዘን 16 ጋንታታት ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ካብ 14 ክሳብ 22 ለካቲት ኣብ ዘሎ ክልተ ሳምንታት ክካየድ'ዩ። ካልኣይ እግሪ ድማ ካብ 7 ክሳብ 15 መጋቢት ክውዳእ'ዩ።

ኣብቲ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክርፍስ ዝዕወታ 8 ጋንታት ድማ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክሓልፋ እየን።